ካሜሮን፡ ተጨውዮም ዝጸንሑ ተምሃሮ ተፈቲሖም

ወለዲ እቶም ዝተጨወዩ ተመሃሮ ኣብ ጭንቂ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ወለዲ እቶም ዝተጨወዩ ተመሃሮ ኣብ ጭንቂ ኣለዉ።
Published

እቶም ካብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህረቲ ካሜሮን ተጨውዮም ዝነበሩ ነጻ ምውጾም ሰብ መዚ ካሜሮን ሓቢሮም።

79 ተምሃሮ ዝርከብዎም 82 ሰባት ብሰኑይ ካብ ዋና ከተማ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ካሜሮን ዝኾነት ከተማ ባሜንዳ ኣብ ዝርከብ ኣሕዳሪ ትምህርቲ ምጭዋዮም ዝዝከር እዩ።

ርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ኣውቲስታን ሓደ መምህርን ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ እቶም ጨዋዮ ምህላዎም ወኪል ቢቢሲ ማየኒ ጆንስ ሓቢራ።

ኣብ ካሜሮን እንግሊዝ ቋንቋ ዝዛረቡ ወገናት ካብ ሃገረ ካሜሮን ናይ ምፍላይ ጠለብ የቕርቡ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ናይ መጭወይቲ ተግባር ንሶም ከምዝፈጸምዎ መንግስቲ ክሕብር ጸኒሑ'ዩ።