እተን ዝጥሕላ ዘለዋ ከተማታት ኣፍሪቃ ብዓል መን'የን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገለ ዓበይቲ ከተማታት ኣፍሪቃ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ተገሚተነኦ ዝነበራ ንላዕሊ ናብ ታሕቲ ይጥሕላ ከምዘለዋ ተገሊጹ።
ተመራመርቲ ሰንቲነል-1 ዝተሰምየት ራዳር ናይ ኣጄንሲ ህዋ ኣውሮጳ ብምጥቃም ኣብ ትሕቲ 20 ኣብ ገማግም ባሕሪ ወይ ውቕያኖስ ዝርከባ ከተማታት ኣፍሪቃ ዝርከብ መሬት ክሳብ ክንደይ ንታሕቲ ገጹ ይስገድ ምህላዎም ክፈልጡ ክኢሎም ኣለዉ።
እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ሌጎስ [ናይጀርያ] ከምኡ ከኣ ኣሌክሳንድርያ [ግብጺ] ዝኣመሰላ ከተማታት ካብቲ ኣብ 2021 ብኣካል ናይ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ዓለምለኻዊ ትካል ለውጢ ክሊማ [Intergovernmental Panel on Climate Change ] ገሚትዎ ዝነበረ ንላዕሊ ንታሕቲ ገጸን ይሰጥማ ምህላወን ከረጋግጽ ክኢሉ።
ገለ ጠንቅታት ናይዚ ምጥሓል መሬት (Subsidence) ተፈጥሮኣዊ እኳ እንተኾኑ፡ ብዙሓት ግን ካብ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዝመጽኡ እዮም።
ሓደ ካብኡ ከኣ ኣብ ትሕቲ ከርሲ መሬት ዝርከብ ማይ ካብ ንብሩ ንላዕሊ ምጉሕጓሕ'ዩ።
ነቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብመሪሕነት ዘዳለወ ኦሉዋሰዪ ዳሾ፡ ሳዕቤናት ምጥሓል መሬት "ኣብ መዓልታዊ ህይወት ብቐሊሉ ዘይርኣዩ እዮም፤ ኣብ ነዊሕ ዓመታት ግን እቲ ሓደጋ ምጥሓል ብማይ ብዓቢኡ ክውስኹ ይኽእሉ'ዮም" ኢሉ።
እዚ ዝኸውን መሬት እናጠሓለ ምስ እትኸይድ፡ ምስ ጽፍሒ ባሕሪ ብምንጽጻር ዝተሓተት ስለ እትኸውን፡ ኣብ ርእሲ እቲ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ዝውስኽ ዘሎ ደረጃ ጽፍሒ ባሕሪ፡ ናይ ምዕልቕላቕ ሓደጋ'ውን ይውስኽ'ዩ።
እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ ክሳብ 2050 ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት፡ ሓደ ሚልዮን ህንጻታትን 180 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንብረትን ኣብ ሓደጋ ምጥሓል ክወድቁ ከምዝኽእሉ ጠቒሱ ኣሎ።
ሳተላይታት ንጹር ስእሊ እየን ዝህባ ዘለዋ
ዳሾ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣብ ኣፍሪቃ እኹል ቴክኖሊጅያዊ መዐቐኒታት ስለዘይነበረ፡ ተመራመርቲ ብዛዕባ ምጥሓል መሬት፡ እዋናውን ንዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝሽፍንን ሓበሬታ ከይረኽቡ ዕንቅፋት ዀይኑ ጸኒሑ እዩ።
ኣብዚ እዋን ግን ፡ ኣብ ቨርጂንያ ቴክ ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ሓበሬታ ሳተላይት ብምጥቃም፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 1 ሚሊሜተር ዝኣክል ንእሽቶ ምንቅስቓስ መሬት ክለልዩ ክኢሎም ኣለዉ።
ላዕለዋይ ጸሓፊ ናይቲ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ስነ-ምድሪ ኢማኑቸህ ሺርዛኢ፡ ሳተላይታት ሰንቲነል-1 ኣብ ልዕሊ ሓደ ዞባ ናይ ምድሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 6 ክሳብ 12 መዓልታት ሓንሳብ ከም አትሓልፍ ገሊጹ።
"እታ ሳተላይት ናይ ራዳር ምልክት ትልእኽ፡ እቲ ምልክት ድማ ንመሬት በጺሑ ናብታ ሳተላይት ይምለስ፡ እዚ ድማ ብተደጋጋሚ ንነዊሕ እዋን ይካየድ" ክብል እቲ ፕሮፌሰር ስነ-ምድሪ ገሊጹ።
እቲ ምልክት ካብ ሳተላይት ዝለኣኸሉ ግዜ ክሳብ ዝምለሰሉ ግዜ ይምዝገብ። እቲ ኣብ'ዚ ግዜ ዝርአ ለውጢ ድማ፡ መሬት ክንደይ ከም ዝተንቀሳቐሰት ንምፍላጥ ይሕግዝ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትሕቲ ከተማ ኣለክሳንድርያን ሌጎስን ዘሎ መሬት፡ ብገምጋም ኣብ ዓመት ብቅደም ተኸተል 6 ሚሊ ሜተርን 5 ሚሊሜተርን ከም ዝጠሓለ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብ መወዳእታ እዚ ክፍለ ዘመን ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ካብ ነበርቲ ሌጎስ መንበሪኦም ብጽፍሑ ባሕሪ ክውሓጥ ከምዝኽል'ዩ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝሕብር
