እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግዳያት መጥቃዕቲ ድሮን ከተማ መቐለ እንታይ ይብሉ?
ኣብ ከተማ መቐለ ብድሮን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጉድኣት ከም ዘውረደ ቢቢሲ ካብ ነበርትን ሰብስስልጣንን ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ንፈለማ እዋን ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ- መቐለ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዘሎ ወጥሪ ናብ ካልእ ምዕራፍ ከይሰጋገር ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ካብቲ ሎሚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓዲኡ፡ ፍሉይ ስሙ እንዳማርያም-ዳዕሮ ኣብ ዝበሃል መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝተፈጸመን ብሰንኩ ድማ ኣደታትን ህጻናትን ቈሲሎም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ነበርቲ ኣረጋጊፁ ኣሎ።
ብተወሳኺ እቲ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ከቢድን ቀሊልን ዕንወት ከም ዝበጽሐ፡ መንግስታዊ ሚድያ ቴሌቭዥን ትግራይ ፀብፂባ ኣላ።
ቢቢሲ ነቲ ብወገን ትግራይ ዝቐረበ ጸብጻብ መጥቃዕቲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ እኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ ግን መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝተሃርመን ኣብ ልዕሊ ንብረትን ሰብን ጉኢድኣት ከምዝበፅሐ የረጋግጽ።
መንግስቲ ፈደራል ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንግሆ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዛጊድ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የሎን።
ቢቢሲ ነቲ ናይ ሎሚ ሓዊሱ፡ ብዛዕባ እቶም ፍፃመታት ናብ ግልጋሎት ኮምኒኬሽን ብኢመይል መብርህን ሓበሬታን ሓቲቱ ምላሽ ይፅበ ኣሎ።
መሸኻኽር ዓይኒ እንታይ ይብሉ?
መንግስቲ ሰራሕተኛ ዝዀነት ብርኽቲ ዘርሁን፡ ካብቶም መጥቃዕቲ ዝተፈፀሞም ከባብታት ሓደ ዝዀነ እንዳማርያም ዳዕሮ ከባቢ ነባሪት እያ።
ኣብ ገዛውታ መጥቃዕቲ ክፍጸም እንከሎ ንሳ ኣብ ስራሕ እያ ነይራ።
"ድኻ ማሕበረሰብ እዩ ኣብዚ ዝነብር። እዚ ዝበሃል ኣታዊ የብሉን፤ እዚ ማሕበረሰብ እዩ ተጐዲኡ ዘሎ፤ ጉድኣት በፂሑዎ ናብ ሕክምና ዝተወስደ ኣሎ" ኢላ።
ካልእ ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ክበጽሕ ምስ ደቃ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝነበረት፡ ኣልማዝ ወልዱ ትበሃል።
"ኣነ ኣብዚ እየ ነይረ ጓለይ ድማ ኣብዚ ከፍ ኢላ ነይራ፤ ወደይ ድማ ኣብቲ ሓደ ክፍሊ ነይሩ፤ መድሮን መፂአ ምስ ደብደበት፡ እቲ ገዛ ኣብ ዝባንና ፈሪሱ፡ ዳርጋ ተፊሕርና ኢና ወፂእና" ትብል።
"መውፅኢ ስኢንና ነይርና፤ እቲ ክፍልታት ብሙሉኡ እዩ ፈሪሱ"።
ቅድሚ ክልተ መዓልታት እውን፡ ካብ መቐለ ኣስታት 12 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኲሓ፡ ወረዳ እንደርታ ቍሸት ዳንዴራ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ምግላፁ ይዝከር።
ኣብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ፡ ካልእ ሓደ ድማ ከም ዝቘሰለ ቢቢሲ ካብ ምምሕዳር እቲ ከባቢ መረጋገጺ ረኺቡ ኣሎ።
ቢሮ ጉዳያት ከሞኒኬሽን ትግራይ ድሕሪ እቲ ፍፃመ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ "ስርዓት ብልፅግና ከካይዶም ዝቐነየ ደብዳባት ድሮንን ኣየርን ብምቕፃል ሎሚ 14 ነሓሰ 2018 ዓ.ም [ግእዝ] ረፋድ ኣብ መቐለ ናይ ድሮን ደብዳብ ኣካይዱ ኣሎ" ኢሉ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክልተ ቦታታት ከምዝተፈፀመን፡ እቲ ሓደ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ጣብያ ሞሞና ቀጠና 27 ከባቢ እዳማርያም ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ኾይኑ በቲ ደብዳብ 2 ዓበይቲን 2 ህፃውንትን ቆሲሎም ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ የመልክት።
እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ከባቢ ኩሓ ኮይኑ ብኣጋጣሚ ዝበፅሐ ሓደጋ ከምዘየለ እቲ መግለፂ ሓቢሩ ኣሎ።
"ካብዙይ ብምብጋስ መላእ ህዝብና ኣብዝገቦሮም ኩሎም ዓይነታት ምንቅስቓሳት ልዑል ጥንቃቐ ንኽገብር ነተሓሳስብ" ይብል እቲ መግለፂ።
ኣብ ሆስፒታል ዓይደር መተሓባባሪ ክፍሊ ፅኑዕ ክንክን፡ ብርሃኑ ሃይለማርያም፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በቲ መጥቃዕቲ ግድኣት ዝበፅሖም 14 ሰባት ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉን፡ "ሰለስተ ሰባት ብኸቢድ ከምዝቖሰሉን" ገሊጹ።
ካብቶም ሕክምናዊ ድጋፍ ዝግበረሎም ዘሎ ግዳያት፡ እቶም ሓሙሽተ ህፃናት ምዃኖም እቲ መተሓባበሪ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ኣብ ኦስሎ ኒው ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ዞባዊ ተመራማሪ ሸትል ትሮንቮል፡ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ንሲቪላት ዘይኮነስ "ንላዕለዎት ሰብ ስልጣን ህወሓት ዒላማ ዝገበረ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
እቲ ተዓዛቢ ፖለቲካ፡ "መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ከቢድ ስጉምቲ ክወስድ ድሉው ምዃኑ ዘርኢ'ዩ" ክብል ድማ ወሲኹ።
ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ቀዳም 01 ነሓሰ ሸረሪና ኣብ ዝተብሃለ ምዕራብ ትግራይ [ምስ ሱዳን ዝዳውብ]፡ ከቢድ ውግእ ተኻይዱ ምንባሩ ምፅብፃብና ይዝከር።
ቢቢሲ ዝረኸቦ ወተሃደራዊ ምንጪ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ኣብ ሸረሪና ክካየድ ዝወዓለ ውግእ ሽዑ ቀዳም ኣማስያኡ ደው ኢሉ። እንተዀነ፡ ብኻልኦት ግንባራት ክውላዕ ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ ሽዑ ዝረኸብናዯ ሓበሬታ የረድእ።
እቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበረን ንዝተወሰነ እዋን ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ኰይኑ ዝሰርሐን፡ ሕጂ ድማ ምኒስተር መስኖን ልምዓት ቈላታትን ዝዀነ ዶክተር ኣብርሃም በላይ፡ ነቲ ፍፃመ ኣመልኪቱ፡ "መሪሕነት ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዘይብሩህ ዕላማ ዘለዎ ሓድሽ ኲናት ይደፍኦ ኣሎ፡" ክብል ወቒሱ ነይሩ።
ድሕረ ባይታ እቲ ወጥሪ
ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ፡ ካብቲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር (ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ዝነበረ) ብመራሕቲ ህወሓት ካብ ዝእለ ንደሓር፡ እናኸፍአ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ህወሓት፡ ነቲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተገብረ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ብምንጻግ፡ ጀነራል ታደሰ "ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር" ኣእትይዎ ከም ዝርከብ ይግለጽ።
ነቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ዳግማይ ብምምላስ ድማ ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት ገይሩ ሸይሙዎ።
እዚ ስጕምቲ'ዚ ምስ መንግስቲ ፈደራል ንዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ኣጋዲዱዎ።
ክልቲኦም ወገናት ድማ ኣብ ዝሕታለ ኣፈጻጽማ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ንዂናት ብዝግበር ምድላዋትን ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ።
ንህወሓት ኲናት ብምፅሕታርን ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ዝብሎም ብምትሕብባርን ደጋጊሙ ዝኸስስ ማእከላይ መንግስቲ ብዛዕባ እዞም ናይ ቀረባ ክስታት ዝህቦ ምላሽ የለን።