ኢሎን ማስክ ቀዳማይ ወናኒ ትሪልዮን ሃብቲ ዓለምና ኰይኑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢሎን ማስክ፡ ስፔስኤክስ ዝተባህለ ናይ ሮኬት ኩባንያኡ ኣብ ዕዳጋ ኣክሲዮናት ዓቢ ዓወት ድሕሪ ምርካቡ፡ ብዓርቢ ናይ ዓለምና ቀዳማይ ወናኒ ትሪልዮን ዶላር ሃብቲ ኰይኑ።
እቲ መስራቲ ተስላን ስፔስኤክስን፡ ብመሰረት ዝርዝር ሃብታማት ብሉምበርግ፡ ሓፈሻዊ ሃብቱ 1.11 ትሪልዮን ዶላር ብምብጻሕ፡ ነቲ ናይ ዓለምና ዝሃብተመ ሰብ ዝብል ደረጃኡ ኣጽኒዑ ዓቂቡዎ ይርከብ።
እዚ ዝዀነ፡ እቲ ናይ ሮኬት፡ ተለኮምኒኬሽንን ኪነታዊ-ብልሕን (AI) ኩባንያ፡ ኣብ ናስዳቅ ዕዳጋ ርእሰ-ማል (ስቶክ ማርኬት) ብ2.2 ትሪልዮን ዶላር ዋጋ ኣብ ዘመዝገበሉ እዩ።
እቲ ኩባንያ ኣብ ፈለማ ሓደ ኣክሲዮን (ብርኪ)ብ135 ዶላር ክሸይጥ መደብ ገይሩ።
ንግዲ ምስ ተጀመረ ግን ዋጋኡ ናብ 150 ዶላር ደይቡ። ንሓጺር እዋን ድማ ክሳብ 176.50 ዶላር በጺሑ።
እዚ፡ ዓበይቲ ኣውፈርቲ ምስ ስፔስን ኢሎን ማስክ ዝተኣሳሰሩ ኩባንያታትን ንምዕዳግ ዘለዎም ሓያል ድሌት ዘርኢ እዩ።
ኣክሲዮናት ስፔስኤክስ ብዓርቢ ኣብ ከባቢ 161 ዶላር ተዓጽዩ።
እቲ ኩባንያ ኣክሲዮናቱ ናብ ህዝባዊ ዕዳጋ ቅድሚ ምእታዉ፡ ብውዕል ፈላማይ መሸጣ ኣክሲዮን (IPO) ኣቢሉ፡ ካብ ኣውፈርትን ነቲ ስራሕ ካብ ዝድግፉ ትካላት ፋይናንስን 75 ቢልዮን ዶላር ኣኪቡ።
እቲ ማስክ ኣብ ስፔስኤክስ ዘለዎ 42% ዋንነት ብጽሒት፡ ኣብ ልዕሊ ኵሉ እቲ ኩባንያ ዝገብሮ ነገራት በይናዊ ቍጽጽር ይህቦ። እዚ ማለት፡ ነቲ ዝወፍር ዘሎ ገንዘብ ብዝደለዮ መንገዲ ከውጽኦ ይኽእል እዩ።
ብመሰረት ብሉምበርግ፡ እቲ ኣብ ስፔስኤክስ ዘለዎ ኣክሲዮናት ኣብ መወዳእታ 767.1 ቢልዮን ዶላር ዋጋ ዝነበሮ ኰይኑ፡ ካልእ 53.8 ቢልዮን ዶላር ዋጋ ዘለዎ ናይ ስፔስኤክስ ኣማራጺታት'ውን ኣለዎ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ 168 ቢልዮን ዶላር ዋጋ ዘለዎ ኣክሲዮናት ተስላ፡ ተወሳኺ 116.4 ቢልዮን ዶላር ዋጋ ዘለዎ ኣማራጺታትን ይርከቦ።
ምውሳኽ ሃብቲ ክትዕ የለዓዕል
ማስክ ቀዳማይ ወናኒ ትሪልዮን ዓለምና ኣብ ዝዀነሉ፡ ኣብ ሃብቲ ብዛዕባ ዘሎ ዘይማዕርነት ንእለቱ ክትዓት ኣለዓዒሉ። ሃብቲ ናይዚ ውልቀሰብ ምስ ኵሉ ቍጠባዊ ፍርያት ሃገራት ፖላንድ ወይ ስዊዘርላንድ ይመዓራረ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ሃብቲ፡ ድሮ ንማስክ ኣብ ዓለማዊ ፖለቲካ ሓያልን ኣዛራብን ሰብ ከም ዝኸውን ገይሩዎ ኣሎ።
ንምምሕዳር ጆ ባይደን ብምንቅፍ፡ ኣብ ጐስጓስ ካልኣይ እብረ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንትራምፕ ብምድጋፍ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ክህብ ተራእዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ንኽፍሊ ምምሕዳራዊ ብቕዓት መንግስቲ (Doge) መሪሑዎ።
