ኣብ ግጭት ኣመሪካን ኢራንን እንታይ'ዩ ክስዕብ? ኣርባዕተ ክህልዉ ዝኽእሉ ተኽእሎታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ልኡኽ ፓኪስታን ናብ ርእሰ ከተማ ኢራን ቴህራን ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ኣመሪካ ምስ ኢራን ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ተዅሲ ደው ምባል ክትጅምር ምዃና ይግመት።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፓኪስታን ዘአንገደቶ ልዕሊ 20 ሰዓታት ዝወሰደ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ብሰንበት ብዘይፍረ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ እቲ ኣቐዲመን ዝበጽሕኦ ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል ይቕጽል ኣሎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘለዎ ሓድሽ ስትራተጂ ክገልጽ እንከሎ፡ ነቲ ኣብ ኣህጉራዊ ንግዲ ነዳዲ ወሳኒ ዝዀነ ስትራተጅያዊ መስመር ማይ መጻብቦ ሆርሙዝ ምዕጻው ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ስለዚ፡ መጀመርታ ኣብ ስምምዕ ዘይምብጽሖም፡ ከምኡ'ውን እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ተወሳኺ ዝርርብ ናይ ምክያድ ተስፋ ብኸመይ ክንርእዮ ይግባእ? ኢራንን ኣመሪካን ናብ ቅዩድ ምዕራግ ድየን ወይስ ናብ ዝሰፍሐን ዘይተርፍን ኲናት'የን ከምርሓ?
ስዒቦም ክህልዉ ዝኽእሉ ኣርባዕተ ምዕባለታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
1. ተሃዋሲ ምቍራጽ ተጻብኦ ከም 'ታክቲካዊ ዕረፍቲ"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ናይ ሰሙናት ውግእ፡ ኣመሪካን ኢራንን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ምቍራጽ ተጻብኦ ክገብራ ምውሳነን፡ ነቲ ቅልውላው ንምግታእ ድልውነት ከም ዘለወን ዘመልክት ይመስል። ይዅን እምበር እዚ ካብ መሰረቱ ዘይንጹር ነገራት ዘሰነዩዎ እዩ ነይሩ።
እዚ ምቍራጽ ተጻብኦ ዝሽፍኖ ጂኦግራፊን ዒላማታትን፡ ከምኡ'ውን ትርጉም "ጥሕሰት ምቍራጽ ተጻብኦ" ዝብሉ ሓዊሱ፡ ኣብ ምትርጓም ውዕላት ዘሎ ፍልልያት፡ ገለ ተዓዘብቲ ነቲ ስምምዕ ካብ ዘላቒ ማዕቀፍ ንላዕሊ ከም ታክቲካዊ ዕረፍቲ ክወስድዎ ገይርዎም ኣሎ።
"እቲ ግጭት ምስ ተጀመረ፡ ካብ መጀመርታ ኣብ ስምምዕ ናይ ምብጻሕ ዕድሉ ዝጸበበ'ዩ ነይሩ፡" ይብል ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ፋውንዴሽን ምክልኻል ደሞክራስያውያን ላዕለዋይ ክኢላ ዝዀነ ቤህናም ቤን ታለብሉ።
"እዞም ኣመሪካን እስላማዊት ሪፓብሊክን ንዓመታት ዘይተሰማምዕሉ እኩብ መትከላት፡ መርገጺታትን ፖሊሲታትን እዮም። ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ እቲ ኲናት ነዚ ፍልልያት ከጕድሎ ኣይከኣለን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣሐይሉዎ'ዩ፡" ክብል ንቢቢሲ ፐርዢያ ተዛሪቡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካብ ሰበስልጣን ክልቲኡ ወገን ዝወጽእ ተጋራጫዊ መግለጺታት፡ ነቲ ኵነታት ዝያዳ ጓህሪ ወሲኽሉ ኣሎ።
ሰበስልጣን ኢራን ብዛዕባ ተደጋጋሚ ምጥሓስ ተዅሲ ደው ምባል ክዛረቡ እንከለዉ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ግን ዝያዳ ድሩት መብርሂ ኣተገባብራ ውዕላት የቕርባ።
