ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ሓደ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ብዕጡቓት ተቐቲሉ

Published
ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ መንጎ ግጨውን ጎቤን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ መንነቶም ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ብዘውረድዎ መጥቃዕቲ ሓደ ከምዝሞተን ኣርባዕተ ከምዝቖሰሉን ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንቢቢሲ ገሊፁ።
እቶም መንነቶም ዘይተፈለጡ መጥቃዕቲ ዘውረዱ ዕጡቓት: ኣብ ውሽጢ ግራት መሸላ ኣድብዮም ጸኒሖም : ኣብ ልዕሊ መኪና ኮይኖም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ጠያይቲ ብምትኳስ ከምዘጥቅዕዎም ሓበሬታ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ይገልፅ።
ልእኽቶ ዝሓዙ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ በቲ ከባቢ ወትሩ ከምዝሓልፉን ሎሚ መዓልቲ ረፋድ እውን ብተመሳሳሊ ወተሃደራዊ ዋኒን ሒዞም ይጓዓዙ ምንባሮም እዩ ተሓቢሩ።
እቶም መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ መንነቶም ዘይተነጸረ ዕጡቓት ናብ ክልል ኣምሓራ ከምዝሰገሩ'ውን ተገሊጹ።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ነቶም ዘምለጡ ዕጡቓት ኣሕሊፉ ንኽህብ ዝርርብ ተጀሚሩ ምህላዉ ካብ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


