ዝተዓግተ ሃብቲ ኢራን፡ እቲ ገንዘብ ኣበይ ኣሎ፡ ስለምንታይከ ኣገዳሲ ኰይኑ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምልቃቕ እቲ ተዓጊቱ ዘሎ ሃብቲ ኢራን፡ ኣብ መንጎ ኢራንን ሃገራት ምዕራብን ካብ ዘለዉ ዝተሓላለኹን ኣከራኸርትን ጉዳያት ሓደ ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ።
እዚ ጉዳይ'ዚ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ኲናት ንምብቃዕ ተባሂሉ ምስ ኣመሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ እተፈረመ መዘክር ምርድዳእ ቀንዲ ባእታ እዩ።
ቴህራን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተዓጊቱ ንዘሎ ገንዘባ ክትረክብ ንነዊሕ እዋን ክትጽዕር ጸኒሓ እያ፤ እንተዀነ፡ ብሰንኪ እገዳታትን ቀይድታት ባንክን ክሳዕ ሕጂ ክትረኽቦ ኣይከኣለትን።
መብዛሕትኡ እቲ ሃብቲ ኣብ ኣመሪካ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ዋሽንግተን ግን እቲ ገንዘብ ክልቀቕ ድዩ ኣይፋሉን ኣብ ዝውስን መስርሕ ወሳኒ ተራ እያ እትጻወት።
ክኢላታት ከም ዝሕሩዎ፡ ካብዚ ገንዘብ'ዚ እተወሰነ ክፋሉ እውን እንተ ተለቒቑ፡ ነቲ ብሰንኪ ናይ ዓመታት እገዳታትን ቍጠባዊ ተነጽሎን፡ ናህሪ ዋጋታትን ምንቍልቋል ዋጋ ባጤራን፡ ከምኡ'ውን ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ብዝገጠመቶ ናይ ቀረባ እዋን ኲናት ዓቢ ጕድኣት ንዝበጽሖ ቍጠባ እታ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ደገፍ ክዀኖ እዩ።
እንተዀነ፡ ዘለዉ ሕጋዊ፡ ፋይናንሳውን ፖለቲካውን ዕንቅፋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ናብ ክውንነታዊ ምስግጋር ገንዘብ ንምቕያሩ ኣብ ዝግበር ጕዕዞ፡ እቲ መንገዲ ዝሓላለኸን ዝሕቱልን ክኸውን ምዃኑ የጠንቅቑ።
ብዝዀነ፡ እዚ ገንዘብ'ዚ ብልክዕ እንታይ እዩ? ኢራንከ ንኽንደይ ካብኡ ብቐሊሉ ክትረኽቦ ትኽእል?
እቲ ሃብቲ እንታይ ዘጠቓልል እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg via Getty Images
ጠቕላላ ዋጋ እቲ ተዓጊቱ ዘሎ ሃብቲ ኢራን ብልክዕ ክንደይ ምዃኑ ዝገልጽ ወግዓዊ ኣሃዝ የሎን። እንተዀነ፡ ግምታት ካብ 27 ቢልዮን ክሳብ ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጽሕ የረድእ።
እቲ ገንዘብ ኣብ ሓደ ብቐሊሉ ክንቀሳቀስ ዝኽእል ሕሳብ ባንኪ ዝተቐመጠ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ፡ ካብ ኣታዊታት ነዳዲ፡ ሰደድ ነዳዲ፡ ጋዝን ኤለክትሪክን ዝተረኽበ እቶት፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝርከቡ መዐቀቢታት ባጤራ ወጻእን ምስ ሕጋዊ ክርክራት ተኣሳሲሮም ዘለዉ ሃብትታትን ዝሓዘ ኰይኑ፡ ገሊኦም ክርክራት ዓሰርተታት ዓመታት ዘቝጸሩ እዮም።
