'ሙዚቃ ሃይማኖተይ እዩ' - ስንብታ ኤርትራዊ 'ንጉስ ቦክስ ጊታር' ዩሱፍ ስዒድ

ምንጪ ስእሊ, SM
እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ብምኡዝ ዜማታቱን ፍሉይ ናይ ቦክስ ጊታር ኣጻውታኡን ንልቢ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ሰማዕቲ ክሰልብ ዝጸንሐ ገዲም ድምጻዊ ዩሱፍ ስዒድ፡ ኣብ መበል 74 ዕድመኡ ሰኑይ 24 ነሓሰ 2026 ኣብ ካይሮ ግብጺ ካብዛ ዓለም ከም ዝተፈልየ ስድራቤቱ ሓቢሮም።
ምስኡ ኣብ ካይሮ ዝጸንሐ ወዱ ናሆም ዩሱፍ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ስነ-ጥበበኛ ብሰንኪ ሕማም ሽኮር ዘስዓበሉ ዕውለት (diabetic coma) እዩ ዓሪፉ።
ዩሱፍ ስዒድ ሓደ ካብቶም ደርፍታቶም ዓሰርተታት ዓመታት ተሳጊሮም ክሳዕ ሕጂ ብመንእሰያት ደጊሞም ዝዝየሙን ኣብ ልቢ ሰማዕቲ ፍሉይ ቦታ ዘለዎምን ድምጻውያን እዩ።
ኣብ ካርቱምን ካይሮን ምስኡ ናይ ምርኻብ ዕድል ዝረኸበ ሙዚቀኛን ሃያስን ደንደን እስማዒል ንሞያዊ ብቕዓት እቲ ድምጻዊ ክገልጽ እንከሎ፡ "ኣብ ኤርትራ ሓደ ሰብ ቦክስ ጊታር ሒዙ እንተ ርኢኻ፡ ንማንም ሰብ ቀዳምነት ኣብ ርእሱ ዝመጽኦ ዩሱፍ ስዒድን እቶም ብቦክስ ጊታር ዝደረፎም ምኡዛት ደርፍታቱን እዩ፤ ብሓጺሩ ዩሱፍ ናይ ኤርትራ ንጉስ ቦክስ ጊታር እዩ እንተ ተባህለ ዝተጋነነ ኣይኰነን፡" ይብል።
ደንደን ወሲኹ፡ ኵሎም ዜማታት ዩሱፍ ብዘመናዊ ህርመትን ጽፉፍ "chord progression" ወይ ውህደት ዜማን ዝተሰርሑ ብምዃኖም፡ ከም ኢንስትሩመንታል ክጽወቱ ኣዝዮም ዝምችኡን ንጥበቡን ስምዒቱን ዝምስክሩን ምዃኖም ይገልጽ።
ከምኡ'ውን ዩሱፍ ብቦክስ ጊታር ዝጻወቶ ዝነበረ ቅዲ (Fingerpicking style)፡ ንዜማታቱ ፍሉይ ረቂቕነትን "ክላሲካል" ዝዀነ መልክዕን ከም ዝሃቦም ይምስክር።
ብ1952 ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝተወልደ ዩሱፍ ስዒድ፡ ሙዚቃዊ ጕዕዞኡ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ጊታር ብምልማድ እዩ ጀሚርዎ።
ምስ መተዓብይቱ ከም ብዓል እንጅነር ኣስገዶም ወልደሚካኤል፡ መልኣከ ገብረን በላይ ኣውዓሎምን ኰይኑ፡ ኣብ ከም ማሕበር ረድኤትን ስካውትን ዝኣመሰሉ መድረኻት ክደርፍ ምጅማሩ ኣብ 2015 ምስ ራድዮ ኤስ-ቢ-ኤስ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ ነይሩ።
ብዘይካ እቲ ብሉጽ ስነ-ጥበባዊ ተውህቦኡ፡ ብሞያ ስፌት'ውን ወሓለ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ዩሱፍ፡ ደቂ መንደፈራ ብሙዚቃኡ ጥራይ ዘይኰነስ እተን ወሓለታት ኣእዳዉ ብዝሰፍያኦም ዝነበራ ዘመናዊ ክዳውንቲ'ውን ይዝክሩዎ እዮም።
ዩሱፍ ካብ 1981 ጀሚሩ ኣብ ካርቱም ሱዳን ክነብር እንከሎ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት-ስፌት ብምኽፋት፡ ክዳውንቲ ብምስፋይን ዝተፈላለዩ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ዲዛይናት ብምውጻእን መነባብሮኡ ይመርሕ ከም ዝነበረ ወዱ ናሆም ይሕብር።
ዩሱፍ ኣብ 1970ታት ክልተ ኣልቡማት ብምፍራይ እዩ ኣብ እዝኒ ሰማዕቲ በጺሑ። ብፍላይ "ማዕረ ይዅን እቲ ፍቕርና/ ንስኺ'ውን ከማይ ኵኒ" ከምኡ'ውን "ምሳኺ ምሳኺ ይሕሸኒ ፍቕረየ/ ናበይ ሓዲግክኒ በይነየ" ዝኣመሰላ ደርፍታቱ፡ ኣብ መንእሰያት እቲ ግዜ ዓቢ ጽልዋ ዝነበረን ኰይነን፡ ንብዙሓት ፍቕሮም ክገልጹ ዝሓገዘኦም ፍርያት እየን።
ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፡ ኣብ 2000፡ ሓደ ካብቶም ዝጸንሑ ኣልቡማቱ ደጊሙ ብምቕራጽ ሓድሽ ህይወት ክህቦ ፈቲኑ ነይሩ።
