"መዓልቲ ፈተና ተቐዪሩ ምስተብሃለ፡ ናብ ገዝኦም ዘይተመለሱ ደቂ ክፍለይ ኣለዉ"

ምንጪ ስእሊ, TTV
ኣብ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ ብዝምልከት ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈተናን ምዘናን ትምህርቲን ዝተፈጠረ ምስሕሓብ፡ ነዚ ፈተና ክዳለዉ ንዝፀንሑ ተምሃሮ፡ ከምኡ'ውን ወለዲን መምህራንን ኣብ ሻቕሎት ኣጥሒሉዎም ይርከብ።
ፈተና ዝወሃበሉ ዕለት ካብ 01 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ከም ዝተቐየረን ፈተና ናብቲ ክልል ከም ዘይተልኣኸን ዝሙግት ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፡ ናይ ባዕሉ ፈተና ኣዳልዩ ንተምሃሮ ከም ዝፍትን ምግላፁ ይፍለጥ።
ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈተናን ምዘናን ትምህርቲን ድማ፡ ብወረቐት ንዝፍተኑ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ካብ 22 ክሳብ 24 ሓምለ 2018 ዓ.ም ኢትዮጵያ ከም ዝፍትን'ዩ፡ ወግዓዊ ገይሩ። እቲ ሚኒስትር፡ ካብቲ ሃገራዊ ስርዓተ-ፈተና ወፃኢ ዝወሃብ ዝዀነ ዓይነት ፈተና ተቐባልነት ከም ዘይብሉን ሃገራዊ ኣፍልጦ ከም ዘይወሃቦን ኣጠንቂቑ።
"መሓዙተይ ናብ ሊቢያ ይኸዱ ኣለዉ"
ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 29 ሽሕ 755 ተምሃሮ ብኦንላይንን ብወረቐትን፡ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ክወስዱ ተዳልዮም ከምዝነበሩ መረዳእታት ይሕብሩ ።
ቅድሚ ሕዚ 29 ሰነ 2018 ዓ.ም ኢትዮጵያ ናብ ዝፍተንሉ ዩኒቨርሲቲታት ኣትዮም፡ 01 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ድማ ፈተና ክፍተኑ ተሓቢርዎም ከም ዝነበሩ ዝገልፁ ተፈተንቲ ተምሃሮ፡ እቲ ምስሕሓብ ስዒቡ ግና፡ ንከቢድ ስነ ልቦናዊ ጉድኣትን ተስፋ ምቑራፅን ከም ዝተሳጥሑ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከተማ ሰመማ ትመሃር መርሃዊት ግደይ፡ ኣብዚ ሃገራዊ ፈተና ፅቡቕ ውፅኢት ንምምፃእ በርቲዓ እያ ክተፅንዕ ፀኒሓ።
ን01 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ተባሂሉ ዝነበረ ፈተና ከም ዝተቐየረን፡ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ናይ ባዕሉ ፈተና ከም ዘዳልውን ምስ ሰምዐት ግን፡ ኣብ ሰንፈላል ከም ዝኣተወት ትገልፅ።
"ብጭንቀት ክንትኰስ ኢልና። ኣብ ሰንፈላል ኢና ዘለና። ዕለት 22 ሓምለ ክትፍተኑ ኢኹም ንበሃል፡ ናብቶም ናይ ወረዳ መምህራን እንተደወልና ኸኣ፡ 'ገና መዓልቲ ኣይተወሰነን' ይብሉና። ኣጐላጕል ኰይንና ንፅበይ ኣለና" ትብል።
ክብሮም ፀጋይ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ካብ ትርከብ ሓንቲ ናይ ገጠር ከባቢ፡ ናብ ከተማ ሰመማ እናተመላለሰ እዩ ክሳብ 12 ክፍሊ ተማሂሩ።
