ደብተራ ፍስሓ-ጊዮርጊስ፡ መስራቲ ያታዊ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ

ገበር መጽሓፍ እንካብ ጦብያ ንኢጣልያ

ምንጪ ስእሊ, DM

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ደብተራ ፍስሓ-ጊዮርጊስ ዓብየዝጊ፡ ኣብ ታሪኽ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ ዘይሃስስ ኣሰር ዝገደፉ፡ ብሓያሎ ምሁራት ድማ 'መስራቲ ያታዊ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ዓቢ ምሁር እዮም።

ንሶም ንቛንቋ ትግርኛ ካብቲ ንዘመናት ተሓጺሩሉ ዝነበረ ልማዳዊ ኣጠቓቕማን ሃይማኖታዊ ትሕዝቶን ኣውጺኦም፡ ስነ-ጽሑፋዊ ትሕዝቶ ንኽህልዎ ካብ ዝገበሩ ፈለሞት ምሁራት ሓደ እዮም።

ብዛዕባ ታሪኽ ህይወቶምን ስነ-ጽሑፋዊ ኣበርክቶኦምን፡ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ኣብ 'ታሪክ ስነጽሑፍ ትግርኛ ኣብ ኤርትራ'፡ ፕሮፈሰር ባይሩ ታፍላ ኣብ 'ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ' ከምኡ'ውን ዶክተር ጀይምስ ደ-ሎረንዚ 'ዓቀብቲ ባህሊ' ኣብ ዝብል መጽሓፎም ዓሚቝ ሓተታ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ትምህርቲ፡ ካብ ቤተ-ክህነት ናብ ዘመናውነት

ደብተራ ፍስሓ-ጊዮርጊስ ብ1868 ኣብ ትግራይ ይሓ (ጥቓ ዓድዋ) ተወሊዶም እዮም ዓብዮም።

እቲ ዝነውሐ ዕድመኦም ኣብ'ዚ ናይ ሎሚ ከባብታት ኤርትራ ከም ዘሕለፉዎ እዩ ዝንገር።

ብዛዕባ ታሪኽ ንእስነቶም ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ዳርጋ ኣይተመዝገበን፣ ግናኸ ብትምህርቲ ሃይማኖት ብሱል ከም ዝነበሩ ይንገረሎም።

ኣብ ትምህርቲ ሃይማኖት ብሱልን ዓሚቝ ፍልጠት ዝነበሮምን ክዀኑ ከለዉ፡ ኣብ ገዳማት ደብረ ማርያምን ደብረ ቢዘንን ስነ-ሃይማኖት ቀሲሞም እዮም።

ኣብቲ እዋን'ቲ 'ደብተራ' ዝብል መጸውዒ ንምሁራት ቤተ-ክህነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንፈላጣት ታሪኽን ንኽኢላታት ቋንቋን ዝወሃብ ክብሪ ዝመልኦ መዓርግ እዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ 1880ታት (1888-1892) ኣብዚ ዞባ ብሰንኪ ዝተኸስተ ብርቱዕ ጥምየት፡ ደብተራ ፍስሓ ምስቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝፈለሱ ዜጋታት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት፣ ኣብቲ እዋን ድማ ናብ ከተማ ባጽዕ ኣተዉ።

ባጽዕ ኣብቲ እዋን'ቲ ማእከል ንግዳውን ዲፕሎማስያውን ምንቅስቓስ ስለ ዝነበረት፡ እቲ ኵነታት ንደብተራ ፍስሓ ምስ ኤውሮጳዊ ዘመናውነት ንኽተኣሳሰሩ ዕድል ፈጢሩሎም እዩ።

ኣብ ኤውሮጳ ዝነበረ ኣካዳምያዊ ተመኵሮ

ደብተራ ፍስሓ-ጊዮርጊስ ኣብ ባጽዕ ምስ ዝነበሩ ከም ብዓል ፔትሮ ኣንቶነሊ ዝኣመሰሉ ዲፕሎማታት ዝመስረትዎ ርክብ፡ ኣፍደገ ሓድሽ ህይወት ከፊትሎም እዩ።