እዚ ኣብ ተረኻት ዘሎ ፍልልይ፡ ዘይምትእምማን ኣዕሚቑን እቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ዘላቕነት ክህልዎ ድዩ ኣብ ዝብል ጥርጣረ ኣልዒሉን ኣሎ። ኣብዚ እዋን፡ ናብ መኣዲ ዘተ ንምምላስ ዝግበር ጻዕርታት እንተ ዘይተዓዊቱ፡ እቲ ተዅሲ ደው ምባል ካብ ግዜ ምዕዳግ ንላዕሊ ዝህልዎ ትርጉም ኣዝዩ ንእሽቶ ክኸዉን እዩ።
እዚ ድማ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ደው ክብሉ፡ ካብ ዝበጽሖም ክሳራ ከንሳእርሩን ዳግማይ ክጥርነፉን፡ መርገጺታቶም ዳግማይ ክግምግሙን ንዝቕጽል ምዕራፍ ክዳለዉን ዘኽእሎም እዩ።
እዚ ተኽእሎ'ዚ፡ ሓደ ወገን ካብዚ ህሉው ኵነታት ውሑድ መኽሰብ ይረክብ ኣለኹ ኢሉ እንተ ኣሚኑ ዝስዕብ ኰይኑ፡ ጸቕጢ ከም ዘድሊ እንተ ደምዲሙ ዝያዳ ዘእምን ይኸውን።
ንኣብነት፡ ኣመሪካ ድሕሪኡ ንኣገደስቲ ትሕተ ቅርጺ - መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ድልድላት ወይ መሳለጥያታት ጸዓት - ዒላማ ምግባር ከም ሓደ ክትወስዶ እትኽእል ኣማራጺ ክትሪኦ ትኽእል እያ።
ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ርኡይ ናይ ሓጺር ግዜ ጸቕጢ ከስዕብ ዝኽእል ይኽእል፤ ግን ሰፊሕ ሰብኣውን ቍጠባውን ሳዕቤናት ዝሓዘን ኢራን ተሪር ገብረ መልሲ ክትህብ ምኽንያት ክኸዉን ዝኽእልን እዩ።
ማዕረ ማዕሪኡ እስራኤል ከም ሓንቲ ኣብቲ ልዝብ ኣዝያ ተጠራጣሪት ኰይና ትቕጽል ዘላ ተዋሳኢት እቲ ኲናት፡ ጸላዊት ክትኸዉን ተኽእሎ ኣሎ።
ተመራማሪ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሓሚድሬዛ ዓዚዚ፡ "እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራናውያን ውልቀሰባትን ወሰንቲ ሰባትን ምቕታል ዝኣመሰሉ ተግባራት ክትጥቀም ትኽእል እያ - እንተላይ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ሰባት፡" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ዶናልድ ትራምፕ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ናይ ምዕጻው ፖሊሲኡ፡ እቲ ጐንጺ የጕሃህሮ'ዩ ዘሎ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ኲናት ናይ ምዕራግ ተኽእሎ ዕሽሽ ክነብሎ'ኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ክህሉ ዝኽእል ልዑል ወጻኢታት - ከም ሰፊሕ ዞባዊ ግጭትን ዓለማዊ ቍጠባዊ ጸቕጥን - እዚ ክኸዉን ዝኽእለሉ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ'ዩ።
2. "ጽላሎት ኲናት"

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
እቲ ሓደ ተኽእሎ - ምናልባት ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ክስዕቡ ዝኽእሉ - ናብቲ "ቍጽጽር ዝግበረሉ ምዕራግ" ኲናት ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ዓይነት ውግእ ምምላስ እዩ።
እዚ ማለት እቲ ግጭት ኣብ ደረጃ ምሉእ ኲናት ኣይበጽሕን ወይ ተራጸምቲ ወገናት ምሉእ ብምሉእ ካብ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣይቍጠቡን ማለት እዩ። እዚ ድማ ኣብ ትሕተ ቅርጺ፡ ወተሃደራዊ ዒላማታት፡ ወይ'ውን ኣብ መስመራት ቀረብ ከይተረፈ ዝበጽሕ ውሱን መጥቃዕቲ ምቕጻል ከጠቓልል ይኽእል።
