ኣመሪካ ኣብ ህዋ ኣጽዋር ውግእ ከም ዘዋፈረት ንፈለማ እዋን ኣረጋጊጻ

ምንጪ ስእሊ, Thomas Traasdahl/Ritzau Scanpix/AFP via Getty Images
ኣመሪካ ኣብ ዑደት ምድሪ ኣጽዋር ህዋ ከም ዘዋፈረት ንፈለማ እዋን ኣረጋጊጻ። እዚ ድማ ዋሽንግተን ከምዚ ዓይነት ናይ መጥቃዕቲ ዓቕምታት ኣብ ህዋ ከም ዘለዋ ብወግዒ ዝተኣመነትሉ ናይ ፈለማ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣሎ።
ሓላፊ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ትሮይ ሜይንክ፡ እቲ ኣብ ዑደት ምድሪ ዝተቐመጠ ኣጽዋር፡ ንሓይልታት ኣመሪካ ካብ ጸላእቲ ክፍጸም ዝኽእል ተጻባኢ ስጕምቲ ንምክልኻል ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።
ሜይንክ ብሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣየር፡ ህዋን ሳይበርን ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኣመሪካ ንዝለዋወጡን እናዓበዩ ንዝመጹን "ሓደጋታት ንምግጣም ድልውቲ" ምዃና ሓቢሩ። ይዅን'ምበር፡ ብዛዕባ ዓቕሚ እቲ ኣጽዋር ወይ መዓስ ናብ ህዋ ከም ዝተወንጨፈ ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን።
ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ኣመሪካ፡ ሩስያን ቻይናን ኣብ እዋን ውግእ ሳተላይታት ኣመሪካ ንምጥቃዕን ንምዕንቃፍን ዘኽእለን መደባት የካይዳ ከም ዘለዋ ብምጥቃስ፡ ኣብ ህዋ ዘለዎም ወተሃደራዊ ዓቕሚ ናይ ምዕባይ ትልሚ ከም ዘለዎም ቅድም ክብል ገሊጾም።
ምምሕዳር ትራምፕ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ህዋ ዝምርኰስ ዓቕምታትን መከላኸሊ ሚሳይላትን፡ ንኣመሪካ ካብ ሚሳይላትን ካልኦት ካብ ኣየር ዝመጽኡ ስግኣታትን ንምክልኻል ዝተሓሰበ "ጎልደን ዶም" ዝተሰምየ ስርዓተ-ምክልኻል ወሳኒ ኣካል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኣብ 1967 ዝተኸተመ ኣህጉራዊ ውዕል፡ ኣብ ዑደት ምድሪ ብጃምላ ከጥፍእ ዝኽእል ኣጽዋር ምዕጣቕ ይኽልክል እዩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን፡ ኣመሪካ፡ ሩስያን ቻይናን ዝርከበአን ዓበይቲ ሓይልታት፡ ኣብቲ ውዕል ዘይተጠቕሱ ካልኦት ዓቕምታት ንምምዕባል ክጽዕራ ጸኒሐን እየን።
ካብዚኣቶም ከኣ ንወተሃደራዊ ርክባት፡ ስለያን ምምራሕ መንገዲን ወሰንቲ ንዝዀኑ ናይ ተቐናቐንተን ሳተላይታት ዒላማ ምግባር ይርከቦ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ኣስገዳዲ ትእዛዝ፡ ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ ንብረታትን ሃብትታትን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ኣጥቃዒ ሓይሊ እውን ናይ ምግልጋል ግደ ከም ዘለዎ ኣስሚሩሉ።
ቅድሚ 70 ዓመታት ዝተመስረተ ዝሓደሸ ጨንፈር ሰራዊት ኣመሪካ ዝዀነ ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ፡ ንርክብን ስለያን ዘገልግሉ ኣማኢት ሳተላይታት ሓዊሱ፡ ኣብ ህዋ ንዝርከቡ ንብረታት ኣመሪካ ንምሕላው ብ2019 ዝቘመ እዩ።
ወሃቢ-ቓል ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ምቍጽጻር ህዋ፡ ነቲ መዳይ ንምውሳእን ንምቍጽጻርን ዘድልዩ ኵሎም ዕማማት ዘጠቓልል እዩ። እዚ ድማ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ሓይሊ ብምጥቃምን ብዘይ ሓይሊን ኣቢልካ ብምዕንቃፍ፡ ብምድኻም፡ ወይ'ውን ብምዕናው ንዓቕምታት ተጻራሪ ሓይሊ ምጕዳእ የጠቓልል" ኢሉ።
ኣስዒቡ ድማ፡ "እዞም ዓቕምታት፡ ብትእዛዝ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ መሰረት፡ ንመጥቃዕቲ ይኹን ንምክልኻል ኣገልግሎት ክውዕሉ ይኽእሉ እዮም" ክብል ሓቢሩ።
ኣብ መጀመርታ ለካቲት፡ ሩስያ ንዩክረይን ካብ እትወርር ናይ 2022 ጀሚረን፡ ክልተ ሳተላይታት ሩስያ እንተ ወሓደ ዓሰርተ ክልተ ሳተላይታት ኤውሮጳ ርክባት ከም ዘምከና ተገሊጹ።
ከምዚ ዓይነት ናይ ስለያ ምጽንጻን፡ ትካላት ስለያ ሩስያ ዝመሓላለፉ ተነቀፍቲ ሓበሬታታት ንኸንብቡ፡ ወይ ድማ ብግምታዊ መንገዲ፡ ነተን ሳተላይታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽረን ንኸእትውአን ኣጋጣሚ ሂብወን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብ2024፡ ሩስያ ንኻልኦት ተመሳሰልቲ ሳተላይታት ናይ ምጥቃዕ ዓቕሚ ይህልዋ ይኸውን ተባሂሉ ዝእመነሉ ሳተላይት ናብ ህዋ ከም ዝወንጨፈት ኣመሪካ ገሊጻ። ሩስያ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ብወግዒ ዝሃበቶ ርእይቶ የሎን።
ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ ከም ዝገለጾ፡ ቻይና "ከም ኣካል ናይቲ ወተሃደራዊ ምምሕያሽ ስትራተጅያዊ ትልማ፡ ናይ ህዋን ጸረ-ህዋን ዓቕምታት ተማዕብልን ተካይድን ኣላ።"
ሩስያ ድማ ብወገና፡ "ንህዋ ከም መድረኽ ውግእ ብምርኣይ፡ ኣብ ህዋ ላዕለዋይ ኢድ ምሓዝ ኣብ መጻኢ ግጭታት ወሳኒ ረቛሒ ከም ዝኸውን ትኣምን።"
















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


