ኢትዮጵያን ኣመሪካን ክልተኣዊ 'ናይ ምክልኻል' ስምምዓት ተፈራሪመን

ምንጪ ስእሊ, FBC
ኣመሪካን ኢትዮጵያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸጥታን ምርግጋእን ንምድንፋዕ ክልተኣዊ ስምምዓት ከም ዝፈረማ ገሊጸን።
ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ጊዴዮን ጢሞተዮስ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ኢትዮጵያን ክልተኣዊ ዘተ ንምግባር ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ተራኺቦም ነይሮም።
እዚ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ከም እተልዕሎ ኣብ ዝገለጸትሉ'ያ ምስታ ቀንዲ መጻርርቲ ኤርትራ ዝዀነት ኢትዮጵያ ክልተኣዊ ስምምዓት ትገብር ዘላ።
ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰንኪ እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ብተደጋጋሚ ካብ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ሰብ መዚ እታ ሃገር ሕቶ ይልዓል ብምህላዉ፡ እዘን ክልተ ሃገራት ናብ ዳግማይ ኲናት ከይኣትዋ ኣብ ዘስግኣሉ ዘሎ'ያ ኣመሪካ ምስ ክልቲአን ሃገራት ዘለዋ ዝምድናታት ተደልድል ዘላ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ኢራን ዘሎ ውግእን ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝን ንቐይሕ ባሕሪ ከም ኣገዳሲ መተሓላለፊ ንግዳዊ መስመር ማእከላይ ባሕርን እስያን ኣገዳስነቱ እናዓዘዘ ኣብ ዝመጽኣሉ'ያ ኣመሪካ ኣብ ልዕሎ ኤርትራ ዝተነበረ እግዳ ከምእተልዕሎ ትሕብር ዘላ።
ኵሉ ግዜ ቀይሕ ባሕሪ ንዓለማዊ ቍጠባ ወሳኒ እኳ እንተዀነ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግን ብሰንኪ ውግእ ሱዳን፡ ምስሕሓብ ሶማልን ስግኣት ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዳኺሙ ምጽንሑ ይገልጽ።
ደገፍቲ ኢራን ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ የመን፡ ንመጻብቦ ባብ-ኤል-መንደብ ክዓጽውዎ ምዃኖም ኣብ ዘፈራርሕሉ ዘለዉ እዋን፡ ምስታ ልዕሊ 1100 ኪሎሜተር ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ኤርትራ ዝምድና ምምሕያሽ እዋናዊ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ ምዃኑ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።
ብመሰረት ሮይተርስ ዝረኣዮ ሰነድ፡ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ መዘክር፡ ኣመሪካ ነቲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ 2021 ዝፈረመሉ እገዳ ዘንብር ኣዋጅ ክትስርዞ ምዃና ይገልጽ።
እቲ ኣብ 2021 ዝተነብረ እገዳ ሰፊሕ ኰይኑ፡ ንወተሃደራዊ ትካል ኤርትራ፡ ንገዛኢ ሰልፊ ህግደፍ፡ ከምኡ'ውን ንሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
ኤርትራ ብ1993 ካብ ኢትዮጵያ ናጽነታ ካብ እትረክብ ጀሚራ፡ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ዞባዊ ምስሕሓባት ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ እገዳታት ክትጸንሕ ተገዲዳ እያ።
ኣብ 2009 ኤርትራ ንዕጡቓት ኣልሸባብ ሶማልያ ትድግፍ እያ ብዝብል ክሲ - ደሓር መርትዖ ዘይተረኽቦ - ብሕቡራት ሃገራት እገዳ ተገይሩላ ነይሩ።
ኣብ 2021 ዝተነብረ እገዳ ድማ ምስቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝነበረ ውግእ ተተሓሒዙ ዝመጽአ እዩ።
ዞባውያን ዲፕሎማሰኛታት ከም ዝገልጽዎ፡ እዚ ኣመሪካ ክትወስዶ እያ ዝበሃል ዘሎ ስጕምቲ፡ ዋሽንግተን ነቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ተርእዮ ዘላ ድሌት ከም ዘይትድግፍ ዘመልክት መልእኽቲ እዩ።