ብሰንኪ ኣብ መንግስታዊ ወጻኢታት ዝገበሮ ብርቱዕ ምንካያት፡ ማስክ ንምዕጻው ኣመሪካዊ ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት (USAID) ተሓታቲ ነይሩ።
ላንሰት ዝተባህለ መጽሔት ሕክምና፡ በዚ ስጕምቲ'ዚ ክሳዕ 2030 ልዕሊ 14 ሚልዮን ሞት ከም ዝስዕብ ኣጠንቂቑ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ካልኦት ቦታታትን ንዘለዉ መሪሕነታት፡ ብዛዕባ ጉዳያት ስደት ዓሌታዊ ፍልልያት ብዘጕልሕ ነቒፉዎም እዩ።
ማስክ ምስ ቀዳማይ ምኒስትሪ ዓዲ እንግሊዝ ሰር ኪር ስታርመር ብተደጋጋሚ ተጋጭዩ።
ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ሴናተራት በርኒ ሳንደርስን ኤሊዛቤት ዋረንን፡ ኢሎን ማስክ ወናኒ ትሪልዮን ክኸውን ቅቡል ዘይምዃኑ ካብ ዝገለጹ ፖለቲከኛታት እዮም።
ዋረን እዚ ፍጻመ'ዚ ንዓለምና "ናይ መጠንቀቕታ ደወል" ክኸውን ከም ዝግባእ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሃብታማት ግብሪ ክኸፍሉ ዝግደድሉ ሕጊ ግድን ከም ዘድሊ ተማጒታ።
ይዅን እምበር፡ ማስክ ኣብ ወረቐት ጥራይ እዩ ወናኒ ትሪልዮን ኰይኑ ዘሎ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ሃብቱ ዳርጋ ብምልኡ ምስቲ ኣብ ተስላ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ስፔስኤክስን ዘለዎ ዋጋ ኣክሲዮን ዝተኣሳሰረ ስለ ዝዀነ።
ማስክ ብውሕዱ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ዝዀነ ይዅን ናይ ስፔስኤክስ ኣክሲዮኑ ክሸይጥ ኣይክእልን እዩ።
ስፔስኤክስ ኣክሲዮናቱ ንህዝቢ ብምኽፋቱ፡ ልዕሊ 4,400 ዝዀኑ ናይ ሕጅን ቀደምን ሰራሕተኛታቱ ወነንቲ ሚልዮናት ክዀኑ ይጽበዩ ኣለዉ።
እቶም ሰራሕተኛታት ከም ክፋል ናይቲ ዝረኽቡዎ ደሞዝን ተወሳኺ ረብሓታትን ኣቐዲሙ ተዋሂቡዎም ዝነበረ ኣክሲዮናት ስለ ዘለዎም እዩ።
ዋጋ ስፔስኤክስ ዝተሰርተ ኣብቲ መጻኢ ክረኽቦ ዝኽእል ትርፊ እምበር፡ ኣብቲ ዛጊት ዘርኣዮ ፋይናንሳዊ ውጽኢት ኣይኰነን። እቲ ኩባንያ ሕጂ ገና ትርፊ ኣየምጽአን፤ እዚ ማለት ድማ ኣብ ስርሑ ዘውጽኦ ዘሎ ገንዘብ፡ ካብቲ ዘእትዎ ንላዕሊ እዩ።
ከምቲ ኣብ ፋይናንሳዊ ጸብጻቡ ዝርአ ዘሎ፡ ኣብ ዕማማት ኪነታዊ-ብልሕን ካልእ መሰረተ-ልምዓትን ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዘውጽአ፡ እቲ ኩባንያ ካብ 2025 ክሳዕ ሕጂ ብኣስታት 9 ቢልዮን ዶላር ከሲሩ እዩ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