ዲፕሎማት ኣንቶነሊ ምስ ንጉስ ዳግማዊ ሜነሊክ ናይ ቀረባ ዝምድና ዝነበሮም፡ መሳርያ ዘስንቕዎም ዝነበሩ፡ ከምኡ'ውን ንውዕል ውጫሌ ኣብ ምንዳፍ ተራ ዝነበሮ ብዓል ስልጣን ዝነበሩ እዮም።

ብ1889 ንራእሲ መኰነን ወልደሚካኤል (ኣቦ ሃጸይ ሃይለስላሴ) ካብ ኣስመራ ብሰራየን ትግራይን ኣቢሎም ክሳብ መቐለ ኣብ ዝገበርዎ ጕዕዞ፡ ብምትርጓምን መንገዲ ብምምራሕን ኣገልጊሎም።

እቲ ዘበን፡ ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ ኲናት መተማ ምማቶም ስዒቡ፡ ሃፀይ ሚኒሊክ ንጉሰ ነገስት ኢሎም ኣብ ዝኣወጅሉን፡ ኣብቲ መፅሓፎም ብዝርዝር ከምዝሰፈረ፡ ናብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዝገበርሉን እዋን እዩ።

ኣብቲ ድሒሮም ዘስፈርዎ ጽሑፎም (ኣብ 'ታሪኽ ኢትዮጵያ 'ዘርእስቱ' መጽሓፎም) ነቲ ጕዕዞ'ቲ ኰነ፡ ብዝረኣይዎ ሕሰምን ብደቂቑ ብምግላጽ ኣስፊሮሞ ኣለዉ።

'ራእሲ መኰነን ናብ ኢትዮጵያ ምስ ሰገሩ ምስ ንጉስ ዳግማዊ ሚነሊክ ተራኸቡ' ይብል እቲ ብፅሑፍ-ኢድ ዝተሰነደ ታሪኽ። ብድሕሪኡ ደብተራ ፍስሓ ጊዮርጊስ ዳግማይ ንባጽዕ ተመልሱ።

ብድሕሪኡ ናብ ሃገረ ጣልያን ብምምራሕ፡ ኣብ ናፖሊ ኣብ ዝርከብ 'ኦሬንታለ ኢንስቲትዩት' (ዩኒቨርሲቲ) ቋንቋታት ግዕዝ፡ ኣምሓርኛን ትግርኛን ክምህሩ በቒዖም።

ኣብኡ ምስቲ ህርኩት ተመራማሪ ፍራንቸስኮ ጋሊና ጽኑዕ ናይ ስራሕ ርክብ ብምክያድ፡ ቋንቋታት ላቲን፡ ጣልያንኛን ዓረብኛን ንምጽናዕ ዕድል ረኺቦም።

እዚ ተመኵሮ'ዚ ድማ ነቲ ትውፊታዊ ትምህርቲ ቤተ-ክህነት ምስ ኤውሮጳዊ ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ ንኸወሃህድዎ ኣኽኢልዎም እዩ።

ቅድሚ ሚኢቲ ዓመት ብደብተራ ፍሰሓ ጊዮርጊስ ዝተፅሓፈ 'ታሪኽ ኢትዮጵያ' [ቅድሚት ገፅ]

ምንጪ ስእሊ, Tigray cultural Association/fb

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ሚኢቲ ዓመት ብደብተራ ፍሰሓ ጊዮርጊስ ዝተፅሓፈ 'ታሪኽ ኢትዮጵያ'

ስነ-ጽሑፋዊ ኣሰርን 'ታሪኽ ኢትዮጵያ'ን

ደብተራ ፍስሓ ብ1895 ንትግርኛ መምሃሪ እትኸውን ቀዳመይቲ መጽሓፍ ኣሕቲሞም።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ብምሁራት ቋንቋ 'ብዘመናዊ ኣገባብ ዝተጻሕፈት ዝጸፈፈት ቀዳመይቲ ስራሕ' ተባሂላ ትጥቀስ።

