ሩቢዮ ኲባ ንኣመሪካ ስግኣት ምዃና ክገልጽ ከሎ ሃቫና ብ'ሓሶት' ከሲሳቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኲባ ንኣመሪካ "ናይ ሃገራዊ ጸጥታ ስግኣት" ምዃናን ናብ ሰላማዊ ስምምዕ ናይ ምምጻእ ተኽእሎ ድማ ልዑል ከም ዘይኰነን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣፍሊጡ።
እዚ መግለጺ'ዚ ዝመጽአ፡ ኣመሪካ ንፕረዚደንት ኲባ ነበር ራውል ካስትሮ፡ ኣብ 1996 ዜጋታት ኣመሪካ ዝነበሩሎም ክልተ ነፈርቲ ብምውዳቕ ቅትለት ፈጺምካ ብዝብል ክሲ ድሕሪ ምምስራታ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ እዩ።
ሩቢዮ፡ ዋሽንግተን "ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ" ከም እትመርጽ እኳ እንተገለጸ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ሃገሩ ካብ ዝዀነ ይዅን ስግኣት ናይ ምክልኻል መሰልን ግዴታን ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኲባ ብሩኖ ሮድሪጌዝ ብወገኑ ንሩቢዮ ብ"ሓሶት" ብምክሳስ፡ እታ ደሴት ንኣመሪካ ሓደ እኳ ስግኣት ፈጢራ ከም ዘይትፈልጥ ገሊጹ ኣሎ።
ሩቢዮ ኣብ ዛረባኡ፡ "ምስቶም ሕጂ እንገጥሞም ዘለና ወገናት ክርአ ከሎ ሰላማዊ ስምምዕ ናይ ምፍጣር ዕድል ትሑት እዩ፡" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ ኲባ ኣብ መላእ እቲ ዞባ "ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ደገፍቲ ራዕዲ" ምዃና ከሲሱ።
ሮድሪጌዝ ግን ነዚ ክሲ እዚ ኣብ ኤክስ ብትሪ ነጺጉዎ ኣሎ። እቲ ናይ ኲባ ምኒስተር ንሩቢዮ፡ "ወተሃደራዊ ተጻብኦ ንምልዕዓል ይፍትን ኣሎ፡" ብምባል ዝወቀሶ ኰይኑ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ "ብጭካነን ብስርዓትን" መጥቃዕቲ የካይድ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኲባ ብሰንኪ እቲ ኣመሪካ ዘንበረቶ ዕጽዋ ነዳዲ ከቢድ ናይ ጸዓት ቅልውላው የጋጥማ ዘሎ ኰይኑ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ድማ ውዕል ክትገብር ጸቕጢ ይገብረላ ኣሎ።
በዚ ምኽንያት ህዝቢ እታ ሃገር ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ንነዊሕ ሰዓታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክን ሕጽረት መግብን ክጋጥሞ ጸኒሑ እዩ።
ሩቢዮ ግን እታ ሃገር ካብ ኣመሪካ ዝቐረበላ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝተቐበለት ሓቢሩ ኣሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኲባ ጸቕጢ ንምጽናዕን ነቲ ዴሳዊ ስርዓት ንምውዳቕን ብግልጺ ክዛረብ ጸኒሑ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ራውል ካስትሮ ዝቐረበ ክሲ፡ ምስቲ ትራምፕ ኣብ ጥሪ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቬነዙወላ ኒኮላስ ማዱሮ ዝወሰዶ ናይ ምሓዝ ስጕምቲ ዝመሳሰል እዩ።
ጋዜጠኛታት ንሩቢዮ፡ መንግስቱ ንካስትሮ ከመይ ገይሩ ናብ ኣመሪካ ከም ዘምጽኦ ምስ ሓተቱዎ፡ "ከመይ ገይርና ከነምጽኦ ከም እንፍትን መደባትና ንማዕከናት ዜና ኣይገልጽን እየ፡" ኢሉ መሊሱ።
ነቲ ክሲ ዘፍለጠ ዓቃቢ ሕጊ ቶድ ብላንች ግን፡ "ካስትሮ ብገዛእ ፍቓዱ ወይ ብኻልእ መንገዲ ኣብዚ ክቐርብ እዩ፡" ብምባል ገሊጹ።
ብተወሳኺ ሩቢዮ፡ ኣዲዝ ላስትሬስ ሞሬራ ዝተባህለት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ፍሎሪዳ ተኣሲራ ከም ዘላ ኣፍሊጡ።
እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ሓብቲ ናይታ ንመብዛሕትኡ መኽሰብ ዘለዎ ጽላት ቍጠባ ኲባ ዝቈጻጸር ወተሃደራዊ ትካል ላዕለወይቲ ሓላፊት እያ።
ሞሬራ ኣብ ፍሎሪዳ እናነበረት፡ "ነቲ ናይ ሃቫና ኮሙኒስታዊ ስርዓት ትሕግዝ ነይራ፡" ብዝብል ተኸሲሳ ብናይ ኢምግረይሽን ሓይልታት ተታሒዛ ናብ ሃገራ ክሳዕ እትሰጐግ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ትርከብ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኦቫል ኦፊስ ኰይኑ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኲባ "ዝፈሸለት ሃገር" ምዃናን ምሕደራኡ ግን ብሰብኣዊ መዳይ ክሕግዞም ይፍትን ከም ዘሎን ገሊጹ።
እቶም ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኲባውያን-ኣመሪካውያን ፡"ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኲባ ክትዕወት ክሕግዙ ይደልዩ እዮም፡" ዝበለ ትራምፕ፡ "ካልኦት ፕረዚደንታት ን50 ወይ 60 ዓመታት ክገብርዎ ዘይከኣሉ ስጕምቲ፡ ኣነ ዝገብሮ ይመስል፤ ነዚ ስራሕ እዚ ብምስራሐይ ድማ ሕጉስ እየ፡" ክብል ኣፍሊጡ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


