ገዚፍ ጭዋዳ ከቢድ ዋጋ፡ ስለምንታይ እዮም 'ቦዲቢልደራት' ብንኡስ ዕድመኦም ዝሞቱ?

ኣብ ጂም ኣብ ፓወር ራክ ባርቤል ከዳልዎ እንከሎ፡ ናይ ኣካላዊ ህንጸት ስፖርተኛ (ቦዲቢልደር) ኢድ ብቐረባ ዝርኣየሉ ምስሊ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ውሽጢ እዞም ድልዱላት ኣካላት እንታይ ስዉር ሓደጋ ኣሎ? ስለምንታይከ እዩ እቲ ልቢ ካብቲ ጭዋዳ ንላዕሊ ክጻወር ዘይክእል?

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ማይልሰን ኣራውዦ ከምቲ ልሙድ ልምምድ ኣብ ዝገብረሉ ጂም ዝተሳእሎ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካፊሉ ነይሩ።

እዚ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰዓብቲ ዘለውዎ፡ ብሉጽ ኣካላዊ ቅርጺ ዘለዎ ሞያዊ ሃናጺ-ኣካላት (ቦዲቢልደር)ን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጸላውን እዩ።

ኣብቲ ስእሊ ቀይሕ ማልያ ተኸዲኑ፡ ከምቶም ኣብ ናይ ጽውጽዋይ ፊልምታት ዝርኣዩ ሓያላት ሰባት ዝመስሉ፡ ንምእማኑ ዘጸግሙ ገዘፍቲ ጭዋዳታት ኣእዳው ኣርእዩ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ እቲ ወዲ 35 ዓመት ብራዚላዊ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ግዝኣት ባያ ኣብ ዝርከብ ቤቱ ሓሚሙ ድሕሪ ምውዓሉ ህይወቱ ሓሊፋ።

ሃንደበት ዝመጽእ ሞትን ንኡሳን ስፖርተኛታትን

ጠንቂ ሞት ኣራውዦ ዛጊት ብወግዒ እኳ እንተ ዘይተረጋገጸ፡ ሓደ ካብቶም ብሃንደበት ህይወቶም ዝሓለፈ ቦዲቢልደራት እዩ።

ኣብ መወዳእታ ግንቦት፡ እቲ ሓደ ካብ ፍሉጣት ንኡሳን ቦዲቢልደራት ብራዚል ዝዀነ ወዲ 22 ዓመት ጋብርኤል ጋንሊ ብሃንደበት ብዘጋጠሞ ናይ ልቢ ሕማም ሞይቱ።

ዝሓለፈ ዓመት'ውን ክልተ ካልኦት ዕድመኦም 30ን 40ን ዝዀኑ ብራዚላውያን ቦዲቢልደራት ምስ ልቢ ብዝተተሓሓዘ ሕማም ሞይቶም እዮም፤ ሓደ ካብኣቶም ኣብ እዋን ውድድር እዩ ህይወቱ ሓሊፋ።

ተመሳሳሊ ሞት ኣብ መላእ ዓለም ተመዝጊቡ ኣሎ። ንኣብነት፡ እቲ ብ2017 ኣብ መበል 26 ዓመቱ ዝሞተ ኣመሪካዊ ዳላስ ማክካርቨርን ብ2023 ኣብ መበል 30 ዓመቱ ዝሞተ ጀርመናዊ ጆ ሊንድነርን ክጥቀሱ ይከኣሉ።

መጽናዕትታት ዘርእይዎ ስግኣታት

እቲ ብውድድር ዝግበር ቦዲቢልዲንግ ዘለዎ ሓደጋታት፡ ብ2025 ኣብ ዝወጸ መጽናዕቲ ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ኣብ 'ኤውሮጳዊ ጆርናል ልቢ' ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ሞያውያን ቦዲቢልደራት ካብቶም ተምሃሮ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ንላዕሊ ብሃንደበት ብዝመጽእ ደው ምባል ልቢ ናይ ሙማት ዕድል ኣለዎም።