እዚ መጠን ምጥሓል መሬት እንተቐጺሉ፡ ክሳብ 2050 ጽፍሒ ባሕሪ ከባቢ ኣለክሳንድርያ፡ ካብቲ በቲ ዓለምለኻዊ ትካል ለውጢ ክሊማ (IPCC) ዝተነበዮ ብ36% ክበልጽ እዩ።
ርእሰ ከማ ኣንጎላ ዝዀነት ሉዋንዳ'ውን ናብ ውሽጢ ገጻ ትጥሕል ምህላዋ ተረጋጊጹ ኣሎ። ብኣንጻሩ ከም ከተማ ደርባን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰላ ከተማታት ዝዀነ ናይ መጥሓል ምልክት ከምዘየርኣያ እቲ ዝተካየደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
ፕሮፌሰር ስነ-ምድሪ ኢማኑቸህ ሺርዛኢ፡ ኣካል ናይ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ዓለምለኻዊ ትካል ለውጢ ክሊማ ኣብ 2021 ዝሃቦ ግምት ኣብ ገለ ዝተጋነነ ኣብ ገለ ከኣ ትሕቲ እቲ ዝተገመቶ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ብምግላጽ፡ እዚ ውጽኢት መጽናዕቲ፡ ሰብ መዝን ዝምልከቶም ኣካላትን ንነዊሕ ዝዓለም ቅድመ ምድላዋት ንኽገብሩ ከምዝሕግዞም ኣመልኪቱ።
ብሰንኪ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዝስዕብ ምጥሓል ከተማታት
መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል
ፕሮፌሰር ስነ-ምድሪ ኢማኑቸህ ሺርዛኢ፡ ከም ዝገለጾ፡ ብሰንኪ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዝመጽኡ ጠንቂታት ምጥሓል መሬት፡ መብዛሕትኡ ግዜ "ኣዝዮም ንኣሽቱን ኣብ ፍሉይ ከባቢ ዝተወሰኑን እዮም። እዚ ማለት ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ከባቢ ዝተመርኮሱ ፖሊሲታት ብምትግባር ክንከላኸለሎም ንኽእል ኢና" ኢሉ።
ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ጠንቂታት፡ ብፍጥነት ዝዓብያ ዘለዋ ከተማታት ዝጥቀማሉ መጠን ማይ ምውሳኽ እዩ።
ካብ ትሕቲ መሬት ብዙሕ ማይ ምውጻእ፡ እቲ ሓመድ ክስገድን መሬት ድማ ክጥሕልን ክገብር ይኽእል።
ብፍሉእ ናይ ግብጺ ምስ እንርኢ ድማ እቲ ኣብ ፈለግ ኒል ዝተሃንጸ ዓቢ ዲጋ ኣስዋን፡ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል እቲ ፈለግ ዝርከብ ድበት ከይንቀሳቐስ ብምዕጋት፡ ኣብ ኣለክሳንድርያ ንዝጠሓለ መሬት ብሓዲሽ ድበት ከይትካእ ክኸላኸል ከም ዝኽእል፡ እቲ መጽናዕቲ ይገልጽ።
ኣብ ሌጎስ ድማ፡ ካብ ገማግም ውቕያኖስ ሓመድ ብምውሳድ ብሰብ ዝተሰርሓ ደሴታት ምፍጣር ከምኡ'ውን ኣብ ዘይጽኑዕ መሬት ህንጻታት ምህናጽ፡ ገለ ካብቶም ጠንቂታት ምጥሓል መሬት እዮም።
ከተማታት ከይጥሕላ ንምክልኻል ዝሕግዙ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሎም ካብ ዝተገለጹ ሜላታት ድማ ካብ ካልእ ምንጪ ማይ ምቕራብን፡ ዝወሓደ ማይ ዝጥቀማ ዓይነታት ኣሕምልትን ኣትክልትን ምዝራእን የጠቓልሉ።
ፕሮፌሰር ኢማኑቸህ ሺርዛኢ ብተወሳኺ "እቲ ክንቆጻጸሮ ወይ ክንንክዮ ዘይንኽእል ነገር ድማ ክንርዕሞ ክንፍትን ኣለና" ኢሉ።
እዚ ድማ ካብ ዕልቕልቕ ዝከላኸሉ መከላኸሊታት ምህናጽ፡ ወይ ኣገደስቲ መሰረታዊ ልምዓታትን ትሕተ-ቅርጺታትን ናብ ዝበረኸ ቦታታት ምግዓዝ ከጠቓልል ይኽእል።
እቲ ፕሮፌሰር፡ ብሰንኪ ስእነት መዐቀኒ ሓበሬታታት፡ ኣብ ምምዕባል ዝርካባ ሃገራት ኣብ መብዛሕትኡ መደባት ንድሕሪት ይተርፋ ከምዘለዋ ብምሕባር ንደረጃትት ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ ዝምልከት መጽናዕትታት ክካተታ ከምዘይጸንሓ ኣነጺሩ።
ሺርዛኢ ፡ ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተጠቐምሎም ሜላታት፡ ኣብ ካልኦት ዞባታት ከም ደሴታት ውቅያኖስ ገማግም ባሕርን ዘሎ ሕጽረት ሓበሬታ ብቐሊሉ ንምርካብ ከም ኣብነት ዀይኑ ከገልግል ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።
ነቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብመሪሕነት ዘዳለወ ኦሉዋሰዪ ዳሾ ድማ፡ እቲ ኣብ መጽሄት ሳይንስ ኣድቫንስ ዝተሓትመ መጽናዕታዊ ጽሑፍ መንግስታት ኣፍሪቃ ምስዚ ተታሓሒዙ "ኣብ መጻኢ ከጋጥሞም ንዝኽእል ብድሆታት ብግቡእ ክዳለዉን፡ ብዝያዳ ድማ ንወለዶታት ክሓስቡን" ከም ዝሕግዘን ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።





















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)





