መጥቃዕቲ ሑቲ ኣብ የመን፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ማእከላይ የመን ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ብዕጡቓት ሑቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ እንተ ወሓደ 30 ወተሃደራት መንግስቲ የመን ምቕታሎም ተገሊጹ።
ምኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ዞባታት ማሪብን ሓድራሙትን ዝርከቡ መዓስከራት ብባሊስቲክ ሚሳይላትን ድሮናትን ተሃሪሞም እዮም።
እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ሞትን መውጋእትን ብዙሓት ኣባላት ሰራዊት የመን ከም ዘስዓበ እቲ ምኒስትሪ እኳ እንተ ገለጸ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ንጹር ቍጽሪ ግዳያት ኣይሃበን።
እቲ ምኒስትሪ ነቲ መጥቃዕቲ "ክድዓት" ክብል ብምዅናን፡ "ኣብ ዝጥዕም ግዜን ቦታን" ምላሽ ከም ዝህበሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቶም ብኢራን ዝድገፉን ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ዝቈጻጸሩን ዕጡቓት ሑቲ፡ ንመጥቃዕቲ ይዳለዉ ንዝነበሩ "ገዚፍ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስዑዲ ዓረብ" ዒልማ መጥቃዕቶም ከም ዝገበሩ ገሊጾም።
እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ሃገራት፡ ኣብቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ንመንግስቲ የመን ክድግፍ ጸኒሑ እዩ።
ዛጊት ካብ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ይዅን ካብቲ ጥምረት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የሎን።
ምኒስትሪ ምክልኻል የመን ከም ዝሓበሮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ሓሙስ ንግሆ ሰዓት 10:40 (ብናይ ከባቢ ግዜ) እዩ ተፈጺሙ።
ሓደ ወተሃደራዊ ብዓል ስልጣን ንወኪል ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብ ከባቢ ኣል-ሩዋይክ (ማሪብ)፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣል-ኣብርን ኣል-ወዲዓን (ሓድራሙት) ንዝርከቡ መዓስከራት ሃሪሙ ኣሎ።
ወኪል ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ንምንጭታት ሕክምና ብምጥቃስ፡ እንተ ወሓደ 38 ወተሃደራት የመን ከም ዝተቐተሉን 29 ድማ ከም ዝቘሰሉን ገሊጹ።
ንመንግስቲ ዝድግፉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ግን ቍጽሪ እቶም ዝተቐተሉ ካብ 40 ከም ዝበልጽ ሓቢሮም ኣለዉ።
ወሃቢ-ቓል ወተሃደራዊ ጕጅለ ሑቲ ያሕያ ሳርያ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኣማኢት ንዝቝጸሩ "ዕሱባት ወተሃደራት ጸላኢ ስዑዲ" ከም ዝቐተለን ከም ዘቝሰለን፡ ከምኡ'ውን ብዙሓት ህንጻታት፡ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ መካይንን ከም ዘዕነወን ገሊጹ።
ምክትል ወሃቢ-ቃል ሕቡራት ሃገራት ፋርሓን ሓቕ፡ ኵሎም ወገናት "ነፍሶም ክገትኡን" ናብ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ግጭት ካብ ዘምርሑ ስጕምታት ክቝጠቡን ጸዊዑ።
"ዳግማይ ዝለዓዓል ግጭት፡ ነቲ ዝሓለፉ ዓመታት ግጭት ንምንካይ ዝተረኽበ ዓወታት ናብ ድሕሪት ክመልሶ ይኽእል እዩ፡" ክብል ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።
ኣብ የመን ዝርከብ ልኡኽ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ "ፈራሕ" ክብል ብምዅናን፡ እዚ ተግባር ኣንጻር ህዝቢ የመን ዝካየድ ዘሎ "ግብረ-ሽበራ" ምዃኑ ገሊጹ።
ኲናት ሓድሕድ የመን ካብ 2014 ጀሚሩ እቶም ዕጡቓት ንመንግስቲ ካብ ዋና ከተማ ሰንዓ ምስ ኣውጽእዎ እዩ ተወሊዑ።
እቲ ግጭት ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ሃገራት ዓረብ ጣልቃ ምስ ኣተወ ድማ ዝያዳ ተላቢዑ።
እዚ ኲናት'ዚ ልዕሊ 150,000 ሰባት ክቕተሉ ምኽንያት ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዓለም ድማ ፈጢሩ ኣሎ።
ካብ 2022 ጀሚሩ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክሳዕ ሕጂ ጸኒሑ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ካብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣትሒዙ ከቢድ ወተሃደራዊ ምስሕሓብ ይርአ ኣሎ።
ዕጡቃት ሑቲ ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ "ናይ ባሕሪ እገዳ" ከም ዝኣወጁ ይፍለጥ።
ስዑዲ ዓረብ ድማ ብወገና ነዚ ንምምካትን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝግበር ምንቅስቓስ ንግዲ ንምክልኻልን ሓድሽ ናይ ባሕሪ ጥምረት መስሪታ ኣላ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