እቲ መጽናዕቲ 121 ሞት ዘለለየ ኰይኑ፡ ካብዚኦም እቶም 46 ብሃንደበት ብዘጋጠመ ምቍራጽ ህርመት ልቢ ዝሞቱ እዮም። እቶም ስፖርተኛታት ዝሞቱሉ ማእከላይ ዕድመ 45 ዓመት ክኸውን ከሎ፡ ኣብቶም ብንጥፈት ዝወዳደሩ ዝነበሩ ግን 34.7 ዓመት ጥራይ ነይሩ።

ቀንዲ ደራሲ ናይቲ መጽናዕቲ ዶክተር ማርኮ ቬክያቶ፡ ንሞት እዞም ቦዲቢልደራት ጠንቂ ዝዀኑ ሓያሎ ረቛሒታት ከም ዘለዉ ይገልጽ።

ንሳቶም ድማ፡ "ሰፊሕ ኣጠቓቕማ" ንኣካላዊ ብቕዓት ዘደንፍዑ መድሓኒታት፡ ንውድድር ተባሂሉ ዝግበር ቅልጡፍ ምንካይ ክብደት ሰብነት ከምኡ'ውን "ጽኑዕ ናይ ሓይሊ ስልጠና" እዮም።

ዳላስ ማካቨር ኣብ ሰማያዊ ድሕረ-ባይታ ክልተ ዕማኾ ኢዱ ኣላጊቡ ምግትታር ጭዋዳታቱ እናኣርኣየ

ምንጪ ስእሊ, Maddie Meyer/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዳላስ ማካቨር ኣብ መጋቢት 2017 ኣብ ኮሎምበስ ኦሃዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣርኖልድ ክላሲክ ክወዳደር እንከሎ ብስእሊ ተሰኒዱ ኣሎ። ድሕሪ ውሑድ ኣዋርሕ ኣብቲ ዓመት እቲ ዓሪፉ።

ኣጠቓቕማ ስቴሮይድን ሳዕቤኑን

ብደኒማርካውያን ተመራመርቲ ዝተገብረ ካልእ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ፡ ኣናቦሊክ ስቴሮይድ ዝጥቀሙ ሰባት ጭዋዳ ልቦም ናይ ምድካም ሓደጋኦም ብትሽዓተ ዕጽፊ ዝለዓለ እዩ።

መውቃዕቲ ልቢ ናይ ምግጣም ዕድሎም ብሰለስተ ዕጽፊ፡ ምቍራጽ ዕዮ ልቢ ድማ ካብ ሰለስተ ዕጽፊ ንላዕሊ ይውስኽ።

ኣናቦሊክ ስቴሮይድ፡ ጸቕጢ ደም የለዓዕል፣ ኣብ መትረባት ደም ስብሒ ከም ዝእከብ ይገብር፣ ከምኡ'ውን ኣብቲ ልቢ ባዕሉ ቅርጻዊ ለውጥታት ከም ዝመጽእ ይገብር።

ምርመራ ሬሳ እቶም ዝሞቱ ቦዲቢልደራት ከም ዘርእዮ፡ መብዛሕትኦም ገዚፍ ዓቐን ልቢ ነይርዎም።

ንኣብነት፡ ናይ ዳላስ ማክካርቨር ልቢ 833 ግራም ኰይኑ ተረኺቡ፤ እዚ ድማ ካብ ንሓደ እኹል ሰብ ዝግባእ ማእከላይ ክብደት ልቢ ብዕጽፊ ዝዓቢ እዩ።

"ልቢ ከም ኵሉ ካልእ ጭዋዳ እዩ"

ክኢላ ሆርሞናትን ሓኪም ስፖርትን ክለይተን ማሰዶ፡ "ኣነ ንቢሴፕስ ሓደ ሕሙም ርእየ፡ ልቡ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ከም ዝዀነ ክፈልጥ እኽእል እየ። ምኽንያቱ፡ ልቢ ምስቲ ካልእ ጭዋዳታት ኣካላት ማዕረ እዩ ዝዓቢ፡" ይብል።