ቅድሚ ደብተራ ፍስሓ ዝነበሩ ጽሑፋት ትግርኛ መብዛሕትኦም ብምስዮናውያን ንሃይማኖታዊ ስብከታት ዝተዳለዉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንሶም ግን ንታሪኽን ስነ-ልሳንን ዘተኰረ 'ዓለማዊ' ስራሕ ብምቕራብ ሓድሽ መንገዲ ጸሪጎም እዮም።

'እታ መጽሓፍ'ቲኣ'፡ ይብሉ ፕሮፈሰር ተድላ ባይሩ፡ 'ብዕዙዝ ኣቀራርብኣ ብምሁራን-ቋንቋ ተቐባልነት ስለ ዝረኸበት ድማ እታ ብዘመና ንመጀመርታ ጊዜ ብቛንቋ ትግርኛ ዝቐረበት ዝጸፈፈት ጽሕፍቲ ምዃና መስከሩላ'።

እቲ ዝዓበየ ስርሖም ግን እታ ካብ ጥንቲ ክሳብ 1890 ዝነበረ ኵነታት እትትርኽ 'ታሪኽ ኢትዮጵያ' ዘርእስታ መጽሓፎም እያ።

ደ-ሎረንሲ ከም ዝገለጾ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ስርወ-መንግስታዊ ታሪኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ባህርያትን ማሕበራዊ ርክባትን ደቀባት እተጠቓልል እያ።

ደብተራ ፍስሓ ነቲ ኣፋዊ ታሪኽን ልምድታትን ምስ ኤውሮጳዊ ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ ብምውሃድ፡ ብሉጽ ስነ-ጽሑፋዊ ቅዲ ከም ዝነበሮም ኣመስኪሮም እዮም።

ኣብቲ ስራሕ ዝተዳህሰሱ ዛዕባታት፤

  • መበቈል ህዝብታትን ዘመነ ኣኽሱምን፣
  • ምትእትታው ክርስትናን ስርወ-መንግስት ዛግወን፣
  • ታሪኽ ሃጸይ ቴዎድሮስ፡ ሃጸይ ዮሃንስን ትንሳኤ ዳግማዊ ምንሊክን፣
  • ባህላዊ ወግዕታት መርዓን ቀብርን፡ ከምኡ'ውን መበቈል ዓሌታት ሰሜን ኢትዮጵያ።

'እንካብ ጦብያ ንኢጣልያ'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ደብተራ ፍስሓ-ጊዮርጊስ፡ 'ብዛዕባ ወሬ መንገዲ እንካብ ጦብያ ንኢጣልያ' ኣብ ዘርእስታ ጽሕፍቶም፡ ንቛንቋ ትግርኛ ካብቲ ተሓጺሩሉ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ክልል ኣውጺኦም ናብ ዘመናዊ ናይ ጕዕዞ ስነ-ጽሑፍ (Travelogue) ኣሰጋጊሮምዎ እዮም።

እዛ ብ1890 ዝተጻሕፈት ስራሕ፡ ካብ ባጽዕ ተበጊሶም ብመትረብ ስወጽ ኣቢሎም ክሳብ ናፖሊን ሮማን ዝገበርዎ ጕዕዞ እተዘንቱ ኰይና፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ንኣፍሪቃውያን ሓድሽ ዝነበረ ናይ ባሕሪ ጕዕዞን ኤውሮጳዊ ምዕባለን ብዝርዝር ትገልጽ።

ደብተራ ፍስሓ ኣብዛ ጽሕፍቶም፡ ነቲ ኣብ መንጎ ትውፊታዊ ማሕበረሰብን ዘመናዊ ህይወትን ዝነበረ ባህላዊ ፍልልይ ብጥንቃቐ ብምስናድ፡ ንቛንቋ ትግርኛ ሓድሽ ስነ-ጽሑፋዊ ትረኻን ዓለማዊ ትሕዝቶን ከም ዝህልዎ ገይሮም እዮም።