እዚ ኣልቡም'ዚ ብወግዒ ዝተሓተመ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እተን ኣብኡ ዝነበራ ከም "ኣዒተይ"፡ "ኣሳፍሪ"፡ "ብርሃን ዓይነይ" ከምኡ'ውን "ምሳኺ" ዝኣመሰላ ደርፍታቱ፡ ብኣፍቀርቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዩቱብን ተዘርጊሐን ብሰፊሑ ይስማዓ እየን።

ምንጪ ስእሊ, SM
ድሕሪ 2001 ድማ "ዘዋር ዓይኒ"፡ "ማዓር"፡ "ዘፍቀረ"፡ "ኣብ ልበይ"፡ "በየን"፡ "ንፋታሕ"ን "ንዓይ"ን ዝተባህላ ደርፍታት ዝሓዘ ኣልቡም ንሰማዕቲ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ወዱ ኖሆም ከም ዝገለጾ፡ "ብግጥሚ መልክዕ ዝተጻሕፉ፡ ክሳዕ ሕጂ ንህዝቢ ዘይተዘርገሑ ልዕሊ 50 ሓደስቲ ደርፍታት ኣለዎ።"
ኣብ 2015 ምስ ዩሱፍ ስዒድ ሰፊሕ ቃለመሕትት ዘካየደ ጋዜጠኛ ኤስቢኤስ በየነ ሰመረ፡ ንዩሱፍ "ኣዚዩ ብሱልን ለባምን" ክብል ይገለጾ።
በየነ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ "ዩሱፍ ቃለመጠይቕ ክገብር ኣይተርኣየን፡ እቲ ሓበሬታ ምስ ረኸብኩ ግና እቲ ኣጋጣሚ ከምልጠኒ ኣይደለኹን፡" ይብል።
ዩሱፍ ድሕሪ ክንደይ ንቓለመሕትት ተሰማሚዑ። በየነ ጦብላሕታኡ ክገልጽ እንከሎ፡ "ዩሱፍ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ብሕቱው ዓለም ዝነበረን ረዳኢ ዘይነበሮን ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ፤ እቲ ፈጣሪ ዝዓደሎ ተውህቦኡ ከይተጠቐመሉ ከም ኣብ ዕትሮ ዝኣተወት መብራህቲ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡" ይብል።
ዩሱፍ፡ ሓደ ክገልጾ ዘይደለየ ሰብ ንዝደረሶም ደርፍታት ወሲዱ ከም ዘጥፍኣሉ ብዓቢ ጓሂ ከም ዝገለጸሉ'ውን በየነ ይዝክር።
ዩሱፍ ስዒድ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ሳባ ኣብ መወዳእታ 1974 ኣብ መንደፈራ እዮም ተላልዮም። ሳባ፡ ቀንዲ ኣድናቒት ስነ-ጥበባዊ ስርሓቱን ዝነበረት ኰይና፡ ኣብ 1977 ዳንኤል ዝተሰምየ በዅሪ ውሉዶም ወሊዶም፤ ንሳቶም ብሓባር ሓሙሽተ ውሉዳት ኣፍርዮም እዮም።
ኣብ ሓዘን እትርከብ ብዓልቲ ቤቱ ሳባ ብዛዕባ ዕረፍቱ ክትገልጽ እንከላ፡ "[ንዩሱፍ] ብምኽሳርና ዓቢ ሓዘን ይስምዓና ኣሎ፡" ክትብል ስምዒታ ኣካፊላ።
ዩሱፍ ኣብ ግዜ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ እቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ፖለቲካዊ ትርጕም ዝሓዘሉ ደርፍታቱ፡ ኣብ 1974ን 1978ን ክልተ ሳዕ ብስርዓት ደርግ ተኣሲሩ እዩ።
ንኣብነት ከም "ኣነ ዓዲ ውዒለ ወንጭፈይ በቲኸየ/ ውኻርያ ከይተብልዑለይ ሃየ 'ዘን ኣባጊዐየ"፡ "ጸሊአኪ ካብ ቅድመይ ርሓቒ/ ኣይደልን'የ ሽማግለ ዓራቒ፡" ዝብላ ስርሓቱ ብፖለቲካዊ መልእኽተን ይፍለጣ። ብድሕሪ'ዚ ድማ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ።
ኣብ ምያዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ኲናት ሓድሕድ ድሕሪ ምውልዑ፡ "ኣይወጽእን እየ" ኢሉ ኣብ ካርቱም ጸኒሑ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ቀጽሪ ቤቱ ደብዳብ ምስ ተፈጸመ ግን ደቁ ሒዞሞ ናብ ካይሮ ግብጺ ተጓዓዙ።
እቲ ብመልክዑን ብኣከዳድናኡን "ሓለፈ" ዝበሃለሉ ከም ዝነበረ ዝግለጽ ምልኩዕ ድምጻዊ፡ ኣብ ስደት ሓደስቲ ደርፍታት ንምንታይ ከም ዘየፍረየ ምስ ተሓተተ፡ "ኣብ ስደት እቲ ሙድ ኣይትረኽቦን ኢኻ፤ ህይወት ኣፍሪስካ ህይወት ክትሃንጽ ቀሊል ኣይኰነን፡" ዝብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።
"ሙዚቃ ሃይማኖተይ እዩ ነይሩ" ዝበለ እዚ ንሓያሎ ዓመታት ብጥበቡ ህዝቢ ዘዘናግዐ ስነ-ጥበበኛ፡ ነታ ብ1981 ዝሓደጋ ሃገሩ ደጊሙ ከይርኣያ ኣብታ ካልኣይ ዕቝባ ዝሓተተላ ካይሮ ህይወቱ ሓሊፋ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



