ሓደ ኣቦ ከምዘይፈረዮም ንምርግጋጽ ዝተቓለሱ ፍቝራት - ሕልኽላኽ ዛንታ ምድላይ መንነት

ኣርተርን ኦድሪን

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Audrey and Arthur Kermalvezen

መግለጺ ስእሊ, ኣርተርን ኦድሪን ኣብ ድልያ ኣቦታቶም እዮም ተራኺቦም
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

እቲ ጸገም፡ ወሃቢ ዘርእኻ መን ምዃኑ ኣብ ዘይትፈልጠሉ እዋን፡ ኵሉ ሰብ ንሱ ከም ዝዀነ ጌርካ ክትግምት ምኽኣልካ እዩ።

ብለጋሲ ዘርኢ ዝተወልደ ኣርተር ከርማልቨዘን፡ ንዓመታት ኣብ ዝኸዶ ኵሉ፡ ዝረኣዮ ሰብ ኣቦኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ይስምዖ ነበረ። "መምህረይ፡ ወይ እቶም ኣብ ኣውቶቡስ ዝርእዮም ሰባት ኣቦይ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ኢለ እግምት ነይረ... ብኸምዚ ኵነታት ምንባር ዘይከኣል ስለ ዝዀነ ድማ ኣዝየ እቝጣዕ ነበርኩ።"

ዓብዩ ምስ ጐበዘ፡ ብተመሳሳሊ ብለጋሲ ዘርኢ ምስ ዝተወልደት ኦድሪ እትበሃል ጓል ፓሪስ ኣብ ፍቕሪ ምስ ወደቐ፡ እቲ ሕቶ ድማ ዝያዳ ኣተሓሳሳቢ ኰነ።

ኦድሪ ነቲ ዝተራኸቡሉ ህሞት "ናይ ፈለማ ርእየት ፍቕሪ" ክትብል ትገልጾ፤ እዚ ምትእስሳር እዚ ግን ብሓቂዶ ናይ ፍቕሪ ስሕበት እዩ ነይሩ ወይስ ስነ-ህይወታዊ ጀነቲካዊ ስሕበት?

ኣብቲ ንሳቶም ዝተወልዱሉ እዋን፡ ኣብ ፓሪስ ክልተ ማእከላት ባንክ ዘርኢ ጥራይ እየን ነይረን፤ ብዙሓት ደቂ-ተባዕትዮ ድማ ብተደጋጋሚ ዘርኢ ይውፍዩ ስለ ዝነበሩ፡ ክልቲኦም ብኣቦ ኣሕዋት ክዀኑ ዝኽእሉሉ ተኽእሎ ዓቢይ እዩ ነይሩ።

ኣርተርን ኦድሪን ሓባራዊ ህይወት ቅድሚ ምምስራቶም፡ ብስጋ ዝተኣሳሰሩ እንተ ዀይኖም ክፈልጡ ግድን ነበሮም። እንተዀነ፡ ኣብ ፈረንሳ እቲ ጀነቲካዊ መርመራ ከምኡ'ውን ንመንነት ወሃብቲ ዘርኢ ዘመሓድር ሕጊ ጽኑዕ ብምዃኑ ነቲ መልሲ ንምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ገበሮ።

A home DNA testing kit is spread out on a table, with a saliva collection tube and packaging prominently displayed. The branding 23andMe is clearly visible, as are the words 'Welcome to You' along with lots of coloured lines in the shape of a swab.

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መመርመሪ ዲኤንኤ ምሓዝ ንባዕሉ ገበን እዩ - ኣብ ፈረንሳ

ኣብ ፈረንሳ፡ ሓደ ተመራማሪ ሳይንቲስት፡ ሓኪም፡ ወይ ዳኛ ጥራይ እዩ መርመራ ጅን ክግበር ክእዝዝን ክከታተልን ዝኽእል።

ሓደ ሰብ መመርመሪ መሳርሒ ሒዙ እንተተረኺቡ ጥራይ ልዕሊ 4,288 ዶላር መቕጻዕቲ ይጽበዮ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ከም 23andMe፡ Ancestry፡ ከምኡ'ውን MyHeritage ዝብላ ኩባንያታት፡ መሳርሒታተን ኣብ ፈረንሳ ኣየቕርባን እየን።

