እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ብዛዕባ ባዕዳውያን ፍጡራት ዝዘርገሐቶ ሓድሽ ሓበሬታ
ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ 'ፔንታጎን' ብዛዕባ መንነቶም ዘይተፈልጡ ነፈርቲ ነገራት (UFOs) ሓድሽ ሓበሬታ ኣውጺኡ አሎ።
እዚ ሓበሬታ እዚ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእዩ ቪድዮታት፡ ምስልታትን ሰነዳትን ዘጠቓልል እዩ።
ሓደ ካብቶም ቪድዮታት፡ ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ መንበሪ ከባቢ ዝንሳፈፉ ዘይተለምዱ ነገራት የርኢ።
ኣብ ካልእ ቪድዮ ድማ ኣብ ልዕሊ ፓስፊክ ውቅያኖስ ጸሊምን ክቢን ዝኾነ ነገር ክንሳፈፍ ጸኒሑ ኣሰሩ ከጥፍእ ይርአ።
ፔንታጎን ሓያሎ ፒዲኤፍ ሓዊሱ 41 ሓደስቲ ሰነዳት እዩ ዘርጊሑ ዘሎ።
ካብቶም ሰነዳት እቲ ቀዳማይ ኣብ 1953 ዝተሰነደ ክኸውን እንከሎ እቲ ዳሕረዋይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምዃኑ ይግመት።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ብ8 ግንቦት 161 ሰነዳት ድሕሪ ምዝርግሑ ተወሳኺ ሓበሬታ ከምዝዝርግሕ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ሓደ ካብቶም ቪድዮታት ኣብ 2021 ኣብ ወሽመጥ ዖማን ዝተቐርጸ ኰይኑ፡ ዝዀነ ጸሊም ዘይተፈልጠ ነገር ብዘይተለምደ መንገዲ ክንቀሳቐስ ይረአ።
ንመጀመርታ ግዜ ክርአ እንከሎ ሃመማ ይመስል። ግን ድማ ስፍሓቱ 1.2 ሜትሮ እዩ።
መንነቱ ዘይተፈልጠ ዘይስሩዕ ተርእዮ (ዩኤፒ) ምዃኑ ድማ ተጸብጺቡ።
ዩኤፒ ዝብል ቃል መንግስቲ ኣመሪካን ሳይንቲስታትን መበቆሎም ዘይፍለጡ ነገራት ንምግላጽ ዝጥቀሙሉ ምሕጻረ ቃል እዩ።
እዞም ኣካላት እዚኣቶም ኣብ ባሕሪ፡ ኣብ ምድርን ኣብ ኣየርን ክርከቡ ይኽእሉ።
ኣብ 2025 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ብወተሃደራዊ ካሜራ ኣመሪካ ዝተቐርጸ ቪድዮ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ከባቢ መንበሪ፡ ክቢ ቅርጺ ዘለዎ ነገር ትኽ ብዝበለ መስመር ክንቀሳቐስ የርእይ።
ኤፍቢኣይ ዝዘርግሖ ሓደ ሰነድ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023፡ ኣብ መንጎ ቦስተንን ዳብሊንን በረራ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ እቲ ፓይለት ናይቲ ነገር ኣብ ሰማይ ብርሃን ከምዝረኣየ ሓቢሩ ነይሩ።
ካልኦት ፓይለታት ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ተመሳሳሊ ብርሃን ርእዮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እውን ገሊጹ።
እቲ ፓይለት፡ ነዞም ብልጭታ ብርሃናት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2023 ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ እንተወሓደ 10 ግዜ ከምዝረኣዮምን እዩ ይዛረብ።
ኣብ 2019 ኣብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ዝተቐርጸ ቪድዮ፡ ተንቀጥቂጡ ካብ ጸጋም ናብ የማን ይንቀሳቐስ።
እቲ ቪድዮ ብኢድ ብእተታሕዘ ካሜራ ዝተቐርጸ ስለዝነበረ፡ እቲ ነገር ክንቀሳቐስ ዝርአ ብሰንኪ ቀረጻ ክኸውን ከምዝኽእል ተጠቒሱ እዩ።
ብ1953 ዝተዳለወ ፒዲኤፍ ሰነድ፡ ብኣሃዱ ትንተና ምስሊ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝተገብረ ትንተና ክልተ ቪድዮታት ዝሓዘ እዩ።
እቶም ብ1950ን 1952ን ኣብ ምዕራባዊ ኣመሪካ ዝተሳእሉ ቪድዮታት፡ እቶም ባዕዳውያን ኣካላት መጠን ብርሃኖም ክብ ክብል እንከሎ ጎኒ ጎኒ እውን መጠኖም ክውስኽ እንከሎ የርእዩ።
እቶም ነገራት "ካብ ዝኾነ ዝፍለጥ ተፈጥሮኣዊ ነገር" ዝተፈልየ ባህርያት ከምዘርእዩ እዩ ተገሊጹ።
ሓደ ብፔንታጎን ዝተዘርገሐ ምስሊ፡ ስሉስ ኩርናዕ ዘለዎ ነገር ብክቢ ብርሃን ተኸቢቡ የርኢ። እቲ ብርሃን ኣብቶም ሰለስተ ቅርጽታት እቲ ማእዝን ይረኣዩ።
ነዚ ዝተዓዘቡ ክልተ ወተሃደራት ኣመሪካ ነበር እዮም - ኣብ 2011።
ኣመሪካውያን ብዛዕባ ባዕዳውያን ፍጥረታት (ዩፎ) ዘርእይዎ ተገዳስነት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እናወሰኸ መጺኡ እዩ።
ኣብ 2022 ኮንግረስ ኣመሪካ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ዩፎ ንፈለማ እዋን ዘተ ተኻይዱ ነይሩ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ'ውን ንዩፎ ምስጢር ካብ ምግባር ርሒቑ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ ግሉጽነት ከተኩር ከምዝደሊ ኣፍሊጡ እዩ።
ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል ኣብ ቀጻሊ ተወሳኺ ሓበሬታ ክዝርጋሕ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።