ኢትዮጵያን ስምምዕ ጥዕና ኣመሪካን፡ ስለምንታይ እዩ ሓያል ክትዕ ፈጢሩ?

ኣመሪካ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገበረቶ ናይ ጥዕና ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራትን ተጣበቕቲ መሰላትን ርሱን ክትዕን ተቓውሞን ፈጢሩ።
እቲ ስምምዕ ብገለ ሃገራት ተቓውሞ ዝገጠሞ ኰይኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ዘይተቐበላኦ ሃገራት እውን ኣለዋ። ካብዚኣተን ጋና፡ ዛምቢያን ዝምባብወን ይርከባአን።
ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ክልተኣዊ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ታሕሳስ 2025 ከም ዝፈረመት ተገሊጹ ኣሎ።
ኣመሪካ እቲ ስምምዕ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማትን ስርዓተ ጥዕናን ንምጥንኻር ዝዓለመ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸት፡ ተጣባቒ መሰላት ሂውማን ራይትስ ዎች ግን ስግኣት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ብሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሩዋንዳ፡ ኡጋንዳ፡ ናይጀርያን ሞዛምቢክን ዝተገብሩ ስምምዓት ከም ዝመርመረ ብምጥቃስ፡ እተን ሃገራት በቲ ስምምዕ መሰረት ናይ ጥዕና መረዳእታታት ንኣመሪካ ከም ዘቕርባ ገሊጹ።
እዚ ስምምዕ'ዚ ድሕነት ውልቃዊ መረዳእታታት ጥዕና ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ከም ዝኽእል እውን እቲ ትካል ኣጠንቂቑ።
ናይ ጥዕና መረዳእታ እንታይ እዩ? ንምንታይከ ይእከብ?
ኣብ ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲ ፔንሲልቫኒያ ስቴት፡ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ስነፍልጠት ጥዕና ሕብረተሰብ ዶ/ር ኣበባየሁ ንጉሴ፡ "ናይ ጥዕና መረዳእታ ካብ ውልቀሰባትን ሕብረተሰብን ዝእከብ ዝዀነ ምስ ጥዕና ዝተተሓሓዘ ሓበሬታ እዩ፡" ይብል።
እዚ ድማ ታሪኽ ሕማም፡ ኣገልግሎት ክታበት፡ ውጽኢት ምርመራ ላቦራቶርን ካልእ ሓደ ሰብ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ ከሎ ዝህቦም ሓበሬታታትን ዘጠቓልል እዩ።
ውልቃዊ መረዳእታታት ዝበሃሉ ዕድመ፡ ጾታ፡ ኣታዊ፡ ኵነታት ስድራቤትን ኣነባብራን፡ ኵነታት መውስቦን ብሓፈሻ መንነት ዝገልጹ ሓበሬታታትን እዮም።
ብደረጃ ሕብረተሰብ ድማ ታሪኽ ለበዳ፡ ክታበት፡ ስነ-መውርሳዊ ሓበሬታ (genetic data)፡ መጠን ልደትን ሞትን፡ ሕዱራት ሕማማትን ካልኦት ተመሳሰልትን ይካተቱ።
እዞም መረዳእታታት እዚኣቶም ካብ ሆስፒታላት ወይ ድማ ኣብ ስድራቤት ብዝግበር መጽናዕታዊ ሕቶታት ክእከቡ ይኽእሉ። ብዘይካ'ዚ፡ ትካላት ጥዕናን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ወጻእተኛታት ውድባትን ንስርሖም ከም እታዋት ክጥቀሙሎም ካብ ሕብረተሰብ ይእክብዎም እዮም።
ኣመሪካ ነዞም መረዳእታታት ንምንታይ ትደልዮም?