እቶም ነቲ ካብ 1994 ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ሕጊ ዝድግፉ ወገናት፡ እዚ ሕጊ ተነቃፊ ንዝዀነ ጀንቲካዊ ሓበሬታ ናብ ንግዳውያን ኩባንያታት ከይወሃብ ከም ዝዓግት፣ ከምኡ'ውን ብዘይተጸበኻዮ ውጽኢት ክለዓል ዝኽእል ስድራቤታዊ ግጭታት ከም ዝከላኸል ይምጕቱ።

ኣርተር ግንፈረንሳ ኣብ ኤውሮጳ ነዚ ዓይነት መርመራታት ምጥቃም ገበን ገይራ እትቘጽር እንኮ ሃገር ምዃና የረድእ።

እቶም ጽምዲ ብሰንኪ ሓባራዊ ቃልሶም ተራኺቦም

Audrey and Arthur stand close together in front of a large campaign banner which displays the message “Knowing Origins is a Right” and includes logos associated with child identity advocacy.

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Audrey and Arthur Kermalvezen

መግለጺ ስእሊ, Audrey and Arthur have both campaigned for the right to know one's origins

ኦድሪ ብዛዕባ ኣመጻጽኣኣ ብወለዳ ቅድሚ ምፍላጣ፡ ኣብ ሕጊ ስነ-ምግባር ህይወት (bioethics law) ዝሰልጠነት ጠበቓ እያ ነይራ። እቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝጸንሐ ሕጊ ፈረንሳ፡ ለገስቲ ድሕሪ ሞቶም እኳ መንነቶም ምስጢር ክኸውን ከም ዝእዝዝ ብንጹር ትፈልጥ ነይራ።

እንተኾነ ኦድሪ ኣብ 1979፡ ማለት እቲ ሕጊ ቅድሚ ምውጽኡ እያ ተወሊዳ።

ቅድሚ 1994 ብለጋሲ ዘርኢ ዝተወልዱ ሰባት ክትደሊ ከላ ድማ ንኣርተር ረኺባቶ። ንሱ ብዛዕባ ስነ-ህይወታዊ ኣመጻጽኣኡን ነቲ ነገር ንምፍላጥ ዘለዎ ድሌትን ዝገልጽ መጽሓፍ ጽሒፉ ነይሩ።

ኦድሪ፡ ኣርተር ነቲ ንሳ ክትገልጾ ዝጸገማ ስምዒታት ብኸመይ ብንጹር ከም ዘስፈሮ ትገልጽ። ክልቲኦም ፈቃራት ስድራቤታት እኳ እንተነበሩዎም፡ ብዛዕባ እቶም ንዓታቶም ንምፍጣር ዝሓገዙ ዘይፍለጡ ሰባት ግን ብዙሕ ሕቶታት ነይሩዎም።

ብኣካል ምስ ተራኸቡ፡ እቲ ዝነበሮም ስምዒታዊ ምትእስሳር ብኡንብኡ እዩ ጒሊሑ። እቲ ጸገሞም እውን ከምኡ። ብዛዕባ ኣቦታቶም ሓቂ ክፈልጡ ነይሩዎም፤ሰብ መዚ ግን መልሲ ክህብዎም ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።

ሓቂ ንምድላይ ዝተገብረ ጻዕሪ

ኦድሪ

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Audrey Kermalvezen

መግለጺ ስእሊ, ኦድሪ ጠበቓ ከም ምዃና መጠን ነቲ ጉዳይ ብሕጊ እያ ክትርእዮ መሪጻ

ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ዳህሳስ፡ ኣብ ደቡብ ፈረንሳ 900 ኤውሮ ብጥረ ገንዘብ ተኸፊሉ መርመራ ዝገብር ዶክተር ረኺቦም። እቲ ውጽኢት ድማ ኣሕዋት ከም ዘይኮኑ ኣርእዩ። እንተኾነ፡ "መታለሊ ከይከውን ሰጊእና" ትብል ኦድሪ።

ነቲ ውጽኢት ንምርግጋጽ ናይ ገዛ መርመራ ክጥቀሙ እኳ እንተሓሰቡ፡ ኦድሪ ጠበቓ ብምዃና ግን ብሕጋዊ መንገዲ ጥራይ ክትከይድ ወሲና።

