'ወራጅ ኣለ' - ብኣመሪካዊት ዝተፈነወት ኢትዮጲያዊት ኣልበም ሙዚቃ

ምንጪ ስእሊ, Peggy Bevan
'ወራጅ ኣለ' ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈነወት ኣምሓርኛ ኣልበም እያ።
እዛ ኣብ ኒው ኦርሊንስ ብዶሚኖ ሳውንድ ዝተዘርግሐት ኣልበም፡ ፍልይ ዘብላ ሓደ ነገር ብኢትዮጵያውን ስነጥበበኛታት ዝቐረበት ዘይምዃና እዩ።
ነዛ ኣልበም ዘቕረበት ስነጥበበኛ ኣመሪካዊት እያ።
ኬታ ሆስታተር ትበሃል። ተጻዋቲት ቫዮሊንን ኣወሃሃዲት ሙዚቃን እያ።
ኬታ ንዝሓለፋ 20 ዓመታት ናይ ኢትዮጵያ ሙዚቃ ትሰምዕ ነይራ።
ን11 ዓመታት ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቐሚጣ።
ብድሕሪ'ዚ እዛ 'ወራጅ ኣለ' ዘርእስታ ኣልበም ፈንያ።
ኬታ እታ ኣልበም፡ ነጸብራቕ መንነታ፡ ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክትመሃሮ ዝጸንሐት ነገራትን ዝዓበየ ስነ-ጥበባዊ ስርሓን ከምዝኾነት ትዛረብ።
ቀዳመይቲ ደርፊ ናይ'ዛ ኣልበም 'ሙዚቃዊ ስሌት' እያ። ስዒቡ ድማ ትዝታ፡ ልበይ፡ ረጌ ከሚሴ፡ ጎንደር፡ ወይዘሪት ኢትዮጵያ፡ በሎሚ በና ዝብሉ ደርፍታት ኣለው።
መብዛሕትአን ደርፍታት ካብቲ "ወርቃዊ ዘመን" ተባሂሉ ዝሕሰብ ወቕቲ ኢትዮጵያ ዝተወሰዳ እየን። እተን ደርፍታት ነቲ ናይ ቀደም ክብረን ዓቂበን እንከለዋ እየን ብቫዮሊን ዝደምቃ ዘለዋ።
ኬታ ንዓመታት ምስ ኢትዮጵያውያን ሙዚቀኛታት ተሓባቢራ ክትሰር ጸኒሓ እያ።
ኣብ ሙዚቃኣ ቫዮሊን ምስ ዋጣ፡ ቫዮሊን ምስ ክራር ተዋሃሂዶም ይስምዑ።
ኣብታ 'ወራጅ ኣለ' ዘርእስታ ኣልበም ዝተኻተቱ ደርፍታት ግን ብቫዮሊን ዝተቓነዩ ጥራይ ኣይኮኑን።
ኤለክትሮኒካዊ ድምጺ'ውን ኣለዎም። ነፍሲ ወከፎም ናይ ገዛእ ርእሶም ታሪኽ ዘዘንትው ይመስሉ።
ኬታ "እዛ ኣልበም ምዝርጋሕ ኣዝዩ ደስ ዝብል ተመክሮ'ዩ" ትብል።
ዝፈጠረላ ስምዒት ድማ "ልዑል ሓጐስ" ክትብል ትገልጾ።
እታ ኣልበም ኣብ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተራን ኢትዮጵያውያን ስነጥበባውያን ዘበርከቱላ ሓገዝን ከምተንጸባርቕ ትገልጽ።
"ሰባት ታሪኸይ ዝሰምዑሉ፡ ምሉእ ብምሉእ ክርድእዎ ዝኽእሉሉ ዕድል" ከምዝፈጠረላ ድማ ትሓስብ።
ኣልበማ 'ወራጅ ኣለ' ኢላ ዝሰመየቶ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን።
ወጻእተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ እግሮም ምስ ኣንበሩ ካብ ዝመሃሩዎም ቀዳሞት ቃላት ወይ ሓረጋት ሓደ 'ወራጅ ኣለ' ዝብል ሓረግ እዩ።
አብ ታክሲ ኣዲስ ኣበባ እዚ ሓረግ ከይፈለጥካ ምንቅስቓስ ኣጸጋሚ እዩ።
ኬታ ከም ዝኾነ ወጻእተኛ ዝተማህረቶ ናይ መጀመርታ ሓረግ ድማ 'ወራጅ ኣለ' ምንባራ ትዝክር።
ነታ ኣልበማ ከም ጕዕዞ ታክሲ ንርኣያ።
"ወራጅ ኣለ" ኣብ ታክሲ ጥራይ ዝበሃል እኳ እንተኾነ፡ ንናብራ ኣዲስ ኣበባ፡ ህይወት ኢትዮጵያን መጓዓዝያን እውን ዘንጸባርቕ እዩ ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Ryan Simpson
ኣቀባብላን ንምፍታኑ ዘየፀገምን ክትብል ንሙዚቃ ኢትዮጵያ ትእንድ።
ወጻእተኛታት ኣብ መጀመርታ ዘይርክርድእዎ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ቁልፊ ባእታታት ናይቲ ዜማታት ምስ ተማህሩ ከምዝርድእዎ ትዛረብ።
ካልእ ድሌታ ድማ ሊድ ጊታር እዩ። በዚ ኣቢላ ድማ ቫዮሊን ምስ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ከም እተዋሃህዶ ትዛረብ።
ምስ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ካብ ዘላለያ ሓደ ነገር፡ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ 2000ታት ምስ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበራ መሓዙ 'ኢትዮጲክስ' ዝብል ኣልበም ምስማዕ'ዩ።
ኬታ፡ ኣልበማ ካብ ዝሰምዑ ሰባት ብዝረኸበቶ ምላሽ ሕጉስቲ ምዃና ትዛረብ።
"ክሳዕ ዝረኸብክዎ ርእይቶ 10 ካብ 10 ምሃብኩዋ። ኣዝየ ሕጉስ እየ። ዝሰምዕዋ ሰባት ፈትዮማ፤ ደስ ኢሉዎም እዩ። ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ ሰባት እውን ከይተረፉ መዓልታዊ ከም ዝሰምዕዋ ነጊሮምኒ እዮም። ብዙሓት 'ፍልይቲ ኣልበም እያ' ብምባሎም ሕጉስ እየ።"
እዛ ኣሜሪካዊ ሙዚቀኛ ንኢትዮጵያ ምልስ ኢላ ክትሓስባ ከላ፡ ዕርክነት፡ ህይወትን ሰሓቕን ትሓስብ።
"ኩሎም ዝረኸብክዎም ሰባት ዓቢ ክፋል ህይወተይ ኮይኖም ኣለዉ" ትብል።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