ኢራን ናብ ወጻኢ ሃገራት ነዳዲ ክትሸይጥ ከላ፡ እቲ ክፍሊታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓዳጊት ሃገር ኣብ ዝርከብ ሕሳብ ባንኪ እዩ ዝቕመጥ። እገዳታት ድማ ነቲ ገንዘብ ናብ ሃገራ ንምምላስ ዕንቅፋት ኰይኑዋ ጸኒሑ።
እቲ መጀመርታ ብዓቢ ደረጃ ዕገታ ሃብቲ ዝጀመረ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ 1979 ኣብ ቴህራን ዘጋጠመ ቅልውላው ጅሆታት ኤምባሲ ኣመሪካ እዩ። ድሒሩ ብዝተገብረ ስምምዕ ገለ ሃብትታታ እኳ እንተ ተለቐቐ፡ እቶም ቅድሚ 1979 ምስ እስላማዊ ሰውራ ኣብ ዝተፈረሙ ገለ ወተሃደራዊ ውዕላት ዘለዉ ጠለባትን ሃብትታትን ግን ዛጊት ፍታሕ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።
እቲ ካልኣይን ዝሰፍሐን ዕገታ ሃብቲ፡ ካብ 2011 ክሳዕ 2012 ዝጀመረ ኰይኑ፡ ዝሓየለ ንዩክለሳዊ እገዳታትን ነታ ሃገር ካብ ገለ ክፋላት ዓለማዊ ስርዓት ባንኪ ምግላላን ዘጠቓለለ ነይሩ። እዚ ከኣ ኣመሪካ ካብቲ ናይ 2015 ንዩክለሳዊ ስምምዕ (JCPOA) ኣብ 2018 ድሕሪ ምስሓባ፡ ዝያዳ ተሪሩ እዩ።
ቀይድታት እናሰፍሐ ምስ ከደ፡ እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተዓጊቱ ዝተርፍ ዘሎ እቶት እናወሰኸ ከይዱ። እዚ፡ ብወግዒ ዝተዓግተ ወይ ክንቀሳቐስ ዘይክእል፡ ወይ ድማ ንኣጠቓቕማኡ ጽኑዕ ደረት ዝተገብረሉ እዩ።
ኣብ ቤትምኽሪ ማእከላይ ምብራቕ ንዓለማዊ ጉዳያት ክኢላ ቍጠባ ፍረደሪክ ሽናይደር ከም ዝገልጾ፡ "ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዕገታ" ኣለዉ፤ ብወግዒ ዝተዓግተ ገንዘብ፣ ናብ ሃገር ክምለስ ዘይክእል እቶት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ቀጻሊ ሕጋዊ ክርክራት ዝርከብ ገንዘብ፣ ዘጠቓልል እዩ።
እቲ ገንዘብ ኣበይ ተቐሚጡ ኣሎ?

መብዛሕትኡ እቲ ተቐይዱ ዘሎ ሃብቲ ኢራን ካብ ኣመሪካ ወጻኢ እዩ ዝርከብ።
ሓደ ዓቢ ክፋሉ ኣብታ ዓባይ ዓዳጊት ነዳዲ ኢራን ዝዀነት ቻይና እዩ ዝርከብ፤ ካብ 20 ክሳብ 50 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጽሕ ድማ ይግመት። ካልእ ዓቢ መጠን ገንዘብ ኣብ ዒራቕ ምስ ሰደድ ጋዝን ኤለክትሪክን ተኣሳሲሩ ዝተቐመጠ ኰይኑ፡ ካብ 10 ክሳብ 15 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጽሕ ይግመት።
ደቡብ ኮርያ ኣስታት 6 ቢልዮን ዶላር ዝግመት እቶት ነዳዲ ኢራን ሒዛ ከም ዝነበረት፡ እዚ ከኣ ብመሰረት ኣሃዛት ኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ 2023 ናብ ሕሳባት ቀጠር ከም ዝተመሓላለፈ ይሕበር።
ይዅን'ምበር፡ ዋሽንግተን ጸኒሓ፡ ኢራን ነዚ ገንዘብ'ዚ ኣብ ቀረባ እዋን ክትጥቀመሉ ከም ዘይትኽእል ብምሕባር፡ ኣብ ዶሓ ተዓሺጉ ከም ዝተርፍ ገይራቶ።
