እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ነፋሪቱ ብኢራን ዝተሃረመት ኣመሪካዊ ፓይለት ኣብ መጀመርታ ቃለ መሕተቱ እንታይ ኢሉ?
ኣብ ኲናት ኢራን ነፋሪቱ ዝተሃረመት ኣመሪካዊ ፓይለት፡ ነፋሪቱ ድሕሪ ምህራማ ናብ መሬት ንምዕላብ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ፓራሹት ምኽፋት ስለዝኣበዮ ብኣዝዩ ልዑል ፍጥነት ምስ መሬት ከምዝተላግዐ ሓቢሩ።
እቲ ሽሙ ብወግዒ ዘይተገለጸ ኣመሪካዊ ፓይለት፡ ምስ መደበር ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ፓራሹተይ ምስራሕ ምስ ኣበየኒ ዝነበረ ህሞት ኣብ ህይወተይ ተሰሚዑኒ ዘይፈልጥ ፍርሒ'ዩ ተሰሚዑኒ"ይብል።
ኣመሪካ እታ ነፋሪት ምስ ተሃረመት ነቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ክልተ መራሕቲ ኣብ ኢድ ኢራናውያን ንኸይወድቁ ዓቢ ስርሒት'ያ ኣካይዳ።
እቲ ሰንበት ኣብ መደበር ዜና ኤስቢሲ ዝተቓለሐ ቃለ መሕተት፡ እቲ ኵነታት ኣብ ሚያዝያ ድሕሪ ምግጣሙ ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኵነታት ንመጀመርታ ግዜ'ዩ ቃለ መሕተት ዝካየድ ዘሎ።
እቶም ክልተ ኣብታ ዝተሃረመት ነፋሪት ዝነበሩ ኣመሪካውያን ወተሃደራት፡ እታ ነፋሪት ምስ ተሃረመት ናብ መሬት ክዓልቡ እንከለዉ ኣብ በበይኑ በታ'ዮም ዓሊቦም፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪካ ንምድሓኖም ይሰርሑ ምህላዎም ብምእማን ከኣ ካብ ሓይልታት ኢራን ክሕብኡ'ዮም ተገዲዶም።
እቲ ኣብቲ ቃለ መሕተት ብራቮ ዝብል ስም ዝተውሃቦ ኣመሪካዊ ፓይለት "[ፓራሾት ምስ ኣበየኒ] ብስሕበት ምድሪ ብናህሪ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበርኩ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ እቲ ዝኸዶ ዝነበርኩ ፍጥነት ነቲ ዝኣበየኒ ፓራሹት ከዐርዮ'የ ዝፍትን ነይረ" ኢሉ።
ብራቮ ዋላ ድኣ ኣብ ክሳዱ፡ መንኩቡን ኢዱን መስበርቲ እንተጋጠሞ፡ እቲ ብሕይወት ዝተረፈሉ ኣጋጣሚ "ተኣምር'ዩ" ብምባል'ዩ ገሊጽዎ።
እቲ ንሱ ምስ መሬት ዝተላጋዓሉ ፍጥነት ኣብ ሰዓት ካብ 113 ክሳብ 161 ኪሎሜተር'ዩ ነይሩ።
እቲ ካልእ ምስኡ ዝነበረ ኣልፋ ዝብል ስም ዝተውሃቦ ፓይለት፡ ምስ ኤስቢኤስ ቃለ መሕተት ክገብር ንዝቐረበሉ ዕድመ ኣይተቐበሎን።
እታ ክልተ መራሕቲ ዘለውዋ 30 ሚልዮን ዶላር ዝዋጋኣ ኤፍ-15 ኢ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ብሓደ 100 ሽሕ ዶላር ዋጋኡ ሚሳይል ኢራን ተሃሪማ ከምዝወደቐት ማዕከን ዜና ኤስቢኤስ ይሕብር።
ብራቮ፡ ዋላ'ኳ መስበርቲ እንተኣጋጠሞ፡ ኣብ ኢድ ሓይልታት ኢራን ከይወድቕ ብምፍራሕ፡ ብእግሩ ተጓዒዙ ናብ ሓደ ከሕብኦ ዝኽእል በሪኽ ቦታ ከምዝበጽሐ ኣብሪሁ።
"[ከም ምሩኽ] ኣብ ተለቪዥን ኢራን ንዘይምቕራብ ዝዀነ ዓይነት ሞራል ከተጕድል የብልካን" ኢሉ።