ሽዑ ተራ ናይ ውክልና ተዋሳእቲ ዝያዳ ትርጉም ዘለዎ ክኸዉን እዩ። ምስ ኢራን ዝተሰለፉ ጕጅለታት ኣብ ዒራቕ ወይ ቀይሕ ባሕሪ ምንቅስቓስ ክገብሩ ይኽእሉ፤ ጐድኒ ጐኒ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እዞም መርበባት እትገብሮ ጸቕጢ፡ ጂኦግራፍያዊ ስፍሓት ናይቲ ግጭት ቀጥታዊ ጻዕቂ ከየርኣየ ክሰፍሕ ይኽእል። ገለ ተንተንቲ ነዚ ኵነታት "ጽላሎት ኲናት" ክብሉ ይገልጽዎ።
ሓሚድሬዛ ዓዚዚ ንቢቢሲ ኒውስ ፐርዥያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ክልቲኦም ወገናት ናብ ምሉእ ኲናት ከይኣተዉ ከለዉ፡ ኣማራጺታቶምን ሓይሊ ሚዛኖመን ተጠቒሞም ሓደ ነቲ ካልእ ክጸልዎ ክደልዩ'ዮም፡" ይብል።
"እቲ ተዅሲ ደው ምባል እንተ ተጣሒሱ፡ ኢራን ብመሓዙታ ኣቢላ - ብፍላይ ኣብ የመን - ሓድሽ ስጕምቲ ክትወስድ እትኽእለሉ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ ይግመት፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ተኽእሎ እዚ ግን ሓደጋታት ዘይብሉ ኣይኰነን። ወጥሪ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ሓደጋ ጌጋ ገምጋም እውን ክዓቢ ይኽእል፤ ዋላ'ውን ክልቲኦም ወገናት ነዚ ክጋድዱዎ እንተ ዘይሓሰቡ፡ ሓንቲ ጌጋ ገምጋም ነቲ ግጭት ናብ ዘይንቈጻጸሮ ደረጃ ከተቃልዖ ትኽእል እያ።
3. ዓውዓው ዘይብሉ ዲፕሎማሲ ይቕጽል

ምንጪ ስእሊ, Pool/Getty Images
ኣብ ፓኪስታን ዝተኻየደ ዝርርብ ዋላ እኳ እንተ ዘይተዓወተ፡ ዲፕሎማሲ ኣማራጺ ኣይከዉንን ወይ ልዝብ ካብ መኣዲ ምእላይ እዚ ጎንጺ ወጻኢ ኰይኑ እዩ ምባል ኣይከኣልን።
ፓኪስታን ከም ኣአንጋዲት ናይዚ ዝርርብ፡ ኣብ መንጎ ቴህራንን ዋሽንግተንን መልእኽቲ ብምሕላፍ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ንምትብባዕ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ጻዕርታታ ክትቅጽል ተኽእሎ ኣሎ።
ማዕረ ማዕሪኡ፡ ገለ መንጐኛታት - ከም ቀጠር፡ ዖማን፡ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ከይተረፈ - ነቲ ግጭት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ስክፍታታት ንምህዳእ፡ ከም መራኸቢ መስመራት ኰይነን ክሰርሓን ሃንደበታዊ ምብራኽ እቲ ቅልውላው ንምክልኻልን ንጡፋት ተዋሳእቲ ክዀናን ይኽእላ።
ይዅን እምበር እቲ ወሳኒ ነጥቢ ኣብዚ መንገዲ ዝዀነ ይዅን ምዕባለ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ መሰረታዊ ሃጓፋት ኣብ ምጽባብ ዝምርኰስ ምዃኑ እዩ።
ኣመሪካ ዘቕረበቶ 15 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ከምኡ'ውን ኢራን ዘቕረበቶ 10 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ፡ ክልቲኦም ወገናት ሕጂ'ውን ኣብ ማእከላይ ደረጃ ካብ ምብጻሕ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ማዕቀፋት ሰዓራይ ንክኸዉን ቀዳምነት ዝሃቡ'ዮም ዝመስሉ።
ስለዚ፡ ሓድሽ ዙርያ ዝርርብ ክካየድ ይኽእል፤ ግን ቅልጡፍን ኵለመዳያውን ስምምዕ ምጽባይ፡ እንተ ወሓደ ኣብ ሓጺር ግዜ ዘይክውንነታዊ ይመስል።
4. ቀጻሊ ክርደና ሓይሊ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኢራን እገዳ ባሕሪ ክገብር ከም ዝሓሰበን ዝዀነት መርከብ ነዳዲ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ከይትሓልፍ ከም ዝኽልክልን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ዝዀነት ብመጻብቦ ሆርሙዝ እትሓልፍ ንኢራን ናይ መተሓላለፊ ክፍሊት ዝኸፈለት መርከብ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ክዓግታ ምዃኑ ኣፈራሪሑ፤ እዚ ስትራተጂ እዚ ንኢራን ካብ ነዳዲ እትረኽቦ ኣታዊታት ንምምንዛዕ፡ ቍጠባኣ ንምሕናቕ፡ ብተመሳሳሊ ድማ ነታ ቀንዲ ዓዳጊት ነዳዲ ኢራን ዝዀነት ቻይና ንምውቃዕ ዝዓለመ ይመስል።
