ጣኒቆ፡ 'ሰብ'ዩ መኽሰብ' - ዛንታ ናይቲ ንህዝቢ ዘፍቀረን ብህዝቢ ዝተፈቕረን ድምጻዊ
![ተመስገን ገብረስላሴ [ጣኒቆ]](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/f2c4/live/c6c20530-9473-11f1-9c5d-d98f7a576cad.png.webp)
ምንጪ ስእሊ, SM
"ተመስገን ገብረስላሰ መን እዩ?" ኢልካ ንሓደ ሰብ እንተ ሓቲትካዮ፡ ቀልጢፉ ምላሽ ከይህበካ ይኽእል እዩ።
መጸውዒ ስሙ ቀይርካ "ተመስገን ጣኒቆኸ?" ምስ እትብሎ ግን፡ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያንን ክንዮኡን ብዛዕባኡ ዘይነጽፍ ዛንታ ድፍንቕ ሕሉፍ እዋን ንእስነት፡ ጦብላሕታ ናፍቖትን ክትሰምዕ ግድን እዩ።
ኣብ ፈለማ 2000ታት፡ ንብዙሓት መንእሰያት ዘስቈንቈነን መሰነይታ ፍቕሮም ዝዀነ ዜማታት ዝዓንገለን ድምጻዊ ተመስገን፡ ኣብ ኣስመራ ዝተወልደ ኰይኑ፡ እታ 'ጣኒቆ' እትብል ሳጓኡ ማዕረ ሽሙ እያ ምስኡ ዓብያ።
ደርፍታቱ ዶባት ኤርትራ ሰጊሩ ኣብ ክሊ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ካብኡ ሓሊፉ ኣብቲ ዝነብሩሉ ዓለምን ዝተሰምዐ እዚ ስነጥበባዊ፡ ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መዘራረቢ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ።
ካብቲ ዘሐጕስ ተዘክሮታት ስነጥበቡ ክሳብ'ቲ ኣብዚ እዋን ዘጋጥሞ ዘሎ ከቢድ ጥዕናዊ ፈተና፡ ዛንታ ተመስገን ጣኒቆ ዛንታ ናይ ሓደ ወለዶ እዩ።
ካብ እንዳ ችክሊስታ ክሳብ ፍቕሪን ሓዳርን
ተመስገን ኣብ ንእስነቱ፡ ኣብ ከባቢ መደበር፡ ድሒሩ እውን ዕዳጋ ዓርቢ ኣብ ዝርከብ 'እንዳ ሳዕሪ' ብሽክለታታት ዘዕርን ዘካርን ዝነበረ ትጉህ መንእሰይ ምንባሩ መተዓብይቱ ይምስክሩ።
ኣዝዩ ፍሉይ ክእለት ዝነበሮ ዘዋር ብሽክለታ ብምንባሩ፡ ካብ ብሽክለታኡ ከይወረደ ኣብ መሬት ዝወደቐት ሳንቲም ከልዕል ከም ዝኽእል እውን፡ ንሱን መተዓብይቱን የዘንትዉ።
እዛ ሞያን ክራይን ብሽክለታ እዚኣ ድማ እያ ነታ ሎሚ ኣደ ሸውዓተ ደቁን ብዓልቲ ቤቱን ዝዀነት መጻምድቱ ህዝባዊት ተስፋይ ዘራኸበቶ።
ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትቱ ባዕሉ ከም ዝገለጾ፡ ሌላኦም ዝተጀመረ፡ ንሳ ናብቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እንዳ ቺክሊስታ ብሽክለታ ክትካረ ምስ መጸት እዩ ነይሩ።