ዝርዝር እቲ ስምምዕ ዕላዊ ስለ ዘይተገብረ፡ ኣመሪካ ካብ ኢትዮጵያ እትደልዮ መረዳእታ ኣየናይ ምዃኑ ንጹር ከም ዘይኰነ ዶ/ር ኣበባየሁ ይገልጽ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ስምምዕ ክርአ ከሎ ምልውዋጥ መረዳእታ ሓደ ወገናዊ ጥራይ ይመስል። "ኣመሪካ ንኢትዮጵያ እትህቦ መረዳእታ ስለ ዘየሎ፡ ምስ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝተተሓሓዙ መረዳእታታት ካብ ኢትዮጵያ ከም እትደሊ ይርአ፡" ይብል ዶ/ር ኣበባየሁ።
ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝነበረ ምልውዋጥ መረዳእታት ቅልጡፍ ክታበት ንኽማሃዝ ከም ዝሓገዘ ብምዝኽኻር፡ ከምዚኦም ዝበሉ መረዳእታታት ኣቐዲምካ ምእካብ ጥቕሚ ከም ዘለዎ ይገልጽ።
በዚ መሰረት ድማ መረዳእታታት ላቦራቶሪ፡ ምልክታት ለበዳን ድጂታዊ መረዳእታታትን ናይ ምእካብ ዕድል ይህልዎ። እዚ ድማ ኣፈጻጽማ ስርዓተ ጥዕና ንምፍላጥን ናይ ጥዕና መደባት ንምድላውን ይሕግዞም።
ኢትዮጵያ በቲ ሓደ ወገን፡ እቲ ስምምዕ ስርዓተ ጥዕና ንምሕያል ከም ዝውዕል እኳ እንተ ገለጸት፡ ዶ/ር ኣበባየሁ ግን፡ "ካልኦት ሃገራት ኣብቲ ስምምዕ ሕቶ ምልዓለን ዘመልክቶ ነገር ኣሎ፡" ብምባል ዝርዝር ትሕዝቶኡ ክፍለጥ ከም ዘለዎ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Finance - Ethiopia
ጥቕምን ጕድኣትን መረዳእታ ጥዕና
'ቀዳምነት ንኣመሪካ' ተባሂሉ ብዝጽዋዕን ኣካል ስትራተጅያዊ ኣህጉራዊ ጥዕና ብዝዀነ ክልተኣዊ ስምምዕ መሰረት፡ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ሓደ ቢልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ክትህብ እያ። ምስ ኣፈጻጽማ እቲ ፕሮጀክት ተተሓሒዙ ድማ 150 ሚልዮን ዶላር ክውሰኽ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ኢትዮጵያ ብወገና ኣብ ዓውዲ ጥዕና 450 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ክትገብር ቃል ኣትያ ኣላ።
ምኒስትሪ ገንዘብ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ኢትዮጵያን ስርዓተ ጥዕናን ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኤምባሲ ኣመሪካ እውን እቲ ስምምዕ ንኢትዮጵያ ካብ ምድጋፍ ብተወሳኺ፡ "ዜጋታት ኣመሪካ ካብ ዓለማዊ ስግኣታት ጥዕና ከም ዝከላኸል፡" ገሊጹ እዩ።
ዶ/ር ኣበባየሁ፡ ሃገራት ዘካይድኦ ምልውዋጥ መረዳእታ ጥዕና ንምክልኻል ለበዳታት፡ ምርምርን ምስጋግር ቴክኖሎጅን ወሳኒ ምዃኑ ይገልጽ።