"እኹል ጸጋታት ስለያ፡ ምክትታልን ዳህሳስን (ISR) እንተ ተመዲቡ፡ ኣብ ወደባት እስላማዊት ሪፓብሊክ ብባሕሪ ዝግበር ምዕጻው ኣዝዩ ውጽኢታዊ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ክብል ቤህናም ቤን ታለብሉ ኣመልኪቱ።
"ግብራዊ ውጽኢት ናይ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ፡ መንግስቲ ቀንዲ ሸቐጣቱ ናብ ወጻኢ ናይ ምልኣኽ ዓቕሙ ምኽላእ'ዩ።"
ካልኦት ተንተንቲ ግን ከምዚ ዓይነት ፖሊሲ ንኣመሪካ ከስዕቦ ዝኽእል ርኡይ ወጻኢታት ኣመልኪቶም፤ ወተሃደራዊ ሓይልታታ ናብ ኢራን ምጽጋዕ ንመጥቃዕቲ ዝያዳ ተቓላዕቲ ክገብሮም ከም ዝኽእል ይዛረቡ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ውጥን ውጽኢታዊ ንክኸውን፡ ሓይልታት ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ጥቓ ዶባት ኢራን ንነዊሕ እዋን ተዋፊሮም ክጸንሑ ከድልዮም እዩ፣ እዚ ድማ ልዑል ወጻኢታት ከስዕብ እዩ።
ከምዚ ዓይነት ፖሊሲ፡ ምውሳኽ ዓለማዊ ዋጋታት ነዳድን ጸዓትን ከስዕብ እውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ንመጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ንምዝራግ ብሑቲ ምትእትታው ናይ ምግባር ተኽእሎኡ ክውስኽ ይኽእል፣ እዚ ድማ ዋጋ ነዳዲ ዝያዳ ክውስኽ ይገበሮ።
መዋቕራዊ ዘይምርግጋእ - እቲ ሓድሽ ስርዓት እቲ ዞባ?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ መወዳእታ ውጽኢት እዞም ተኽእሎታት፡ እቲ ዞባ ኣብ መንጎ ኲናትን ሰላምን ዘሎ ዶብ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ድብዝዝ ኣብ ዝበለሉ ምዕራፍ ምእታዉ እዩ።
ኣብ ፓኪስታን ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ ምፍሻሉ፡ ምጽንቃቕ ዕድላት ዲፕሎማሲ ኣየመላኽትን። ከምኡ'ውን ውዱእ ምጅማር ሰፊሕ ኲናት ዘመልክት ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ንመቐጸልታ ዘይንጹር ኵነታት - gray-zone- እዩ ዘመልክት።
"ክልቲኦም ወገናት እዚ ግጭት ክውዳእ እኳ እንተ ደለዩ፡ እዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ክኸውን ዝኽእል ኣይመስልን፡" ይብል ሓሚድሬዛ ዓዚዚ።
ሕጂ ዘሎ ሃዋህው፡ ታክቲካዊ ውሳኔታት፡ ሕቶታት ጸጥታ፡ ዋላ'ውን ኣብ ባይታ ዝረኣዩ ንኣሽቱ ምዕባለታት፡ ኣብ ሓፈሻዊ መስመር ናይቲ ቅልውላው ልዕሊ ዓቐን ጽልዋ ክህልዎም ይኽእል።
እዚ ድማ ብዙሓት ተንተንቲ ኣብቲ ዞባ "መዋቕራዊ ዘይምርግጋእ" ይስዕብ ኣሎ ክብሉ ገይሩዎም ኣሎ።
እዚ ኵነታት'ዚ ሕግታት ናይቲ ሰሓቦ ጕተቶ ምሉእ ብምሉእ ዘይተነጸረሉን ውጽኢቱ ዘይግመትን እዩ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ ምናልባት እቲ ዝበለጸ ቅኑዕ መግለጺ፡ ኢራንን ኣመሪካን ኲናትን ዘተን መሳ ንመሳ ኣብ ዝግንጸልሉ ምዕራፍ ኣትየን ምህላወን እዩ። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ወተሃደራዊ ስጕምቲታት ይቕጽሉ ኣለዉ፣ ዲፕሎማስያዊ መስመራት እውን ብኸፊል ክፉት ገይሮምዎ ኣለዉ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