ካብ ገጠር ናብ ከተማ ነዊሕ ጉዕዞ እናተመላለሰ ዝተምሃሮ ትምህርቲ፡ ኣብዚ ሃገራዊ ፈተና ፅቡቕ ውፅኢት ረኺቡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ንክኣትው ኣዝዩ ዝተሃንጠወሉ እዋን እዩ ነይሩ።
ነዚ ኣበርቲዑ ከፅንዕ ከም ዝፀንሐን ካልኦት ተምሃሮ'ውን ኣብቲ ዘበነ ትምህርቲ ብዙሕ ፀገም ተፃዊሮም፡ ኣብዚ ፈተና ዕዉታት ንክኾኑ ብዙሕ ፃዕሪ ከም ዝገበሩን ዝሕብር ክብሮም፡ እዚ ምስሕሓብ ምስ ሰምዐ ግና ቅስሙ ከም ዝተሰበረ ይገልፅ።
"ቅድሚኡ [በቲ ኩነታት] ዝተሰበርናዮ ከይኣክልስ፡ መይስና ሕይ ኣብ መወዳእታ እዚ ገጢሙና" ዝብል ክብሮም፡ ኣብዚ ዘበነ ትምህርቲ መምህራን መሃያ ይኽፈሎም ስለ ዘይነበረ፡ ተምሃሮ ብውልቆም ክፅዕሩ ከም ዝተገደዱ ይዛረብ።
"ኣነ ብባዕለይ እየ ዝፀዕር ነይረ፡ መሊሱ ከምዚ ዓይነት ሞራላዊ ውድቀት ኣብ ኣእምሮና እንተጋጥመና፡ ሕይ ብጣዕሚ ተስፋ ቆሪፀ፡ ምፅናዕ ገዲፈዮ" ይብል።
ክብሮም፡ ተምሃሮ መዓዝ ከም ዝፍተኑ'ውን ሓበሬታ ከም ዘይብሎምን፡ እዚ ድማ ዝበኣሰ ከም ዘሻቐሎምን እዩ፡ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ኣቐዲሙ ተታሒዙ ብዝነበረ መደብ 01 ሓምለ ፈተና ንክፍተን፡ 29 ሰነ ፈተና ናብ ዝወሃበሉ ዩኒቨርሲቲ ንምእታው ተዳልዩ ከም ዝነበረ ዝገልፅ ክብሮም፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈተናን ምዘናን ትምህርቲን ካብ ዕለት 22 ክሳብ 24 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ብፅሑፍ ንዝፍተኑ ተምሃሮ ከም ዝፍትን'ኳ እንተገለፀ፡ ንሱ ግና ርግፀኛ ክኸውን ኣይከኣለን።
"ዘይክንፍተን ንኽእል ኢና ኢልና ተስፋ ቆሪፅና። ንናይ ቤት-ትምህርትና መምህራን እንተሓተትናዮም፡ 'ንሕና ንፈልጦ ሓበሬታ የብልናን፣ ቢሮ ትምህርቲ እዚ ኢሉ ወሲኑ ኣይነገረናን' እዮም ዝብሉ። መምህራን ንናይ ወረዳ ሓቲተሞም'ውን 'ንፈልጦ የብልናን ሓበሬታ የብልናን' እዮም ኢሎም" ይብል።
ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ እትመሃር ማህደር ልኡል ድማ፡ ነቲ ምስሕሓብ ስዒቡ ንተምሃሮ'ውን ንፁር መልስን ኣንፈትን ከም ዘይተውሃቦም እያ ትገልፅ።
"ብጣዕሚ'ዩ ተሰሚዑና። 12 ዓመት ተማሂርናስ ከመይ ገይርና ንፍለይ? ከንቱ ድካም ኢና ደኺምና። ዝሰምዐና ሰብ የለን። ናብ መምህራንና እንተኸድና፡ እዚ ርእሰ መምህር ን22 ሓምለ ኢኹም ትመፅኡ፡ ብኦንላይን ኢኹም ክትፍተኑ፤ ንሱ'ውን ብመንግስቲ ፌደራል እንተተላኢኹልና ኢኹም ክትፍተኑ' ኢሉና" ትብል።
ማህደር በዚ ኩነታት ተስፋ ቀቢፆም ናብ ስደት ዝተበገሱ ተምሃሮ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ገሊፃ።
"12 ክፍሊ ምምሃረይ ፀሊአዮ፡ ንምንታይ እየ ተማሂረ? መሓዙተይ ናብ ሊቢያ ይኸዱ ኣለዉ። ንዓይ'ውን ንኽድ ኢሎምኒ ነይሮም። ሕዚ ተስፋ ቆሪፅና ኢና። ክንፍተን ኢልና ከይድና ከም ዝተቐየረ ምስ ነገሩና፡ ሻንጥኦም ሒዞም ናብ ገዝኦም ዘይተመለሱ ደቂ ክፍለይ ኣለዉ" ትብል።
"ንተምሃሮና ብንፁር ክንነግሮም ኣይኸኣልናን"
ነዚ ፈተና ዘተሓባብሩ ኣብ ወረዳታት ዝርከቡ መምህራን'ውን፡ በቲ ኩነታት ከም ዝተረበሹን ንተምሃሮ ንምርግጋዕ ይፍትኑ ከም ዘለዉን'ዮም ዝገልፁ።