እቲ ሮይተርስ ዝተመልከቶ ሰነድ መንግስቲ ኣመሪካ፡ "ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዝግበር ዝዀነ ፈተነ ከም እንቃወም ንኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ገሊጽናላ ኢና፡" ይብል።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ዘንበረቶ እገዳታት ከተልዕሎ ትዳሎ ከምዘላ ዝገልጽ ጸብጻባት ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ።
ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ረቡዕ 6 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ እገዳታት ክለዓል'ዩ ዝብል ጸብጻባት ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ስጕምቲ ነቲ ግጉይ ክብል ዝገለጾ ፖሊሲታት ዋሽንግተን "ብዘላቕነት ብምእራም፡ ፍትሒ፡ ሕጋውነትን ርትዒን ዘረጋግጽ ክኸውን ተስፋ ንገብር" ኢሉ።
ነቲ እገዳታት ኣብ መጋባእያ ዓለም ክትነቕፎ ዝጸንሐት ኣስመራ ንፈለማ እዋን'ያ ብዛዕባ'ዚ ናይ ምልዓል ጽንጽንታ ርእይቶ ትህብ ዘላ።
ኣብዚ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢትዮጵያን ተኸቲሙ ዘሎ ክልተኣዊ ስምምዓት ኣብ ዝምልከት ብኣመሪካ ኣብ ዝወጽአ መግለጺ ማርኮ ሩብዮ "ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ምጉዳልን ግጭት ኣገዳሲ ተራ" ከምዝህልዋ ገሊጹ ይብል።
ኣመሪካን ኢትዮጵያን ኣብ ዝኸተማኦ ስምምዕ ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይወጽአ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ግን ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ዓሊመን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን ብሓባር ክሰርሓ ከም ዝተሰማምዓ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ዝምድና ኣመሪካን ኢትዮጵያን ኣብ ወጥሪ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያ "ኣብ ሩባ ኣባይ ግድብ ምህናጽ" መጠን ማይ ናይቲ ናብ ሱዳንን ግብጽን ዝውሕዝ ዘጕድል'ዩ ብምባል'ዩ ዝኸስስ።
ትራምፕ ብተወሳኺ እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ብገንዘብ ኣመሪካ ከም ዝተሃነጸ'ዩ ዝገልጽ፡ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ክትነጽጎ'ያ ትስማዕ።
እቲ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ምህናጽ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንቀረብ ማይ ሃገሩ ዓቢ ስግኣት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ምህናጽ እቲ ግድብ ዘለዎ ተቓውሞ ብተደጋጋሚ የስምዕ'ዩ።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣብ ጉዳይ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃዊ ጉዳያትን መስዓድ ቡሎስ ሎሚ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ምስቲ ብምኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ጊድዮን ጢመተዮስ ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ ከም ዝተራኸበ ኣፍሊጡ።
ቡሉስ ኣብ ጽሑፉ፡ብዛዕባ ሩባ ኣባይን ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ሃናጺ ዘተ ኣካይድና ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ "ኣብ ሱዳን ነባሪ ሰብኣዊ ዕርቂን ሰላምን ንምርግጋጽ ዝግበር ኣህጉራዊ ጻዕርታት፡ ከምኡ'ውን ዞባዊ ምርግጋእ ንምድንፋዕ ዘለና ሓባራዊ ተወፋይነት፡ እንከላይ ንጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝምልከት" ከም ዝተዘራረቡ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ክልተኣዊ ንግዳውን ቍጠባውን ጉዳያትን ዕድላት ወፍሪ ኣመሪካ ከም ዝዘተዩ'ውን ገሊጹ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


