ንሓደ ውሩይ ድሙ ንምሕካም ልዕሊ 52,000 ዶላር ተዋጺኡ

ጆርጅ ብስሙ ኣብ ዝወጽአ ዝተፈላለየ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ሕሳባት ከኣ ልዕሊ 260 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለዉዎ
መግለጺ ስእሊ, ጆርጅ ብስሙ ኣብ ዝወጽአ ዝተፈላለየ ሕሳባት ማሕበራዊ ሚድያ ከኣ ልዕሊ 260 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለዉዎ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ጆርጅ እዩ ሽሙ፤ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ስቶርብሪጅ ኣብ ዝርከብ ማእከል መንገዲ ባቡር ብብዝሒ ስለዝርአ፡ 'ጆርጅ ስቶርብሪጅ ጃንክሽን ካት' እናተባሃለ'ዩ ዝጽዋዕ።

ብስሙ ኣብ ዝወጽአ ዝተፈላለየ ሕሳባት ማሕበራዊ ሚድያ ከኣ ልዕሊ 260 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለዉዎ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ተጸሊእዎ ናብ ሕክምና ከም ዝኣተወ ዝሕብር ብስእሊ ዝተሰነየ ጽሑፍ ኣብ ፌስቡክ ምስ ተዘርግሐ፡ ኣብ ዝተፈለላየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቱ ንመሐከሚኡ ዝውዕል ልዕሊ 40 ሽሕ ፓውንድ [ልዕሊ 52 ሽሕ ዶላር] ኣዋጺኦምሉ።

እዚ ጻዕዳን ወርቃውን ሕብሪ ዘለዎ ፍቱው ድሙ ኣብ ፌስቡክ ጥራይ ልዕሊ 113 ሽሕ ሰዓብቲ'ዮም ዘለዉዎ።

ንማሕበራዊ ሚድያ ጆርጅ እተካይድ ሲሞነ ካርተር ብዛዕባ ኵነታት ጆርጅ ኣመልኪታ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ ጆርጅ እንታይ ከምዝሓመመ ንምፍላጥ ሕክምናዊ መርመራታት ይግበረሉ ከምዘሎ ንተኸተልቲ ሓቢራ።

"ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ብዘሎ መርመራታት ኩሊቱን ሳንብኡን ጽቡቕ ኣሎ ኣብ ሓናቱ ግን ቅሩን ምልክት ሕማም ኣለዎ" ኢላ።

ሲሞነ ካርተር፡ ጆርጅ ሸውሃቱ ምስ ተዓጸወን ድቃስ ምስ ኣበዮን ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ናብ ሕክምና ከምዝኣተወ ብምግላጽ ሓካይም ንምሕዋዩ ኵሉ ዝክኣሎም ይገብሩ ምህላዎም ሲሞነ ካርተር ሓቢራ።

ጆርጅ ኣብ ጎጉል ማፕ ከይተረፈ'ዩ ስሙ ሰፊሩ ዘሎ፡ ዝዀነ ሰብ ኣብ ጎጉል ማፕ ኣትዩ 'George the station cat' ኢሉ እንተጽሒፉ ጆርጅ ኣብ ወሰን መንገዲ ባቡር ደቂሱ እንከሎ ዘርኢ ስእሊ'ዩ ብቕጽበት ዝመጽኦ። በዚ ከኣ ስሙ ኣብ ጎጉል ማፕ ዝሰፈረ እንስሳ ተባሂሉ ክብሪ ክረክብ ክኢሉ'ዩ።

ጆርጅ ኣብ 2017'ዩ ኣብ ከተማ ስቶርብሪጅ ኣብ ዝርከብ መደበር ባቡር ክርአ ጀሚሩ፡ ዋናኡ ናብ ስጳኛ ምስ ተሰደደት ከኣ ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ባቡር ኣርዒምዎ።

እዚ ወዲ 12 ዓመት ዀይኑ ዘሎ ጀርጅ ብቅጽበት ህቡብነቱ እናበረኸ መጺኡ፡ ንዕኡ ዘድንቁ ከኣ ካብ ኣመሪካን፡ ካናዳን ኤስያን ከይተረፉ ክብርክቱ ጀሚሮም።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ከኣ ንታሪኹ እተዘንቱ መጽሓፍ ተጻሒፋ።

ሲሞነ ካርተር "ብብዙሓት ሰባት ፍቱው ዝዀነ ድሙ'ዩ፡ ጆርጅ ንብዙሓት ሰባት ተራ ኣብ ፌርማታ ናይ ባቡር ዝርከብ ድሙ ኣይኰነን" ኢላ።

"ነቶም በዚ መንገዲ ባቡር ዝሓልፉ ኣካል ናይ መዓልታዊ ህይወቶም'ዩ፡ ብፍላይ ነቶም ህይወት ዝበድሃቶም ኣብ ህይወቶም ሓጎስ ዝውስኸሎም ፍጡር'ዩ"

 ጂርጅ ስሙ ኣብ ጎጉል ማይ እንከይተረፈ'ዩ ኣትዩ
መግለጺ ስእሊ, ጂርጅ ስሙ ኣብ ጎጉል ማይ እንከይተረፈ'ዩ ኣትዩ

ሲሞነ ካርተር ምስ ቢቢሲ ራድዮ ዳብሊውኤም ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕት፡ ተረፍ ናይቲ ንመሐከሚ ጆርጅ ዝተዋጽአ ሰልዲ፡ ንኻልኦት እንስሳ ዘሐክሙ ትካላት ግብረ ሰናይ ክውዕል ምዃኑ ኣፍሊጣ።

"ነቲ ንጆርጅ ንምሕካም ዝተዋጽአ ሰልዲ ዝውህለሉ ናይ በይኑ ሕሳብ'ዩ ተገይርሉ፤ ስለዚ ሓንሳብ ኵሉ ናይ ሕክምና ወጻኢታት ናይ ጆርጅ ምስ ወዳእና፡ እቲ ዝተረፈ ንኻልኦት ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን እንስሳታት ኣብ ምእላይ ዝሰርሓ ትካላት ግብረ ሰናይ ክንህቦ ኢና" ኢላ።

ሲሞነ ካርተር ብምስዓብ ንሰዓብቲ ጆርጅ ንህሉው ኵነታቱ ኣብቲ ብሽሙ ዝወጽአ ማሕበራዊ ሚድያ ከተውጽኦ ምዃና ብምሕባር እቲ "ኣብ ሓደ ኵርናዕ ናይ ኢንተርኔት ጨረር ሓጎስ ዝዀነ ጆርጅ" ካብ ሕክምና ምስ ምሉእ ጥዕናኡ ክወጽእ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ።

ጆርጅ ኣብ መጀመርታ እዛ ዓመት ንታሪኹ ዘዘንተ መጽሓፍ ተሓቲሙሉ ኣሎ
መግለጺ ስእሊ, ጆርጅ ኣብ መጀመርታ እዛ ዓመት ንታሪኹ ዘዘንተ መጽሓፍ ተሓቲሙሉ ኣሎ