ኣብ ኮሎራዶ፡ ኣብ ቅድመ መረጻ ዝተዓወተት ሜላት ኪሮስ መን'ያ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
. . . ወትሩ ንግሆ፡ እንዳ ሻሂ ክኸፍት ከለኹ፡ ጸሓይ ብራቕ ኮሎራዶ'የ ዝርኢ። ጐረባብተይ ሓቦን ተስፋን ሰኒቘም ውዕሎኦም ከመይ ከም ዝጅምሩ ይርእዮም።
ሕጂ ግን፡ እታ እትበርቕ ጸሓይ'ውን ምርኣይ ኣጸጋሚ ኰይኑ፤ ናብራ ኣመና ከቢሩ፡ እቲ ቍጠባ ኣብ ሓያል ቅልውላው ወዲቝ ኣሎ . . .
ጓል 29 ዓመት ትውልደ-ኢትዮጵያዊት ኣመሪካዊት ፖለቲከኛ ሜላት ኣስፋወሰን ኪሮስ፡ ቅድሚ 11 ኣዋርሕ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ንምዃን ጐስጓስ ክትጅምር እንከላ ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፡ ካብ ዝበለቶ'ዩ።
ድምጺ መንእሰያት ይስማዕ የሎን ኢላ እትኣምን ሜላት፡ ኣብታ ግዝኣት ዘሎ ቤት ምኽሪ "ንዓና ኣይውክልን፡" እያ ትብል።
ብኣንጻሩ፡ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ከተካይዶ ኣብ ዝጸንሐት ጐስጓሳት ወኪላት ዲሞክራት ነቶም ብገንዘብ ዝምውሉዎምን ናይ ትካላት ሎቢስትን ዝውክሉ፡ ዝኣተውዎ መብጽዓታት ንምፍጻም ዝደኸሙ'ዮም ዝብል ተሪር ነቐፌታታት ከተቕርብ ጸኒሓ።
ብደሞክራስያውያን ሶሻሊስት ኣመሪካ (DSA) ዝድገፍ ጕዕዞ ሜላት፡ ኣብቲ ብ1 ሓምለ 2028 ግዝኣት ኮሎራዶ ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ ንምውካል ኣብ ዝተኻየደ ከባቢያዊ ቅድመ መረጻ ድማ ተዓዊታ ኣላ።
እዚ ብሰሉስ ዝተኻየደ ውድድር ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለት ዲያና ደጌት ክትስዓር ዝገበረ ኰይኑ፡ ሰልፊ ደሞክራቲክ ሶሻሊስት ኣብ ቀረባ ግዜያት ካብ ዘመዝገቦም ዓወታት ኣመሪካ ሓደ ምዃኑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ።
በዚ መሰረት፡ ሜላት ወግዓዊት ሕጽይቲ እቲ ሰልፊ ኰይና፡ ኣብ ቀጻሊ ምስ ሕጹያት ሪፐብሊካን ክትወዳደር እያ፤ ኣብዚ ውድድር እንተስዒራ ድማ ኣባል ባይቶ ክትኸውን እያ። ንምዃኑ እዛ ድምጺ እዚ ወለዶ ኣመሪካ ዝዀነት ትውልደ ኢትዮጵያዊት መን'ያ?