እዛ ስራሕ እዚኣ፡ ንታሪኻውን ዲፕሎማስያውን ርክባት እቲ ዘመን ብምስናዳ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንደብተራ ፍስሓ-ጊዮርጊስ ከም 'መስራቲ ዘመናዊ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ' ንኽጥቀሱ ዘኽኣለቶም ዓንዲ-ሕቆ ምርምራዊ ስራሕ እያ።

ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ከም "ፈላመይቲ ስራሕ ኣብ ዓለማዊ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ" (The first work of secular Tigrinya literature) ብምባል ኣብቲ 'ታሪክ ስነጽሑፍ ትግርኛ ኣብ ኤርትራ' ዘርእስቱ መጽሓፎም ይገልጹዋ።

ቅድሚ እዛ ስራሕ እዚኣ ዝነበሩ ጽሑፋት ትግርኛ መብዛሕትኦም ብምስዮናውያን ንሃይማኖታዊ ዕላማ ዝተዳለዉ ብምንባሮም፡ ደብተራ ፍስሓ ንቛንቋ ትግርኛ ካብ ሃይማኖታዊ ጽላሎት ኣውጺኦም ንመዓልታዊ ተመኵሮን ስምዒትን ደቂ-ሰብ ንምግላጽ ከም ዘገልግል ብምግባሮም፡ ታሪኻዊ ስጕምቲ ከም ዝወሰዱ ፕሮፌሰር ግርማይ ይገልጹ።

ብተወሳኺ፡ ግርማይ ነጋሽ ነቲ ደብተራ ፍስሓ ኣብቲ ጕዕዞ ዘርኣይዎ ትኵር ተገንዝቦን ስነ-ጽሑፋዊ ቅዲን ይንእዱ።

ደብተራ ፍስሓ ነቲ ኣብቲ እዋን ሓድሽ ዝነበረ ኤውሮጳዊ ቴክኖሎጅን ዘመናዊ ምዕባለን ብትግርኛ ንምግላጽ ብምኽኣሎም፡ ነቲ ኣብ መንጎ ትውፊታዊ ድሕረ-ባይታኦምን ዘመናውነትን ዝነበረ ግጭት ብንጹር ዘርኢ "ክልተኣዊ ንቕሓት" (Double consciousness) ከም ዘንጸባረቑን ንመጻኢ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ መሰረት ከም ዘንጸፉን ፕሮፈሰር ግርማይ የረድኡ።

ገበር መጽሓፍ እንካብ ጦብያ ንኢጣልያ

ምንጪ ስእሊ, DM

ዘይሃስስ ውርሻ

ደብተራ ፍስሓ-ጊዮርጊስ ካብ ኤውሮጳ ተመሊሶም ዝነበሮም ናይ ዳሕራይ ህይወት ብሰፊሑ ዘይምስናዱ ሓደ ካብቲ ዘሕዝን ታሪኽ እዩ።

እንተዀነ፡ እቲ ዘቐመጥዎ ስነ-ጽሑፋዊ መሰረት ንቛንቋ ትግርኛ ከም ሓደ ናይ ምርምር ቋንቋ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ንኽፋለጥ መንገዲ ጸሪጉ እዩ።

ብ1931 ኣብ ዓዲ ዘኑ (ሰራየ) ካብዛ ዓለም ተሰናቢቶም።

ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ካብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ እታ "እንካብ ጦብያ ንኢጣልያ" እትብል ጽሕፍቶም ኣብ ማሕበረሰብ ስነጽሑፍ ክትንበብን ክትፍለጥን ገይሩ እዩ።

ስርሓቶም ንነዊሕ እዋን ሃሲሱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብተገዳስነትን ጻዕርን ፕሮፈሰር ያዕቆብ በየነ ዳግማይ ህያው ንክኸውን በቒዑ እዩ።

ሎሚ ደብተራ ፍስሓ-ጊዮርጊስ ከም ቀዳማይ ፈላጥን ዓንዲ ያታዊ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛን ተዘኪሮም ይነብሩ ኣለዉ።