ስለዚ ካብ 2010 ጀሚራ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ፈረንሳ ስርዓት ተኸታታሊ ሕጋዊ ብድሆታት ኣቕሪባ። ለጋሲኣ ብህይወት ምህላዉን መንነቱ ክገልጽ ፍቓደኛ ምዃኑን ክትፈልጥ ደልያ። እንተኾነ ኵሉ ፈተናታታ ኣይተዓወተን።

በዅሪ ውሉዶም ቅድሚ ምውላዱ ኣቐዲሙ፡ ሓደ ሓኪም ብዛዕባ መንነት ለገስቲ ዘርኢ ክልቲኦም እንታይ ሓበሬታ ክህሉ ከም ዝኽእል ክምርምር ተሰማምዐ። ብመሰረት ሕጊ ፈረንሳ፡ ሓደ ሓኪም ብዛዕባ ሕሙማቱ ከምዚ ዝዓይነቱ ሓበሬታ ምሉእ ብምሉእ ክረክብ መሰል ኣለዎ፤ እንተዀነ ንሕሙማት ከካፍሎ ኣይፍቀደሉን እዩ።

ክልቲኦም መጻምዲ ኣብ 2013 ተመርዕዮም

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Audrey Kermalvezen

መግለጺ ስእሊ, ክልቲኦም ፍቝራት ኣብ 2013 ተመርዕዮም

እቲ ዶክተር፡ እቶም ዘርኢ ዝወፈዩሎም ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ዓመታት ከም ዝተወልዱ፣ በዚ ድማ ሓደ ሰብ ክዀኑ ከም ዘይክእሉ ኣረጋገጸ። እዚ ንህይወቶም ዝቕይር ሓበሬታ'ኳ እንተ ዀነ፡ ክረኽቡዎ ዝኸኣሉ ግን እቲ ሓኪም ሕጊ ክጥሕስ ስለ ዝተሰማምዐ ጥራይ እዩ።

ኦድሪ፡ "እዚ ኣዝዩ ዘገርም እዩ፣ ምኽንያቱ ሓኪም ብዛዕባይ... ካባይ ንላዕሊ ክፈልጥ ይኽእል ማለት እዩ፡" ትብል።

እንተኾነ፡ ኣርተር ገና ኣዝማድ ንኸይኾኑ ይሰግእ ስለ ዝነበረ፡ ድሕሪ ብዙሕ ክርክርት ኣብ መወዳእታ ናይ ገዛ መርመራ ዲኤንኤ (DNA) ገይሮም።

ተጣበቕቲ መሰላት ከም ዝገልጽዎ፡ እቲ ናይ ፈረንሳ እገዳ ንሰባት ካብ መርመራ ክዓግቶም ኣይከኣለን። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ፈረንሳውያን እዚ መርመራ እዚ ከም ዝገበሩ ይግመት። ብዙሓት ሰባት ነቲ መሳርሒ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ብመሓዙቶም ኣቢሎም እዮም ዘምጽእዎ።

እቲ መርመራ ብስጋ ዝተኣሳሰሩ - ኣሕዋት ከም ዘይኰኑ ኣረጋጊጹ።

እቲ ውጽኢት ነዊሕ ከይጸንሐ ተወሳኺ ማዕጾታት ከፊቱ። ኣርተር ድሕሪ 30 ዓመታት፡ ኣብ 2017 ምስ ለጋሲኡ ክራኸብ ክኢሉ። ኦድሪ ግን ዝያዳ ዘገርም ነገር ረኺባ።

ካብቶም ምስኣ ብዘርኢ ዝመሳሰሉ ሰባት፡ እታ ኣብ ቤት ፍርዲ ትጣበቀላ ዝነበረት ሶፊ እትበሃል ሰብ፡ ስነ-ህይወታዊት ሓብታ ኰይና ተረኺባ።