ምዕቡላት ሃገራት ለበዳ ኣብ ዝተላዕለሉ ቦታ ንምቍጽጻርን ቅልጡፍ መልሲ ንምሃብን ከምዚ ዓይነት መረዳእታ ይደልያ። "እቲ መረዳእታ ምልባዕ ሕማም ንምርኣይን መበገሲኡ ንምፍላጥን ወሳኒ እዩ፡" ብምባል ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘጋጠመ ለበዳ ኢቦላ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ይዅን'ምበር፡ እዞም መረዳእታታት ብኸመይ ይእከቡ? ብኸመይ ድሕነቶም ይሕሎ? ንሳልሳይ ወገን ንኸይመሓላለፉከ እንታይ ውሕስነት ኣሎ? ዝብሉ ሕቶታት ክምለሱ ከም ዝግባእ ዶ/ር ኣበባየሁ የረድእ።
ብፍላይ ስነ-መውርሳዊ ሓበሬታ ንኹባንያታት መድሓኒት ዓቢ እታዋት ብምዃኑ፡ ብዘይ ፍቓድ ንሳልሳይ ወገን ክመሓላለፍ እንተ ደኣ ኰይኑ "ጥሕሰት ሕጊ" ምዃኑ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, State House Kenya/fb
ባዮሎጅያዊ መረዳእታ ከም 'ኣጽዋር'
ዕቀባ መረዳእታ ጥዕና ሓደ ካብቶም ልዑላውነት ሃገር ዝኽበረሎም መንገድታት እዩ። ብፍላይ ስነ-ሕይወታዊ (ባዮሎጅያዊ) መረዳእታታት ከም ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክጥቀሙሎም ይኽእሉ እዮም።
ዶ/ር ኣበባየሁ፡ ድሕነቶም ዘይተሓለወ መረዳእታታት ጥዕና ንልኡላውነት ሃገር ተቓላዒ ከም ዝገብሮ ይገልጽ።
"ናይ ጥዕና መረዳእታ ባዮሎጅያዊ ኣጽዋር እዩ፡" ዝበለ ዶ/ር ኣበባየሁ፡ ሓያላት ሃገራት መረዳእታ ዘይለዋወጣሉ ወይ ድማ ውሱን ምልውዋጥ ጥራይ ዘካይዳሉ ምኽንያት እዚ ምዃኑ የብርህ።
ነዚ ድማ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ጓቲማላ ዘጋጠመ ታሪኻዊ ፍጻመ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። ኣብቲ እዋን ተመራማርቲ ኣመሪካ ፔኒሲሊን ዝተባህለ መድሃኒት ንምፍታን፡ ብኣሽሓት ዝቝቍጸሩ ዜጋታት ጓቲማላ ብሕማም ክተሓዙ ብምግባር "ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰብ ዝተፈጸመ ገበን" ኣካይዶ ነይሮም።
መንግስቲ ኣመሪካ ጸኒሑ ነዚ ፍጻመ ይቕረታ ሓቲትሉ እዩ።
ኢትዮጵያ እንታይ ክትገብር ኣለዋ?
ሰብመዚ ጥዕና ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ዝሃብዎ ዝርዝር ሓበሬታ የሎን።
ቢቢሲ ካብ ምኒስትሪ ጥዕና ሓበሬታ ንምርካብ ንሓላፊ ርክባት ዶ/ር ተገኔ ረጋሳን ንምኒስተር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባን ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰለጦን።
ዶ/ር ኣበባየሁ፡ ከምዚ ዓይነት ሃገራዊ ስምምዓት ብቐጥታ ኣብ ባይቶ ብዘሎ ንኡስ ኮሚቴ ጥዕና ክርአ ከም ዝነበሮ ይገልጽ።
"ዝወሃብ መረዳእታ እንታይ እዩ? ውልቃዊ ሓበሬታታት የጠቓልል ድዩ? ድሕነቱ ብኸመይ ይሕሎ? ንሳልሳይ ወገን ይወሃብ ድዩ? ዝብሉ ነጥብታት ብዕምቈት ክርኣዩ ይግባእ፡" ይብል።
ብተወሳኺ፡ መረዳእታ ጥዕና ዝህቡ ዜጋታት ክፈልጡን ክሰማምዑን ከም ዝግባእ ብምጥቃስ፡ ሰብ ሞያ ጥዕናን ሕግን ዝሳተፉሉ ዘተ ተገይሩ ነቲ ህዝቢ ግልጺ ክዀነሉ ከም ዝግባእ መኺሩ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
