ኢትዮጵያ፡ 7 መናብር ዝረኸበ ጥምረት ናብ ቤት ምኽሪ ከምዘይኣቱ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Enat Party
ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ውድባት ዝሓቖፈ፡ 'ምትሕብባር ንሓድነት ኢትዮጵያ' ዝበሃል ጥሙር ውድብ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ መረጻ ዝረኸቦ መናብር ከምዘይቕበልን ናብ ፓርላማ ምእታው ከምዝተሓሰመን ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።
እቲ ጥምረት፡ ቅድሚ ሕዚ ኣቕሚጡዎም ዝነበረ ቅድመ ኩነት እንተተማሊኡ፡ ኣባላቱ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ንክኣትዉ ኣብ ግምት ከምዘእቱ ገሊጹ።
ዛጊድ እቲ ቅድመ ኩነት ከምዘይተማልአ ብምግላጽ፡ ካብቲ መረጻ ከምዝወፅእ ብተደጋጋሚ ኣፍሊጡ፤ ከምኡ'ውን ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እቲ መረፃ፡ ዋላ እንተተዓወተ ናብ ባይቶ ከምዘይትኣቱ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብመሰረት እቲ ብ14 ሰነ 2018 ዓ.ም ብሃገራዊ ቦርድ መረፃ ዝተገለፀ ውፅኢት መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ፣ ጥምረት ንሓድነት ኢትዮጵያ ክልተ መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝብን፡ 5 መናብር ቤት ምኽሪ ክልልን ተዓዊቱ።
እዚ 1032 ሕጹያት ናብ መረፃ ዘቕረበ ጥምረት፡ ንገዛኢ ውድብ ብልጽግናን ኢዜማን ቀፂሉ፡ ዝበዝሑ ቁፅሪ ተወዳዳርቲ ብምቕራብ ኣብ ሳልሳይ ዝስራዕ ሰልፊ እዩ።
ኣብ መረፃ 2026፡ ኣብ ክልላት ኣዲስ ኣበባ፣ ኣምሓራን ማእኸላይ ኢትዮጵያን፡ ብድምር 7 መናብር ዝረኸበ እዚ ጥምረት ውድባት፣ ነቲ ከይዲ ብምኹናን ኣብ መርገፂኡ ከምዝፀንዐ፡ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ፡ ኣይተ ጌትነት ወርቁ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ነቲ ዝተኻየደ መረፃ፡ "ጨረባ" [ዋና ዘይብሉ] ክብል ዘናኣሶ እቲ ጥምረት፡ "ነቲ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ጸገማት ሃገርና ናብ ካልእ ዝኸፍአ ጫፍ ካብ ምውሳድ ሓሊፉ፡ ዲሞክራሲ ዘስፍን ኣይኰነን" ክብል ነቒፉ።
እቲ ጥምረት፡ ስእነት ሰላምን ጸጥታን፡ ከምኡ'ውን "ጸቢብ" ፖለቲካዊ ሃዋህው ከም ቀንዲ ጠንቅታት ጠቒሱ።
". . . መንግስቲ ቅርብ ኢሉ ምዝርራብን ምድርዳርን ክሳብ ዘይጀመረ፡ ኣፍልጦ ኣይንህቦን ኢና። ናይ በለፀኛታት ጸወታ'ዩ" ዝበለ ኣቶ ጌትነት፡ ሃገራት "ኣፍልጦ ክኸልኣ ንጉስጉስ ኣለና" እውን ኢሉ።