ሜላት፡ እታ ሕጂ ድሕሪ 30 ዓመታት ዝስዓረታ ኣባል ኮንግረስ ዲያና ደጌት፡ ብ1997 መጀመርታ ናብቲ ቤት ምኽሪ ክትኣቱ እንከላ እያ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ (ብ1998 ኣ.ኤ)፡ ወላዲ ኣቦኣ ኣቶ ኣስፋወሰን ኪሮስ፡ በቲ ብዓመቱ ኣስታት 14 ሚልዮን ሰባት ኣብ ኣመሪካ ቀዋሚ መንበሪ ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ዕጫ ቪዛ ሎተሪ 'ዲቪ' ምስ በጽሖ ምስ ስድራኣ ናብ ኣመሪካ ግዒዛ።
ካብ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ማሕበረሰብን ደገፍን ብምድላይ ከኣ እታ ስድራ ናብ ደንቨር ኮሎራዶ ምኻዶም ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ጐስጓስ ሜላት ዝሰፈረ ድሕረ ባይታ የመልክት።
ሜላት፡ ወለዳ ኣብ ዘይፈልጡዎ ሓድሽ ሃገር እግሪ ንምትካል ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብልሉ እዋን፡ ዝተፈላለዩ ስርሓት ብምስራሕ ወጻኢታቶም ንምሽፋን ብሓፈሻ ናብራኦም ንምምራሕ ዝጽዕርሉ ዝነበረ እዋን ትዝክር።
"ግን ንዝሓሸ ህወይት ተስፋ ዘይምቝራጽ እንታይ ከም ዝሓትት እናርኣኹ'የ ዓብየ፡" ትብል።
በዚ፡ ኣቦኣ ናይ ፋርማሲ ትምህርቲ ክመሃር ክኢሉ እዩ። ኣብ እዋን ቍልዕነታ፡ ጐረባብቲን ፈተውትን ቈልዓ ብምንባይ፡ ስራሕ ክረኽቡ ብምሕጋዝ ንስድራኣ ልዑል ሓገዝ ከም ዘርኣዩ ትገልጽ።
ብሰሉስ፡ ድሕሪ እቲ ውጽኢት መባእታዊ መረጻ ኣብ ዘስመዓቶ መደረ፡ "ዕድመይ ልክዕ ከምቲ ኣቦይ ናብዛ ሃገር ክመጽእ ከሎ ዝነበሮ'ዩ፡" ኢላ።
"እዛ ከተማ ከም እትቕበለና ስለ ዝፈለጠ፡ ደንቨር ገዛና ክትከውን መሪጽዋ። እታ ከተማ ድማ ንሓንቲ ጓል 29 ዓመት ስደተኛ፡ ጠበቓ፡ ኣሳሳዪት፡ ማሕበርነታዊ-ዲሞክራስያዊት ናብ ኮንግረስ ክትሰድድ ኣድሚጻ፡" ክትብል ተዛሪባ።
ንድርኺት ስድራኣ ብምሓዝ፡ ንኻልኦት ንምግልጋል ዝብል ተወፋይነት ክሓድራ ክኢሉ። ኣብ 2022 ካብ ዩኒቨርሲቲ ኖትረዳም ብሕጊ ተመሪቓ።
እዛ ብሕግን ቍጠባን ዝተመረቐት መንእሰይ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሓደ ካፈ እናሰርሐት ናይ ሳልሳይ ዲግሪ ትምህርታ ትከታተል ኣላ።
"ወጻኢታት ትምህርተይን ጥዕናይን ንምሽፋን፡ ኣሳሳዪት ኰይነ ይሰርሕ ኣለኹ፤ ዋሽንግተን ንድሕሪት ኣብ ዝተረፈትሉ ንቕድሚት ክትስጕም እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም ዝሓትት ይግንዘብ'የ፡" ትብል።
ቅድሚኡ ኣብ ኒውዮርክ፡ ኣብቲ ሲድሊ ኦስቲን ዝተባህለ ውሩይ ዓለምለኻዊ ትካል ሕጊ፡ ጠበቓ ኰይና ተቘጺራ ትሰርሕ ነይራ።
እዚ ዓለማዊ ትካል ሕጊ ኣስታት 2,300 ጠበቓታትን ናይ 160 ዓመታት ተመኵሮን ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ ዝተሓላለኹ ጉዳያት ዝውውር ገንዘብ፡ ምሕደራ ቅልውላው፡ መርመራ፡ ቍጽጽርን ፋይናንሳዊ ማእከላትን ይሰርሕ።