መምህር ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ቤት-ፅሕፈት ትምህርቲ ኣተሓባባሪ ከይዲ ስራሕ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ እዩ።
"ካቢኔ ትግራይ ፕሮግራም ምቕያሩ ከም ዘይቕበሎ ምስ ተሰምዐ፡ ተምሃሮን ወለዲ ተምሃሮን ብጣዕሚ'ዮም ተደናጊፆም። ተምሃራይ ሚእቲ ብሚእቲ እምነት ገይሩ ምድላው ከይገብር፡ ካብ ባዕልና ናይ ወረዳ ዘለና ክኢላታት ትምህርቲ ምርድዳእ ስለ ዘይተገበረሉ፡ በዚኣ ተዳለዉ ክትብሎም ኣይትኽእልን ኢኻ። 'መዓዝ'ዩ እቲ ፈተና? ክብሉና እንከለዉ ንተምሃሮና ንፁር ገይርና ክንነግሮም ኣይኸኣልናን። ኣብ ሻቕሎትን ሰንፈላልን እዮም ዘለዉ" ይብል።
ኣብ ቤት-ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ዓዲ ዳዕሮ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ምዘና ትምህርቲ ዝኾነ መምህር ጴጥሮስ ካሕሳይ ድማ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈተናን ምዘናን ትምህርቲ ፈተና ዝወሃበሉ መዓልቲ እንተገለፀ'ኳ፡ ብርግፀኝነት ንተምሃሮ መምርሒ ንምሃብ ከም ዝኸበዶም ይገልፅ።
ኣብዚ ዓመት ከም ትግራይ ልዕሊ 29 ሽሕ 755 ተምሃሮ ብኦንላይንን ብወረቐትን፡ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ከም ዝወስዱ ይፍለጥ።
ብወረቐት ዝወሃብ ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ ካብ 01 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ጀሚሩ ክወሃብ ተተሊሙ ከም ዝነበረ ዝገልፅ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፡ ዛጊድ ፈተና ናብቲ ክልል ከም ዘይተልኣኸ እዩ ዝኸስስ። ስለ ዝኾነ እቲ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ናይ ባዕሉ ፈተና ኣውፅዩ ንተምሃሮ ከም ዝፍትን ይሙግት።

ምንጪ ስእሊ, TTV
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ፡ ክሳብ 15 ሰነ 2018 ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈተናን ምዘናን ትምህርቲ ብሙሉእ ምርድዳእ ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ብምግላፅ፡ ንሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ 'ብፖለቲካዊ ውሳነታት' ይኸስስ።
"15 ሰነ 2018 ዓ.ም. ካብ ሙሉእ ሃገር ንዝመፅኡ ፈተንትን ኣተሓባበርትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምእካብ፡ ናብ ካልኦት ክልላት ፈተንቲ ሰዲዶም። ናብ ትግራይ ግና ከይትኸዱ ፅንሑ ኢለሞም።"
ድሕሪ ምሕፅንታ 22 ሰነ ብኦንላይን ንዝፍተኑ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ተምሃሮ ዝፍትኑ ፈተንቲ ከም ዝለኣኹን፡ 23 ሰነ 2018 ዓ.ም ናይ ኦንላይን ፈተና ከም ዝጀመረን ዝገልፅ እቲ ሓላፊ፡ ብወረቐት ንዝፍተኑ ተምሃሮ ግና፡ ብኦንላይን ይፈተኑ ከም ዝተብሃለን ድሒሩ ድማ መዓልቲ ፈተና ከም ዝተቐየረን ይሕብር።
ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈተናን ምዘናን ትምህርቲ ዶክተር እሸቱ ከበደ፡ ኣብ ትግራይ ብወረቐት ንዝፍተኑ ተምሃሮ 12 ክፍሊ፡ ካብ 22 ሓምለ ክሳብ 24 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ንምፍታን ከም ዝተዳለወን፡ እዚ ነቲ ክልል ከም ዘፍለጠን ንቢቢሲ ገሊፁ።
ብወረቐት ንዝፍተኑ ድማ ብኣርባዕተ ዙር ፈተና ከም ዝወሃብ ዝገልፅ እቲ ዳይሬክተር፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ፈተና ኣብ ዘይተውሃበሎም ዝካየድ ራብዓይ ዙር፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ካልኦት ክልላት'ውን ክግበር ዝፀንሐ ከም ዝኾነ ይዛረብ።
ኣብ ትግራይ ብወረቐት ንምፍታን ዝተመዝገቡ ኣስታት 15 ሽሕ ተምሃሮ ከም ዘለዉ ዝዛረብ ዶክተር እሸቱ፡ "እዚኦም ብዝተመዝገብሉን እናተዳለውሉ ብዝፀንሑን፡ ብወረቐት ክፍተኑ እዮም። ነዚ ፈተና ድማ ብብርኪ ሃገር ዝህብ እዚ ትካል እዚ እዩ። እዚ ፕሮግራም ነጊርናዮም ኢና" ይብል።
ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናይ መዓልቲ ምድልዳላት ገይርና ኢና ዝብል እቲ ዳይሬክተር፡ "ኣብ ትግራይ ብወረቐት ዝፍተኑ ተምሃሮ 22፣ 23 ን 24 ሓምለ ክፍተኑ እዮም። እዚ ፈተና ሓድሽ ዝተዳለወ ኣይኰነን፤ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ ፈተና እዩ" ይብል።
ኣብ 01 ሓምለ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ፈተና ንምንታይ ከም ዝተናውሐን ዛጊድ ናብ ትግራይ ንምንታይ ፈተና ከም ዝይተልኣኸን ዝተሓተተ ዶክተር እሸቱ፡ ፈተና ዝወሃበሉ ግዘ ዝውስን ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈተናን ምዘናን ትምህርቲ ከም ዝኾነ ገሊፁ።
"ፈተና መዓዝን ብኸመይን ንሃብ ዝብል ንውስን ንሕና ኢና። ፈተና ንምፍታን ዘኽእሉ ኩነታት፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ፈተንቲ፣ ሓለፍቲ ናቑጣታት ፈተና፣ ሓለፍቲ ማእኸላት፣ ሱፐርቫይዘር፣ ፈተሽትን ደሕንነትን ነዋፍር። ንምንታይ ሎሚ ከም ዝተልዓለ እንተዘይተረደአኒ'ኳ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ቅድሚ ሕዚ ክልተ ግዘ ኣብ ዝተፈለየ እዋን ፈቲንና ኢና" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, FANA
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዓሚን ቅድሚ ዓሚን፡ ካልኦት ክልላት ምስ ተፈተኑ ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ሰሙን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ ምስ ተፈተኑ'ውን፡ ንዝተወሰኑ ከም ዝፈተኑን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓሙሽተ ሽሕ ተምሃሮ ከም ዝፈተኑን ይሕብር።
ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ኦሮምያ ንኣስታት 54 ሽሕ ተምሃሮ፣ ኣብ ትግራይ ድማ ኣብ 2016 ብክልተ ዙር ከም ዝፈተኑ ብምግላፅ፡ እዚ ክስተት ሎሚ ዓመት ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዘጋጠመ ኣይኰነን ይብል።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ፡ እቲ ቢሮ ናይ ባዕሉ ፈተና ብምድላው ንተምሃሮ ንምፍታን ኮሚቴ ተጣእሹ ናብ ስራሕ ከም ዝተኣተወን ፈተና ዝወሃበሉ ግዘ'ውን ዕላዊ ከም ዝግበርን ንቢቢሲ ገሊፁ።
ሃገራዊ ፈተና ክፍትን ዝኽእል ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈተናን ምዘናን ትምህርቲ ብማእኸላይነት ድማ ሚኒስትር ትምህርቲ እዩ እሞ፡ ብብርኪ ክልል ፈተና ኣዳሊኹም ንምፍታን እንታይ ሕጋዊ ስልጣን ኣለኩም? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ዶክተር ኪሮስ፡ ፈተና ናይ ምድላው ሕገ-መንግስታዊ መሰል ከም ዘለዎ መጕቱ።
እቶም ተምሃሮ ድሕሪ እቲ ክልል ዘዳለዎ ፈተና ምውሳዶም፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘለዋ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ተመዲቦም ከም ዝመሃሩ፡ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ተፈተንቲ ተምሃሮ፡ ኣብ ተቐባልነት እቲ ብክልላዊ ቢሮ ዝዳለው ፈተናን ውፅኢቱን ስክፍታ ስለ ዘለዎም፡ መፃኢኦም ከይበላሸው ይሰግኡ።
ማህደር፡ "ፈተና 12 ክፍሊ ብፌደራል ከም ዝዳለው ኢና ንፈልጥ፡ ደሓር ንዓና መን'ዩ ክፈልጠና? ኢትዮጵያውያን እንዲና፡ ንምንታይ ሕዚ ብክልል ንፍተን? ትግራይስ እንታይ ዓቕሚ ኣለዋ ብናይ ባዕላ ክትፍትነና? ደሓር'ኸ?" ዝብሉ ሕቶታት ተልዕል።
መርሃዊት ድማ፡ "ን12 ዓመት ዝኣክል ተመላሊስናስ፡ በቲ ናይ ሃገራዊ ሕጋዊ ፈተና ኢና ክንፍተን ንደልይ" ትብል።
ዳይሬክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈተናን ምዘናን ትምህርቲ ዶክተር እሸቱ፡ እዚ ካብ 22 ሓምለ ክሳብ 24 ሓምለ 2018 ዝወሃብ ፈተና፡ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ተምሃሮ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልኦት ክልላት'ውን ከም ዝወሃብ የነፅር።
"እዚ ወሲዶም፡ ሕዚ ምስ ዘሎ ሓደ ሓደ ፖለቲካዊ ፀገማት ኣራኺቦም፡ ፖለቲካዊ ዕዳጋ ንምትዕድዳግ ምፍታን ግቡእ ኣይኮነን። እዚ ኣብ 22 ሓምለ ዝወሃብ ፈተና ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ዝፍተኑ ተምሃሮ ጥራሕ ዝወስድዎ ኣይኮነን። ቁፅሮም ክበዝሕ ይኽእል'ምበር ኣብ ካልኦት ክልላት'ውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ዝፍተኑ ተምሃሮ ከምዘለዉ ክስመረሉ ይግባእ" ይብል።
ኣብ መንጐ ህወሓትን ማእከላይ መንግስትን እናገደደ ዝመፅአ ወጥሪ ወጥሪ ስዒቡ፡ ዳግማይ ግጭት ከይውላዕ ይስገአሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ እዚ ምስሕሓብ ዘጋጥም ዘሎ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