ኣልፋ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰዓታት፡ ጽዑቕ ውግእ ብዘካተተ ስርሒት ከምዝደሓነ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ገሊጹ።
ፒት ሄግሰት "ክኣትዉን ክወጽኡን'ዮም ዝዋግኡ ነይሮም፡ ንኣልፋ ረኺቦም ከኣ ኣድሒኖምዎ" ኢሉ።
ብራቮ ኣብ ብድሕሪ መስመር ሰራዊት ኢራን ን48 ሰዓታት ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ብዝተኻየደ ፍሉይ ስርሒት ሰራዊት ኣመሪካ ክድሕን ክኢሉ።
ኣብቲ ስርሒት ኣስታት 90 ዝዀኑ ንኸምዚ ዓይነት ስርሒት ዝተመልመሉ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ዶባት ኢራን ኣትዮም ምንባሮም ኣባል ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣድሚራል ብራድ ኩፐር ሓቢሩ።
ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ መሬት ኢራን ኣጋር ሰራዊት ከተእቱ ኣብ ውሽጢ 46 ዓመታት እዚ ናይ ፈለማ'ዩ።
እተን ነቲ ስርሒት ዝተዋፈራ ነፈርትን ሄሊኮፕተራትን ግን ኣብ መሬት ምስ ዓለባ ኣብ ሑጻ ተሸኺለን ክብገሳ ስለዘይክኣላ፡ ኣብ ኢድ ሰራዊት ኢራን ንኸይኣትዋ ከምዝተቃጸላን እቶም ናብቲ ስርሒት ዝተዋፈሩ ሰራዊት ብኻልኦት ሄሊኮፕተራት ከምዝወጽኡን'ዩ ተገይሩ።
ካብተን ሽዕኡ ብሰራዊት ኣመሪካ ብደይ መደይ ዝተቓጸላ ክልተ ነፈርቲ ኣመሪካ ነፍሲ ወከፈን 100 ሚልዮን ዶላር ከምዝትመና ኤስቢኤስ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ 'ሊትል በርድ' ተባሂለን ዝጽውዓ ሄሊኮፕተራት'ውን እቲ ዝዓጠቓኦ ቴክኖሎጂ ኣብ ኢድ ኢራን ንኸይወድቕ ኣብቲ ቦታ ከምዝተቓጸላ ኤስቢኤስ ኣፍሊጡ።
እቲ እስራኤልን ኣመሪካን ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኸፈታኦ ልፍንታዊ ኲናት ኣስታት ሓሙሽተ ሰሙን ኣብ ዘቝጸረሉ'ዩ እዛ ንብራቮን ኣልፋን ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ብሚሳይል ኢራን ተሃሪማ።
እቲ ኣብ ውሑዳት ሰሙናት ክውዳእ'ዩ ዝተባህለ ኲናት ኢራን'ውን ሕጂ ሻውዓይ ወርሑ ሒዙ ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብ ሕዳር ናይ ኮንግረስ ፍርቂ እብረ መረጻ ንምክያድ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን ከኣ ኣድላይነት እቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ብዙሓት ኣመሪካውያን ተቐባልነት ይንፈጎ'ሎ።
መብዛሕትኡ እዚ ዘይዕግበት ካብ ብርቱዕ ወሰኽ ዋጋታት ዓለማዊ ጸዓትን ኣብ ካልኦት ኣቑሑት ዘስዕቦ ናህሪ ዋጋታትን ዝምንጩ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ኲናት እንተወሓደ ክሳብ 3 ሕዳር መዓልቲ መረጻ ክቕጽል ምዃኑ ኣተንቢሁ ነይሩ።