ብዘይ ስቴሮይድ ዝግበር ልምምድ ክብደት፡ ልቢ ብጥዕናዊ መንገዲ ከም ዝዓቢ ይገብር እዩ። እንተዀነ፡ ምስ ብርቱዕ ስልጠና ተደሚሩ ስቴሮይድ ክውሰድ ከሎ፡ ልቢ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብምዕባዩ ደም ናይ ምስራብ ዓቕሙ ይስእኖ።

ሉዊስ ኤድዋርዶ ፎንተለስ ሪት፡ ፕረዚደንት ማሕበር ካርዲዮሎጂ ግዝኣት ባያ፡ "እዚ ናብ ምቍራጽ ዕዮ ልቢ ክሰጋገር ይኽእል እዩ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ዘይጥዕና ደረጃ ይበጽሕ፡" ይብል።

ክኢላ ኣመጋግባ ሮድሪጎ ክልተ ዕማኾ ኢዱ ኣላጊቡ ምግትታር ጭዋዳታቱ እናኣርኣየ

ምንጪ ስእሊ, Rodrigo Góes

መግለጺ ስእሊ, ክኢላ ኣመጋግባ ሮድሪጎ ጎኤስ ኣብ 26 ዓመቱ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ተፈጥሮኣዊ ኣካላዊ ህንጸት (ናቹራል ቦዲቢልዲንግ) ካልኣይ ደረጃ ሒዙ።

ካብ ጥቕሚ ጕድኣቱ ዝዓቢ መድሓኒት

ሮድሪጎ ጎዝ ዝተባህለ ናይ ቀደም ቦዲቢልደር፡ ስቴሮይድ ምጥቃም ምስ ጀመረ ኣብ ኣካላቱ ዘደንጹ ለውጢ ከም ዝረኣየ ይገልጽ።

"ብቕልጡፍ ትዓቢ፡ ስብሒ ሰብነትካ ይጐድል፡ ጭዋዳታትካ ድማ ቀልጢፎም ይሓውዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ድማ ኣዝዩ ዘወናውን ዝኸውን፡" ይብል።

እንተዀነ፡ እቲ መድሃኒት ከም ምስሓው ጸጕሪ፡ ወጥሪ፡ ምስኣን ድቃስን ከቢድ ናይ ለይቲ ረሃጽን ከም ዘስዓበሉ ይገልጽ።

ጎዝ ሕጂ ኣንጻር ኣጠቓቕማ ስቴሮይድ ይቃለስ ኣሎ፣ "ብጥዑይ መንገዲ ስቴሮይድ ክትጥቀም ትኽእለሉ መንገዲ የሎን። ሓካይም ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር እንተ'ልዩ ነቲ ጕድኣት ምክትታል ጥራይ እዩ፣ ጕድኣት ግና ምፍጣሩ ኣይተርፍን እዩ፡" ብምባል የጠንቅቕ።

ስዉር ጠንቂ ሞትን ሕጽረት ስታቲስቲክስን

ሓደ ካብቲ ዓቢ ብድሆ፡ ብዙሓት ሃገራት ምስ ስቴሮይድ ዝተተሓሓዘ ሞት ብስሩዕ ዘይምምዝጋበን እዩ።

ኣብ ብራዚል ይዅን ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ሞት ምስ ኣጠቓቕማ ስቴሮይድ ዘተሓሕዝ ወግዓዊ ስታቲስቲክስ የሎን። መብዛሕትኡ ግዜ ጠንቂ ሞት ከም ወቕዒ ልቢ ተባሂሉ ጥራይ እዩ ዝምዝገብ።

ብተወሳኺ፡ ስቴሮይድ ምስቶም ኣብ ኣካላትና ብባህርያዊ መንገዲ ዝፍጠሩ ሆርሞናት ስለ ዝመሳሰሉ፡ ድሕሪ ሞት ኣብ ዝግበር ምርመራ ክትፈልጦም ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ሓኪም ስፖርት ክለይተን ማሰዶ ከም ዝብሎ፡ "ኣነ ምስዚ፡ ኵሉ መዓልቲ እየ ዝሰርሕ። ሓደ ሰብ ርእየ ልቡ ተጐዲኡ ምህላዉ ክርዳእ እኽእል እየ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሳዕቤን ድሒሩ እዩ ዝመጽእ።"