ካብዚ ወጻኢ፡ ኵሉ እቲ ካልእ ገንዘብ ኣብ ከም ህንዲ፡ ጃፓንን ሉክሰምበርግን ዝኣመሰላ ሃገራት ይርከብ።
ብኣንጻሩ፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ፍርዲ ኣመሪካ ዘሎ መጠን ገንዘብ ብተዛማዲ ንእሽቶ እዩ፤ ብመሰረት ኮንግረስ ኣመሪካ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ምስ ውሳነታት ቤትፍርድን ጠለባት ካሕሳን ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ምልቃቑ ኣዝዩ ተኣፋፊ ጉዳይ እዩ።
ተራ ኣመሪካ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
እቲ ገንዘብ መብዛሕትኡ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ እኳ እንተ ሃለወ፡ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊኡ ዘለዋ ጽልዋ ካብቲ "ካልኣይ ደረጃ እገዳታት" ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዩ ዝምንጩ።
እዚ ስጕምቲ እዚ ንኢራን ጥራይ ዘይኰነ፡ ምስኣ ንግዳዊ ዝምድናታት ንዘለዎም ናይ ወጻኢ ባንክታት፡ ትካላትን መንግስታትን እውን ዝዓለመ እዩ።
ገንዘብ ኢራን ንምምሕልላፍ ዝተሓባበር ዝዀነ ይዅን ትካል፡ ካብ ፋይናንሳዊ ስርዓት ኣመሪካ ናይ ምግላል ወይ መቕጻዕቲ ናይ ምብያን ሓደጋ የጋጥሞ።
ብሰንኪ እዚ፡ እተን ገንዘብ ኢራን ዝሓዛ ሃገራት፡ ብዘይ ወግዓዊ ፍቓድ ኣመሪካ ነቲ ገንዘብ ንምልቃቕ ወይ ንምትሕልላፍ ድሕርሕር ይብላ ኣለዋ።
ኢራን ካብዚ ስምምዕ እንታይ ክትረብሕ ትኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
እቲ መዘክር ክልተ ቀንዲ ዓይነታት ቍጠባ የነጽር፤
- ንኢራን ነዳድን ውጽኢት ነዳድን፣ ከምኡ'ውን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ናይ መጓዓዝያ፡ መድሕንን ኣገልግሎታት ባንክን ክትሰድድ ዝፈቅድ ናጻ መሰል ምሃብ፣
- ነቲ ተዓጊቱ ወይ ተቐይዱ ዘሎ ገንዘብ ክትረክብ ምፍቃድ፣ እዚ ከኣ ማእከላይ ባንኪ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣጠቓቕማ እቲ ገንዘብ ዝለዓለ ቍጽጽር ከም ዝህሉዎ ይገብር።
ብተወሳኺ እቲ መዘክር፡ ምስ ዞባውያን መሻርኽቲ ብምትሕብባር ቍጠባ ኢራን ንምህናጽን ንምምዕባልን እንተ ወሓደ 300 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሰፊሕ ናይ ዳግመ-ህንጻ ጻዕሪ የርኢ፤ ኣፈጻጽማኡ ከኣ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክንጸር ብዘለዎ መደብ መሰረት ዝካየድ እዩ።
ኣመሪካ ንኢራን ብቐጥታ ገንዘብ ከም ዘይትኸፍል ኣስሚራትሉ ኣላ (ካብቲ ኣብ 2015 ኣብ መንጎ ምምሕዳር ኦባማን ኢራንን ዝተገብረ ንዩክለሳዊ ስምምዕ ፍጹም ዝተፈልየ ምዃኑ ይገልጽ)። ኣብ ክንድኡ ኣብ መሰረተ-ልምዓት፡ ጸዓት፡ መጓዓዝያን ካልኦት ዓውድታትን ኣብ ዝግበር ወፍሪ ከተተኵር እያ።
እቲ ገንዘብ ናብ ኢራን ክበጽሕ ድዩ?
