ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ዘስመዖ መተሓሳሰቢ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝካየዱ ዘለዉ ጎንፅታት ብዝርርብ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረኽቡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ሚኒስትር ጥዕናን ጉዳያት ወፃእን ኢትዮጵያ ነበር ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት እታ ሃገር ዝረአ ዘለዉ ግጭታት ስቓይ ኢትዮጵያውያን የብዝሕን የንውሕን ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ብዘተን ዝርርብን ፍታሕ ክረኽቡ ሓቲቱ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣብ ወግዓዊ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝለጠፎ ጻውዒት፡ ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን ዝቕፅል ዘሎ ቅሉዕ ውግእ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዓፋርን ቤኒሻልጉል ጉሙዝን ዝረአ ዘሎ ዝንባለታት፡ ኣመልኪቱ እዩ እቲ ፃውዒት ኣስሚዑ።
"ኣብ ክልል ኣምሓራ ንሰለስተ ዓመታት ዝቐፀለ ግጭት፡ ህይወት ብዙሓት ኣስኢኑ ኣሎ፤ ኦሮምያ እውን ትደሚ እያ ዘላ" ብምባል፡ ኣብ ክልቲኤን ዓበይቲ ክልላት ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዘኸፈሎ ኪሳራ ኣቐዲሙ ጠቒሱ።
ብተወሳኺ "ትግራይ እውን ናብ ቅሉዕ ውግእ ተምርሕ ኣላ፣ ዓፋር እውን ናብኡ ትስሓብ ኣላ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ግጭት እያ ዘላ" ብምባል ብዙሓት ክልላት እታ ሃገር፡ ኣብ ጎንፂ ከምዘለዋ ወይ ድማ ናብ ጎንፂ ዝወስድ መንገዲ የምርሓ ከምዘለዋን ስግኣቱ ገሊፁ።
እቲ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን መራሕቲ ህወሓትን ኩናት ክለዓል ከምዝኽእል ስግኣት ኣብ ዝተፈጥረሉ ኣጋጣሚ እዩ ብዛዕባ ተሪር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም 25 ሓምለ [ብኣቈፃፅራ ኢትዮጵያ] ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ሸረሪና ውግእ ከምዝተወለዐ ዝዝከር ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ወግዓዊ መግለፂ ኣይሃበሉን።
ኣብቲ ኣብቲ ምስ ክልል ኣምሓራ ዘሰሓሕብ - ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ሰጣሕ ናይ ሕርሻ መሬት ዝዀነ 'ሸረሪና' ዝተወለዐ ኲናት ብከቢድ ኣፅዋራት ዝተሰነየ፡ ንሓደ ሙሉእ መዓልቲ ዝተኻየደ ውግእ ከቢድ ከምዝነበረ ፀብፃባት ይሕብሩ።
እንተዀነ ዛጊድ ብዛዕባ በዝሒ ሞትን ቁሱልን ዝሕብር ዝኰነ መረዳእታ ኣይተረኽበን።
ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ዝኸሱ መራሕቲ ህወሓት፡ ብብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ንምውዳቕ ከምዝዓለሙ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብግልጺ ክዛረቡ ይስማዕ ኣለዉ።
ኣብ ትግራይ ግዱድ ወተሃደራዊ ግፋ የካይዱ ከምዘለዉ'ውን ቢቢሲ ዘካየዶ ሰፊሕ ምፅራይ የመልክት።
መንግስቲ ፌደራል፡ ንመራሕቲ ህወሓት ምስ 'ፀላእቲ እታ ሃገር' ብምትሕብባር ንኲናት ይደላዉ ከምዘለዉ ብምኽሳስ፡ ተኸታታሊ ናይ ሚድያ ጎስጓሳት የካይድ ኣሎ።
እዚ ዝንባለታት ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን እዩ፡ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ፡ ኩሎም ወገናት ካብ ግጭት ክቑጠቡን ኣፈላለዮም ብዘተ ክፈትሑን ዝፅውዕ ዘሎ።
ዶ/ር ቴድሮስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዝንባለ ግጭት፡ "በቃ! ይኣክል" ብምባል ኲናት ሞት፣ ዕንወትን ስቓይን ጥራይ ከም ዘስዕብ ኣጠንቂቑ።
ብዛዕባ ግጭት 'ሸረሪና'
ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣናቱ በብወገኖም ኣብ ማሕበራዊ ገጻቶም ብቐዳም መልእኽቲ ዘርጊሖም ኣለዉ።
እቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበረን ንዝተወሰነ እዋን ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ኰይኑ ዝሰርሐን፡ ሕጂ ድማ ምኒስተር መስኖን ልምዓት ቈላታትን ዝዀነ ዶክተር ኣብርሃም በላይ፡ "መሪሕነት ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዘይብሩህ ዕላማ ዘለዎ ሓድሽ ኲናት ይደፍኦ ኣሎ፡" ክብል ወቒሱ።
መሪሕነት ህወሓት ነዚ ግጭት ደው ከብሎን መንእሰይ ትግራይ ኣብ ከንቱ ሕልቂት ከይወድቕ ክገብርን ጸዊዑ።
ብተመሳሳሊ፡ እዋን እዚ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ነቶም ብስም ዝጠቐሶም መራሕቲ ከይስዕብዎም ዝእምት መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
ጌታቸው ኣብ መግለጺኡ፡ "ደብረጽዮንን ፈትለን ናብ ስልጣን ኣራት ኪሎ ንምምላስ ኣብ መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ዕጡቓት ፋኖ ኣምሓራን ይምርኰሱ ኣለዉ፡" ክብል ክሲ ኣቕሪቡ።
ብኻልእ ወገን ሱዳን ትሪቡን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐ ሓድሽ ግጭት ናብ ውሽጢ ዶብ ሱዳን ከም ዝተላብዐን ዝተተኰሱ ከበድቲ ኣጽዋራት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ብምውዳቖም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉን ሓቢሩ።
ትካል ስደተኛታት ሱዳን፡ ነቶም ኣብ ዶብ ዝርከቡ መዓስከራት ንምክልኻል ኣህጉራዊ ሓገዝ ክግበር ጸዊዑ ኣሎ።
ድሕረ ባይታ እቲ ግጨት
ዝሓለፈ 7 ሓምለ 2026 ግን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ንዂናት ይዳሎ ከም ዘሎ ምኽሳሱ ይዝከር።
ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ፡ ካብቲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር (ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ዝነበረ) ብመራሕቲ ህወሓት ካብ ዝእለ ንደሓር፡ እናኸፍአ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ህወሓት፡ ነቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ዳግማይ ብምምላስ ድማ ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት ገይሩ ሸይሙዎ ይርከብ።
እዚ ስጕምቲ'ዚ ምስ መንግስቲ ፈደራል ንዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ኣጋዲዱዎ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ዝሕታለ ኣፈጻጽማ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ንዂናት ብዝግበር ምድላዋትን ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ።
ብፍላይ ንኣስታት መንፈቕ ዓመት፡ መንግስቲ ፈደራል ደሞዝ ሰራሕተኛ መንግስቲ እታ ክልል ብምኽልካል፡ ናብቲ ከልል ዝኸይድ ነዳዲ፡ መድሓኒትን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ብምቍራጹ፡ ብወገን ትግራይ ከቢድ ክሲ ይቐርብ።












![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



