ኣስመራ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ መብርሂ ይህብ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነቶም ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝርከቡ ወከልቲ ሃገራት ወጻኢ ብዛዕባ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ዓቢ ወጥሪ መብርሂ ሂቡ።
ዑስማን ሳልሕ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኢትዮጵያ "ዘይምኽኑይ ወራር" ተወጣውጥ ኣላ ክብል ገሊጹ።
ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዘጋውሕዎ ዘለዉ መሰል ዋንነት ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዘነጻጸረ "ኣዋጅ ኲናት እዩ" ከምዝበሎም'ውን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ከምዝበሎ፡ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ'ውን ዘይምርግጋእ ይፈጥር ከምዘሎ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ወቒሱ።
ኣዲስ ኣበባ ንተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ትድግፍ ኣላ ክብል'ውን ዑስማን ከሲሱ'ሎ።
ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ኣንጻር ሓድሕደን ደው ዝበሉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ክድግፋ ምጽንሐን ይፍለጥ።
"ስርዓት ሰልፊ ብልጽግና፡ ሚዛን ዘይወሃቦም ተቓወምቲ ጉጅለታት፡ ምእንጋድ፡ ከምኡ'ውን ወተሃደራዊን ሎጀስቲካዊ ደገፍ ምሃብ ቀጺልዎ ኣሎ" ይብል።
"ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እቲ ስርዓት ዞባዊ ግጭት ዘብእስን ዘጋድድን ብወክልና ኣብ ዝካየድ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ተጸሚዱ ጸኒሑ'ዩ" ይብል እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተዋህበ መብርሂ።
ኤርትራ ንህወሓት ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ዕጡቓት ተቓወምቲ ቀጥታዊን ዘይቀጥታዊን ደገፍ ትህብ'ያ ክትብል ኣዲስ ኣበባ ክትከስስ ጸኒሓ'ያ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብ መንጐ ዕጡቓት ህወሓትን ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስትን መሻርኽቱን ዳግማይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ወጥሪ ናብ ተኣፋፊ ደረጃ በጺሑ ይርከብ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ዳርባ ቃላትን ምፍርራሕን ናብ ቅሉዕ ረጽሚ ከየምርሕ ተሰጊኡ'ሎ።
ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ወጥሪ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ ነይራ።
ኣፈኛ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ዘውጽኦ ምሕጽንታ፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ከም ዝተዘራረበ ብምግላጽ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሓድሕደን ከኽብራ ጸዊዑ።
"ኵለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረባብተን ከኽብራን ዶብ ካብ ምስጋር ክሕየባን ከም ዘለወን እቲ ጸሓፊ ኣስሚሩ፡" ይብል እቲ ካብ ዋሽንግተን ዝወጽአ ሓጺር መግለጺ።
እቲ ብዂናትን ውግእን ዝሕመስ ዘሎ ዞባ "ተወሳኺ ግጭት ክጻወር" ከም ዘይክእል'ውን ኣመሪካ ኣተሓሳሲባ'ላ።
ኣቐዲሙ ብዛዕባ'ቲ ብተለፎን ዝተገብረ ዝርርብ ሓበሬታ ዝሃበ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ወጥሪ ከም ዝዘተየ ኣይጠቐሰን።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ዝነበረን ዲፕሎማስያ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኻ ኣፍሊጠን ነይረን።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ብ1 ጥቀምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ 10 ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክወጹ ብምእዛዝ፡ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝነበረ ኤምባሲኡ ክዕጾ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
"እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዓሰርተ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ 'ፐርሶና ናን ግራታ' [ኣፍልጦን ሓለዋን ዝተነፍጐም ውልቀሰባት] ምዃኖም" ኣዊጁ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣስመራ ብወገና፡ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ነቲ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ "ምሉእ ብምሉእ፡" ክትበትኮ ከምዝተገደደት ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣፍሊጣ ነይራ።
ገለ ካብቶም ዲፕሎማሰኛታት ወከልቲ ሃገሮም ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምንባሮም ግን ኤርትራ ኣብቲ ውድብ ውክልና ዘይብላ ገይሩዋ ኣሎ።
ኣስመራ ብሓሙስ 15 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኣቶ ሓበሬታ ግን፡ እቲ ሕብረት ንውክልናኣ ናብ ንቡር ክመልሶ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ናብቲ ውድብ ደብዳበ ጽሒፉ ከምዘሎ ኣፍሊጣ'ላ።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