እዚ መባእታዊ መበገሲኡ ድማ፡ ንህይወቱ ብለጋስነትን ሓልዮትን ክሃንጻ ኣኽኢሉዎ እዩ። መተዓብይቱ ክምስክሩ ከለዉ፡ ተመስገን ካብ ዘለዎ ተኻፊሉ ዝበልዕ፡ ኣዝዩ ለዋህን ለጋስን ሰብ ምንባሩ ይምስክሩሉ።
ጣኒቆ - እቲ 'ለጋንተ' ኣከዳድናኡን
ኣብ መወዳእታ 1990ታት ኣብ መርዓታት ክደርፍ ዝጀመረ ተመስገን፡ ኣብ መጀመርታ 2000ታት ኣብ ከም 'ዌስት ኢንድ'ን 'ዋርሳይ'ን ዝኣመሰሉ ክለባት ለይታዊ ትልሂታት ኣስመራ ብዘቕርቦ ዝነበረ ምኡዝ ደርፍታት ንብዙሓት ክምስጥ ክኢሉ እዩ።
ድምጹን ጥበባዊ ኣቀራርባኡን ኣብ ህዝቢ እናሰረጸ ምስ ከደ፡ እታ 'ጣኒቆ' ትብል ስም፡ ንተመስገን ጥራይ ዘይኰነትሲ ብፍላይ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ሳጓ ብዙሕ ነገራት እያ ኰይና።
ብስሙ ዝጽውዓ ኣውቶቡሳት፡ 'ጣኒቆ' ዝተሰምየ ክዳን፡ ጫማ፡ ቍናኖ፡ ማስቲካን ካልእን ኣዝዩ ብዙሕ ነይሩ እዩ።
ክሳብ ክንደይ ኣብ ልቢ ህዝቢ ከም ዝሰረጸ ንምርዳእ፡ ኣንስቲ ኣስመራ ነቲ ርዝን ዝበለ ጽቡቕ ጣፍ ክዕድጋ ኸለዋ "ጣኒቆ ዝዀነ ጣፍ እዩ" ክሳብ ምባል በጺሐን ነይረን እየን።
ካብ ዕዳጋ ዓርቢ ዝተበገሰት ስም ድማ፡ ቀስ ብቐስ ናብ መላእ ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን ከይተረፈ ተላበዐት።
ብተወሳኺ፡ ተመስገን "ለጋንተ" እናተባህለ ዝጽዋዕ ውጹእ ናይ ኣከዳድና ቅዲ ነይሩዎ። ኣብ መድረኽ ደርፊ፡ ኣብ በዓላት ወይ ቃለመሕትት ሓንሳብ ዝተኸድኖ ክዳን ደጊሙ ኣይክደንን ነይሩ - ተባሂሉ እዩ ዝዝረበሉ።
ኣብ ሓደ መድረኽ ክደርፍ ከሎ እኳ፡ ድሕሪ መድረኽ ብምኻድ ካልእ ፍሉይ ኣብ ዕዳጋታት ኣስመራ ብዙሕ ዘይርከብ ክዳን ቀይሩ እዩ ዝምለስ ነይሩ።
በዚ ኸኣ ማዕረ'ቲ ማራኺ ደርፉ ብኣከዳድናኡ እውን ልሉይን ህቡብን ነበረ።
'ዋላ ኣይከሰብ' - እታ በሪ ዝኸፈተት ኣልበም
ነዚ ዓሚቝ ናይ ኣደራርፋ ዓቕሙ ዘለለዩ ከም ገጣሚ ሳሙኤል ኣልመደን ገጣምን ዘያምን ኣኽሊሉ ተስፋጽዮንን፡ ብሓባር ኰይኖም ምልእቲ ኣልበም ክሰርሑሉ ተሰማምዑ።
ብ2004፡ ብምትሕብባር ዲጀይ ጃክ ዳንኤል (መዋሊ ኣልበም)፡ 'ዋላ ኣይከሰብ' ዝተሰምየት 10 ደርፍታት ዝሓዘት ናይ ፈለማ ኣልበሙ ናብ ህዝቢ ተዘርግሐት።
