ምስ ቀጠር ዘዋጥር ዘሎ ዕጫ ሰለስተ ኣብረርቲ ነፈርቲ ኢራን

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኢራን ኣብ ምጅማር ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ክልተ ነፈርቲ ውግእ ምስ ተወቕዓ፡ ብቀጠር ተታሒዞም ዝበለቶም ሰለስተ ኣብረርቲ ክፍትሑ ጸዊዓ።

ኢራናዊ ብርጌደር ጀነራል መሓመድ ባገርዛደ ናብ ሓላፊ ዓለማዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቶም ኣብረርቲ - ጃቫድ ሳልሒ፡ ዓብደልማጂድ ዳሽቲያንን ኢምራን በህሮሽያንን - ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከም ምሩኻት ኰይኖም ከምዝተታሕዙ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ ማጂድ ካዘሚ ዝተባህለ ራብዓይ ፓይለት ግን፡ ብ2 መጋቢት 2026 - ሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ምጅማር እቲ ውግእ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ስርሒት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ሬሳኡ ከምዝተመልሰ ገሊጹ።

ቀጠር ንሕቶ ኢራን ብምንጻግ፡ "በዚ መደናገሪ መግለጺታት ከም ዝተገረመት" ገሊጻ።

ጀነራል ባገርዛደ ወሲኹ፡ እቶም ሰለስተ ፓይለታት ንወተሃደራዊ መዓስከር ቀጠር ዒላማ ብምግባር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ውግእ ተልእኾ ካብ ነፈርቲ ምስ ወጹ ብቀጠር ከምዝተታሕዙ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ኢራን ዝተቓለሐ፡ ንሓላፊት ዓለማዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ሚርጃና ስፖልጃሪች ዝተፅሐፈ ደብዳበ፡ ቀጠር "ዓለምለኸ ሕግታትን ስርዓታትን" ብምጥሓስ፡ መሰላት እዞም እሱራት ትግህስ ኣላ ክብል ከሲሱ።

እቲ ደብዳበ፡ እቶም ሰለስተ ኣብረርቲ ምስ ስድርኦም ክራኸቡ ከምዘይተፈቕደሎም'ውን ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ማጀድ መሓመድ ኣል ኣንሳሪ፡ ምስቶም ኣብረርቲ "ናይ ቀጠር ክሊ ኣየር ምስ ጠሓሱ" ርክብ ተገይሩ'ኳ እንተነበረ፡ ግና መልሲ ከምዘይረኸበ ገሊጹ።

"ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ንግዝኣትና ንምክልኻል ዘድሊ ስጉምትታት ወሲድና" ክብል ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ምላሸዕ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣል ኣንሳሪ፡ ጉጅለታት ምድላይን ምድሓንን ቀጠር፡ "ሬሳ ናይቶም ኣብረርቲ ኣብ ምድላይ ስርሖም ብዝለዓለ ደረጃ ፈጺሞም" ኢሉ።

ንሱ፡ ቀጠር ንኢራን "ሬሳ ናይቲ ዝተረኽበ - ካብቶም ኣብረርቲ ንምውህሃድ" ከምዝፀዓረት ብምግላፅ፡ ቴህራን ዝርዝር ናይቲ ስርሒት ምድላይን ምድሓንን ንምግምጋም ንዝቐረበላ ሕቶ ገና ምላሽ ኣይሃበትን።