ኣብ 2023 ግን ሜላት ካብቲ ትካል ተባሪራ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሜላት፡ "ንሰብኣዊ መሰላት ደው ዝብሉን ንመረጽቶም ዝሰምዑን መራሕቲ እዮም ዘድልዩና፡" ብዝብል ጐስጓስ ከተካይድ ዝጸንሐት ኰይና፡ ኣንጻር እስራኤል ዘለዋ መርገጺ፡ ማእከል እቲ ክሳብ ሕጂ ከተካይዶ ዝጸንሐት ጐስጓስ መረጻ ኰይኑ ጸኒሑ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብ ስርሓ ክትስጐግ ከላ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተሪር ነቐፌታ ብምቕራብ ንእስራኤል ዝድግፉ ዲሞክራስያውያን እውን ትነቅፍ።
እስራኤል ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ቓዛ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ድሕሪ ምክያዳ፡ ብወተሃደራዊ ስርሒታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 67,183 ሰባት ከም ዝተቐትሉን 20,179 ህጻናትን ቈልዑን ከም ዝሞቱን ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲታት ኣመሪካ ኣንጻር ጸረ-ሴማውነት ዝያዳ ጽኑዕ መርገጺ ክሕዛ ዝጸውዓ ዝነበራ ትካላት ሕጊ ኣመሪካ ዝነቅፍ ቅሉዕ ደብዳበ ድሕሪ ምጽሓፋ ካብ ስርሓ ክትባረር ምኽንያት ኰይኑ።
እዚ፡ ተምሃሮ ኣብ ቓዛ ንዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ክቃወሙ መሰል ከም ዘለዎም ይሓትት። እዚ ክትኣልዮ ተሓቲታ ነጺጋቶ።
ሜላት፡ ናብ ደንቨር ተመሊሳ ናይ ሳልሳይ ዲግሪ ትምህርታ ምክትታል ክትጅምር ከላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኮንግረስ ከም እትወዳደር ወግዓዊ ገይራ።
ሽዑ፡ ካብ ገስጋሲ ሴናተር በርኒ ሳንደርስ፡ ከምኡ'ውን ካብቶም ኣብ መባእታዊ መረጻታት ኒውዮርክ ዝተሳተፉ ገስገስቲ ጕጅለታት ማሕበረነታውያን ዲሞክራስያውያን ኣመሪካን ፍትሓዊ ዲሞክራትን ድጋፍ ረኺባ።
ፍትሓዊ ዲሞክራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ንነበርቲ ደንቨር ሰልፊ ዲሞክራት እንታይ ከም ዝመስል ንምውሳንን ብየናይ ልክዕ ከም ዝደልዩዎ ንምምራጽን ብዝገበረቶ ምልዕዓል፡" ንኢዱዋ።
ብሰሉስ ድሕሪ እቲ መረጻ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ንስድራኣ፡ ኣዝማዳን ሓፍታን ኣመስጊና።
"እዚ ዓወት ናይ ኵላትና እዩ፤ መሰረታዊ ለውጢ ብቓልሲ ከም ዝመጽእ ንኣምን። ቅኑዕ ንዝዀነ ነገር ደው ምባል - ደንቨር ንኽልቲኦም ሰልፊታት ኣመሪካ፡ ንዶናልድ ትራምፕን ንመላእ ሃገርን ዘሕለፈቶ መልእኽቲ'ዩ፡" ኢላ።
ሜላት ሕጂ ዝረኸበቶ ዓወት፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ናይ ምዃን ዕድላ ዝሰፍሐ ገይሩዎ ይርከብ።
ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ዝካየድ መረጻ ተዓዊታ ናብቲ ቤት ምኽሪ እንተኣትያ ድማ፡ ብዕድመ ዝነኣሰት ኣባል ባይቶ ክትከውንን እያ። ፈላመይቲ ትውልደ ኢትዮጵያዊት ኣባል ባይቶ'ውን ክትከውን እያ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