"ዋላ ኣይከሰብ፡" "መገሻ (ፍዮሪ)፡" "ፈልፋሊት ፍቕሪ፡" "ግዳይ መልክዕኪ፡" "ኣጆኺ፡" "ብጋህዲ ነዕልል" ዝኣመሰላ ደርፍታት ዝሓዘት እዛ ካሴት፡ ኣብ ባራት፡ ኣብ ኣውቶቡሳት፡ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛውቲ ብብዝሒ ትስማዕ ነበረት።
ሳሙኤል ኣልመደ (3 ግጥሚ)፡ ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን (7 ግጥምን ዜማን)፡ ጊደይ የውሃንስን (2 ዜማ) ኣርኣያ ሃይለን (1 ዜማ) ብምውጻእ ዝተዳለወት እዛ ኣልበም፡ ንተመስገን ጣኒቆ ኣብቲ ዓመት (2004)፡ ብደረጃ ኣልበም ኰነ ብንጽል ደርፊ ናይቲ እዋን ዝለዓለ ሽልማት ዝዀነ 'ሽልማት ራይሞክ ከም ዝዓትር ገበረቶ።
ፍቕርን ጓለንስተይትን ኣብ ደርፍታቱ

ምንጪ ስእሊ, SM
ተመስገን ጣኒቆ ኣብ ደርፍታቱ፡ ንጓለንስተይቲ ኰነ ንብዓልቲ ቤቱ ብኣዝዩ ክቡርን ልዑልን መልክዕ እዩ ዘቕርባ።
እዚ ኣቀራርባኡ ድማ እዩ ኣብ ልቢ ብዙሓት ስድራቤታትን መንእሰያትን ፍሉይ ቦታ ክሕዝ ዝገበሮ። ንኣብነት ኣብታ "ሕሉፍኪ" እትብል ደርፉ፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወት ናይታ ዘፍቅራ ጓል ንዝንዛሕ ወረታትን ጠቐነታትን ነጺጉ፡ ንሓንቲ ጓል ብሕሉፍ ታሪኻ ከም ዘይመዝና ከምዚ ክብል ይገልጽ፤
እቲ ሕሉፍ ህይወትኪ ጉዳየይ ኣይኰነን
ትማሊ ምስ መን ዘይርኪ ዘእትወኒ ኣይኰነን...
እዝን ወዲ ኸምዝን ኣነ ኣይሓተክን እየ
ናይ ትማሊ ኣይኰንኩን ናይ ሎሚ እየ ኣነ።
ኣብ "ኣጆኺ" ዝተሰምየት ዜማኡ ድማ፡ ንሓንቲ ኣብ ጓህን ጸገምን ዝወደቐት ጓል ከተጸናንዕን ተስፋ ክትህብን ከላ፡
ኣጆኺ ኣይትጕሃዪ - ኣይትሕዘኒ ብኸንቱ
... ጸልማት ተቐንጢጡ ብርሃን ክመጽእ እዩ..." ብምባል ኣለኹልኪ ይብላ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ኣብታ "መገሻ / ፍዮሪ" እትብል ደርፊ ድማ፡ ርሕቀት ንፍቕሮም ከም ዘይድምስሶ ከረጋግጸላ ከሎ፤
ንሳ መገሻ ኰይኑ ነገሩ፡ ኣነ ናፍቖት ኰይኑኒ ጾሩ
ይጽበየኪ ኣለኹ ፍዮሪ - ዕምባባ ናይ ልበይ... እናበለ ይደርፍ። ከምኡ'ውን ኣብ "መሞናየ"፡ "ብጋህዲ ነዕልል"ን "ረስዓኒ ኣይትበልኒ"ን ካልኦትን፡ ዘለዎ ዓሚቝ ናይ ፍቕሪ ክብርታት የንጸባርቕ።
ሃገራዊ ቃናታት - 'ሰራዊትና ንህቢ'
ተመስገን ብዘይካ'ቲ ናይ ፍቕሪ ኣልበማቱ፡ ኣብ እዋን ሃገራዊ በዓላት ኤርትራ ካብ ዘቕርበን ዝነበራ ኣዝየን ህቡባት ሃገራውያን ደርፍታት ብቐዳምነት እትስራዕ "ሰራዊትና ንህቢ" እያ።