ምድላይ ኣቦ

ኣርተርን ኦድሪን ስድራ መስሪቶም ቈልዑ ወሊዶም

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Audrey Kermalvezen

መግለጺ ስእሊ, ኣርተርን ኦድሪን ስድራ መስሪቶም ቈልዑ ወሊዶም

ክልቲአን ደቀንስትዮ ንተመሳሳሊ ሕጋዊ መሰላት ይቃለሳ ነይረን።

ኦድሪ፡ "ሶፊ - እታ ኣብ ቤት ፍርዲ ጕዳያ ዝተጣበቕኩላ ሰበይቲ - ስነ-ህይወታዊት ሓብተይ ምዃና ፈሊጠ፡" ትብል።

ኦድሪን ኣርተርን ምስ ካልኦት ሸሞንተ ተጣበቕቲ ብሓባር መርመራ ዲኤንኤ ገይሮም ነይሮም። ካብቶም 10 ሰባት እቶም ኣርባዕተ (ኦድሪ፡ ሓዋ ፒተር፡ ሶፊን ሓዋ ዳቪድን) ካብ ሓደ ለጋሲ ዝተወልዱ ኰይኖም ተረኺቦም። እዚ ድማ እቲ ሓባራዊ ለጋሲ ናይ ምህላው ስግኣት ክሳብ ክንደይ ሓቀኛ ከም ዝነበረ ዘርኢ እዩ።

ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፡ ምስ ሓደ ኣመሪካዊ ብዝተረኽበ ናይ ጅን መርመራ፡ ኣብ መወዳእታ ኦድሪ ናብቲ ዘርኢ ዝወፈየላ - ፊሊፕ ዝበሃል ሰብኣይ - ክትበጽሕ ክኢላ፤ ንሱ ግን ድሮ ሞይቱ ነበረ።

ኣደ ኦድሪ ንስድራቤት ፊሊፕ፡ ነቲ ብ"ዘይዓቐንን" ክትብል ዝገለጸቶ "ውህብቶኡ" ብምምስጋን ደብዳበ ጽሒፋትሎም።

ሎሚ ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ቈልዑ ወሊዶም ምዉቕ ስድራቤት መስሪቶም

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Audrey and Arthur

መግለጺ ስእሊ, ሎሚ ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ቈልዑ ወሊዶም ምዉቕ ስድራቤት መስሪቶም

ስድራቤቱ ንኦድሪ ብኽብሪ ተቐቢሎም ኣአንጊዶማ። ኦድሪ፡ "ኵሉ ሰብ ንብዓት ኣብ ኣዒንቱ ቋጺሩ ነይሩ፡" ክትብል ትዝክር። ሓብቱ፡ ንሱ ወሃቢ ዘርኢ ምንባሩ ፈጺማ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ።

እዚ ርኽበት እዚ ንኦድሪ ንዓሰርተታት ዓመታት ክትደልዮ ዝጸንሐት መልስታት ሂቡዋ። ብዛዕባ ሕክምናዊ ታሪኽ ናይቲ ስነ-ህይወታዊ ስድራቤታ ዝርዝር ሓበሬታ ረኺባ። ናይ ፊሊፕ ስእልታትን ኣረገውቲ ቪድዮታትን ርእያ። "ክርእዮ፡ ብኸመይ ይንቀሳቐስ ከም ዝነበረ ክዕዘቦን ድምጹ ክሰምዖን እኽእል እየ።"

ሕጋዊ ጐስጓስ ኦድሪን መጽሓፍ ኣርተርን ተደማሚሩ፡ ኣብ ሕግታት ወፈያ ዘርኢ ፈረንሳ ለውጢ ንኽመጽእ ሓጊዙ እዩ፤ እዚ ድማ ካብ ሚያዝያ 2025 ንደሓር ዝጥነሱ ሰባት፡ ምስ ዓበዩ ብዛዕባ እቶም ዘርኢ ዝወፈዩሎም ሰባት መንነቶም ዝገልጽ ሓበሬታ ንኽረኽቡ ዘፍቅድ እዩ።

እንተዀነ፡ ፈረንሳ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ ገዛ ዝግበር ናይ ዲ.ኤን.ኤ መርመራ ጌና ካብ ዝኽልከላ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ ኰይና ትቕጽል ኣላ።

እዚ ማለት ድማ፡ ንኦድሪ እቲ ዝሰፍሐ ቃልሲ ይቕጽል ኣሎ ማለት እዩ።

"ነፍሲ ወከፍ ሰብ መበቈሉ ክፈልጥን ታሪኹ ክፈልጥን መሰል ኣለዎ፡" ትብል።