ቢቢሲ "ቅድሚ እዚ መረፃ፡ መርገፂኹም እዚ እንተነይሩ ንምንታይ ኣብቲ መረፃ ተሳቲፍኩም?" ብዝብል ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኣቶ ጌትነት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ተሳትፎኡ ብዝምልከት ዝርርብ ከምዝነበረ ኣመልኪቱ፤ ይኹን እምበር ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።
ንሱ፡ "ኣብ ቅድመ-ኩነታትና ሕድገት ክህሉ ይኸእል እዩ ዝብል እምነት ነይሩና፡" ብምባል ብንጹር ክዛረበሉ ብዛዕባ ዘይደለዮ ምኽንያት፡ እቲ ጥምረት ኣብቲ መረፃ ክሳተፍ ከምዝወሰነ ገሊጹ።
እቲ ሕዚ ብግልጺ ክብሎ ዘይደለየ ምኽንያት፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ንህዝቢ ዕላዊ ክንገብሮ ኢና" ክብል ኣሚቱ'ሎ።
ኣቶ ጌትነት፡ ናብ ቤት ምኽሪ ኣይንኣቱን ዝብል መርገፂ፡ ኣብ 7 መረጻ ክልላት ንዝመረፆም ህዝቢ ንምኽሓድ ከምዘይኮነ'ውን ኣብሪሁ።
ከምቲ ኣብ መረፃ 1997 ዓ.ም ዘጋጠመ፡ ተመሳሳሊ ነቐፌታ ከምዘጓነፎ ዘመልከተ እቲ ሓላፊ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኩነታት ዘሎ ፍልልይ እናገለጸ "ከም ሰማይን ምድርን ዝተረሓሓቐ እዩ" ኢሉ።
"ሸውዓተ ካርድታት ተዋሂቡና ኢልና ስቕ ካብ እንብል፡ ንዓበይቲ ሕቶታት መልሲ ክንደሊ ኢና ንሓትት" ዝበለ ዀይኑ፡፡ መርገጺ እቲ ጥምረት፡ "ምኽንያታዊውን ዓᎁቕን" ምዃኑ ገሊጹ።
እንተኾነ መንግስቲ ነቲ እቲ ጥምረት ንልዝብ ዘቐመጦም ቅድመ ኩነት ኣወንታዊ ምላሽ ዝህብ እንተዀይኑ፡ ውሳኔኦም ክኽልሱ ከምዝኽእሉ ተዛሪቡ።
"ሕዚ ናብ ናብ ቤት ምኽሪ ኣይንኣቱን ማለት ንዘልኣለም ኣይንጽንበርን ማለት ኣይኮነን" ብምባል፡ መንግስቲ እታ ኩዕሶ ኣብ ሜዳኡ ተደርብያ ከምዘላ ኣመልኪቱ።
ናብ ኣብያተ ቤት ምኽሪ ህዝቢ ምእታው፡ ከም ሓደ "መሳርሒ ድርድር" ገይሩ ዝረኣየ ጥምረት፡ "ኣብ ባዶ ሜዳ ደው ኢልና ኣይኮናን ንፍክር ዘለና"።
"ኲናት ደው ምባል፣ እሱራት ምፍታሕ፣ ፖለቲካዊ ሃዋህው ምምሕያሽ፣ ዕጫ ሃገር ምዝታይ ሓደ መዓልቲ ንግሆ ጀሚርካ ኣጋ ምሸት ዝውዳእ ኣይኰነን። እንተወሓደ ናብቲ እንደልዮ [ናብ ድርድር] ዝደፍኣና ነገር እንተሃልዩ ምርኣይ'ዩ" ክብሉ መጒቱ።
እቲ ከም በዓል ኢሕአፓ፣ መኢአድን እናት ፓርቲን ሰልፍታት ሓዊሱ፡ ሓሙሽተ ውድባት ዘጠቓለለ 'ምትሕብባር ንሓድነት ኢትዮጵያ'፣ እቶም ዝተመረፁ ወከልቲ ንውሳነ እቲ ጥምረት እንተነፂጎም ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ።
"እዚ ትካላዊ [ውድባዊ] ጉዳይ እምበር ውልቃዊ ጉዳይ ኣይኮነን" ዝበለ ኣቶ ጌትነት፡ እቶም ሕጹያት "ሞራላውን ሕጋውን ሓላፍነት" ከምዘለዎም ገሊጹ።
ዝኾነ ሕጹይ "ብስም እቲ ጥምረት ክኣቱ ኣይክእልን'ዩ። ስነ-ምግባራዊ ስጉምትታት'ውን ክንወስድ ኢና" ብምባል፡ ካብ ሰልፊ ምስጓግ ዘጠቓልል ስጉምትታት ክወስዱ ምዃኖም ኣመልኪቱ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