ብተወሳኺ ምስ ህቡብ ድማጻዊ ዮሃንስ ትካቦ - ወዲ ትካቦ ዝደረፋ "እምኒ ዓረ፡" "ሃገረይ ትሕመዪ ኣለኺ" ዝኣመሰላ ንጽል ደርፍታት እውን ኣፍርዩ እዩ።
ኣብ "ሰራዊትና ንህቢ" ዝብል ደርፉ፡ ንሰራዊት ኤርትራ ብፍሉይ ምሳሌኣዊ ኣገላልጻ (Metaphor) ምስ ንህቢ እዩ ዘመሳስሎ።
ልክዕ ከምቲ ንህቢ ጥዑም መዓር ዘፍሪ፡ እቲ ሰራዊት እውን ንህዝቡን ሃገሩን ጥዑም፡ ሓላይን ሰላም ዝህብን እዩ፤ ብኣንጻሩ ድማ፡ ልክዕ ከምቲ ንህቢ ንቐፎኣ ዝመጸ ወራሪ ብሓባር ኰይና እትነድፎ፡ እቲ ሰራዊት እውን ንዶባቱ ዝግህስን ንሃገሩ ዝደፍርን ጸላኢ ብትሪ ዝነድፍን ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ መድረኽ ነዛ ደርፊ ከቕርባ ኸሎ፡ በቲ ዝነበሮ ፍሉይ ኣከዳድና (ለጋንተ) ኰይኑ፡ ብብርቱዕ ስምዒትን ወኒን ነቲ በዓል ናጽነት ኤርትራ ክጽንብል ኣብ ስታድዩም ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ የልዕሎ ነበረ።
እዚ ድማ ኵለንተናዊ ድምጻዊ ምዃኑ የረጋግጽ።
'ሰብ'ዩ መኽሰብ'
ድሕሪ'ታ ቀዳመይቲ ኣልበም፡ ነዊሕ ከይጸንሐ 'ሰብ'ዩ መኽሰብ' እትብል ካልኣይቲ ኣልበሙ ብሻም ኤሌክትሮኒክስ ኣሕቲሙ ዘርግሐ።
እዛ "ሕሉፍኪ፡" "ፍትሕ በዲልዋ፡" "ኣዳም'ዩ መምህርና፡" "መሞናየ፡" "ረስዓኒ ኣይትበልኒ" ዝኣመሰላ 9 ደርፍታት ዝሓዘት ኣልበም ንዝናኡ ዝያዳ ኣደልደለቶ።
ብፍላይ እታ "ሰብ'ዩ መኽሰብ" እትብል ማሕበራዊ ፍልስፍና ዘለዋ ደርፉ፡ ናይዛ ዓለም ነገር ብገንዘብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰብ እተተኵር ምዃና ከምዚ ክብል ይገልጾ፤
ንስኺ'ውን ዶ ተቐይርክኒ ሂብክኒ ዝባንኪ...
ከምኡ እንድዩ ጸገም ንገለ የትርሮ
ንገለ ይስዕሮ ንገለ ይረትዖ፣ ንገለ የትብዖ...
ኵሉ ዝርከብ ይሰኣን
ኵሉ ዝመጽእ ይኸይድ
ኵሉ ዝጥዕሞ ይሓስሞ
ገንዘብ ይርከብ እዩ ይጠፍእ
መልክዕ'ውን ይረግፍ እዩ ይጽምሉ - ሰብ'ዩ መኽሰብ እቲ እንኮ ነባሪ ንሱ እንተሎ ኵሉ ይስተኻኸል!
ጽገ-ሮዳይ ጽገ-ሮዳ ነዚ ግዜ ኣይትእመኒዮ
ናይ ሎሚ ፈንጠራዕ ሕማቕ እዩ
መወዳእታኡ ይኸውን ጓሂ ንብዓት
ርእይዮ ዶ'ቲ ትማሊ ኣበይ ኣሎ ሎሚ?
ግዜ እናተለዋወጠ ይነብር ከም ደመና
ዘለዓለም ዝነብር እዚ ፍቕርና እዩ ናትና።
ስለዚ ኣይትሕዘኒ ኣይትጨነቒ
እዚ ጸገም ሓላፊ እዩ ክሓልፍ እዩ
ንስኺ ጥራይ ምሳይ ኩኒ ንስኺ እንተለኺ ኵሉ ኣሎኒ።
ሰብ'ዩ መኽሰብ እቲ እንኮ ነባሪ ንሱ እንተሎ ኵሉ ይስተኻኸል..

ምንጪ ስእሊ, Buruk Tv
እቲ ን19 ዓመታት ዝተዓፈነ ስቕታን ፈተናን
ዝናኡ ሰማይ ዓሪጉ ዝነበረ ተመስገን ግን፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ብሃንደበት ካብ መድረኻት ኣቋረጸ። ቅድሚ 4 ዓመታት ኣብ ሓደ ናይ ዩቱብ ቻነል ምስ ቀረበ፡ ኵነታት ጥዕናኡ ጽቡቕ ከም ዘየለ ተራእዩ እዩ።
እቲ ካናሪ ዝጥዕም ዝነበረ ድምጹ ፈሪሱ፡ ኣብ ኣካላቱ እውን ብተመሳሳሊ ለውጥታት ተራእየ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣብ ካምፓላ (ኡጋንዳ) ሙዚቃዊ ምርኢት ንምቕራብ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ዝተቐርጸ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ተዘርግሐ፡ ብዙሕ ሰብ ብኵነታት ጥዕናኡ ሰምቢዱ እዩ።
ተመስገን ናይ ቀደም ድምጹ እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ ኣብቲ ዝተዳለወ መደብ ግን ንደርፍታቱ ምስ ምሉእ ወኑ እዩ ኣቕሪቡዎ።
ተመስገን ብልክዕ እንታይ ከም ዝዀነን እንታይ ይሓምም ከም ዘሎን ብንጹር ዝሕብር ወግዓዊ ሓበሬታ እኳ እንተ ዘየለ፡ ቢቢሲ ነዚ ኵነታት ንምጥላል ምስኡን ምስ ብዓልቲ ቤቱን ብቐጥታ ቃለ-መሕትት ንምግባር ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰለጠን።
'ሰብ'ዩ መኽሰብ' ብግብሪ - ዝወሓዘ ህዝባዊ ደገፍ
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሓገዝ ንምእካብ ኣብ ዝተኸፍተ ናይ 'ጎ-ፋንድ-ሚ' መርበብ ሓበሬታ፡ ተመስገን ካብ 2006 ጀሚሩ ን19 ዓመታት ምስ ከቢድ ሕማም ብትብዓትን ብስቕታን ክቃለስ ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ ኣሎ።
እዚ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሕማም፡ ንክእለቱ፡ ናብ ስራሕን መድረኽን ንምምላስ ዘለዎ ዓቕምን ከም ዘዳኸሞ ይሕበር።
7 ውሉዳት ዘለውዎ ኣቦ ብምዃኑ ድማ፡ እዚ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ኣእምሮኣዊን ፋይናንሳዊን ኵነታት ስድራቤቱ ከቢድ ጾር ፈጢሩ ኣሎ።
እዚ ኵነታት ምስ ተሰምዐ፡ 30 ሽሕ ዶላር ኣውስትራልያ (ኣስታት 21 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ) ንምእካብ ብዝብል ዕላማ ዝተጀመረ ጐስጓስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ልዕሊ 254 ሽሕ ዶላር ኣውስትራልያ (ኣስታት180 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ) ብምእካብ ዕላማኡ ብኣስታት 800% ሓሊፉዎ ይርከብ።
እዚ ብገንዘብ ዝግለጽ ዘሎ ደገፍ፡ ሰብኣውነት ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፡ ተመስገን ጣኒቆ ክሳብ ክንደይ ኣብ ልቢ ህዝቢ ኣትዩ ከም ዝጸንሐ ዘረጋግጽ ጭቡጥ መርትዖ እዩ።
እዚ ትንቢት ዝመስል ቃላት ናይ ደርፉ፡ ሎሚ ብኣብነት ኣብ ህይወቱ ይፍጸም ኣሎ። ኵሉ ይመጽእን ይኸይድን እኳ እንተዀነ፡ "ሰብ እዩ መኽሰብ እቲ እንኮ ነባሪ" ዝበሎ፡ ሕጂ ህዝቡ ኣብ ጐድኑ ጠጠው ብምባል የረጋግጸሉ ኣሎ።
እቲ ብተመስገን ጣኒቆ ዝተዘርአ ፍቕሪን ተዘክሮን ኣብ ህዝቢ ሱር ሰዲዱ ከም ዘሎ፡ እዚ ዝግበረሉ ዘሎ ደገፍ ዓቢይ ህያው ምስክር እዩ።
ቢቢሲ ንህቡብ ድምጻዊ ተመስገን ጣኒቆ ምሉእ ጥዕናን ምሕረትን ይምነየሉ።



![ኵናት ቓዛ ካብ ዝጅመር 1.9 ሚልዮን [90 ምኢታዊት ካብ ነበርቲ ቓዛ] ካብ ቤቶምን ንብረቶምን ከምዝተፈናቐሉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብር](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/449b/live/1de67870-93f5-11f1-a10f-45ed743c6e4b.jpg.webp)








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