ብተግባር፡ እቲ ገንዘብ ክርከበሉ ዘኽእል መንገዲ ተደሪቱ ክተርፍ ይኽእል እዩ ይብል ኤስፋንድያር ባትማንገሊጅ መስራቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል ምርምር 'ቦርስ ኤንድ ባዛር'።
ከምዚኣቶም ንዝኣመሰሉ ምቅይያር ስምምዓት "ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ዕንቅፋታት" የጋጥሞ እዩ ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ። እዚ ማለት፡ ኢራን ነቲ ገንዘብ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዝተወሰነት ሃገር ጥራይ ክትጥቀመሉ ትኽእል ትኸውን እምበር፡ ናብ ዓለምለኻዊ ስርዓት ንምትሕልላፍ ክትጽገም እያ።
ሽናይደር ዝያዳ ዓሚቝ ጸገም ከም ዘሎ የነጽር፤ ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ክሳብ ክንደይ ቀጻልነት ከም ዝህሉዎ ርግጸኝነት ዘይምህላዉ እዩ።
ገለ ካብ እገዳታት ኣመሪካ ብኮንግረስ ዝጸደቑ ሕግታት ብምዃኖም፡ ፕረዚደንት ብውልቁ ምሉእ ብምሉእ ከልዕሎም ከም ዘይክእል፡ እንታይ ደኣ ግዝያዊ ፍቓድ ጥራይ ክህብ ከም ዝኽእል ይገልጽ።
እዚ ዝወሃብ ግዝያዊ ፍቓድ ክሳብ መዓስ ክቕጽል እዩ ንዝብል ሕቶ ጥርጣረታት ከም ዝፈጥር ሽናይደር ይውስኽ።
ድሕሪ እቲ ናይ 2015 ንዩክለሳዊ ስምምዕ፡ ተመሳሳሊ ተመኵሮ'ውን ተራእዩ ነይሩ እዩ፤ ኣብቲ እዋን'ቲ ኢራን ገለ ክፋል ገንዘባ ክትረክብ ክኢላ ነይራ።
እንተዀነ፡ ሓያሎ ባንክታት ጥንቁቓት ኰይነን ክቕጽላ ከለዋ፡ ኣብ 2018 ድማ ኣመሪካ ካብቲ ስምምዕ ብምስሓብ ዳግማይ እገዳታት ኣንቢራ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ መራኸቢ ብዙሓን መንግስቲ ኢራን፡ ኣመሪካ 12 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዝተዓግተ ሃብቲ ክትለቅቕ ከም ዝተሰማምዐት ሓቢሮም ነይሮም፤ ዋሽንግተን ግን ነዚ ኣየረጋገጸቶን።
ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ካብቲ ናይ ኢራን ሃብቲ፡ ንሃገራት ወሽመጥ ብሰንኪ ኲናት ንዝበጽሐን ዕንወታት ንምኽሓስ ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ ንዝብል እውን ርግጸኝነት የሎን።
ምኒስተር ገንዘብ ኣመሪካ ስኮት ቤሰንት ኣብ መጀመርታ ሰነ ኣብ 'ኤክስ' ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ክሳራታት "ካብ ሕሳባት ኢራን ብዝተወስደ ገንዘብ ክኽፈሉ እዮም፡" ኢሉ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኢራን ነዚ ሓሳብ'ዚ ውዱቕ ገይራቶ እያ። ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካዘም ጋሪባባዲ፡ እቲ ሃብትታቶም "ንዋሽንግተን ናይ ኲናት ምርኮ ኣይኰነን፣ ንመሻርኽታ እትኸፍለሉ ማዕከን እውን ኣይኰነን፡" ክብል ገሊጹ።
እዚ ንቝጠባ ኢራን እንታይ ትርጕም ኣለዎ?
ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ ኣብ 2024 ዓመታዊ ቍጠባዊ ዓቕሚ ኢራን ኣስታት 475 ቢልዮን ዶላር ነይሩ።
ሰበስልጣን ኢራን፡ እቲ ብሰንኪ ኲናት ዘጋጠመ ቍጠባዊ ክሳራ ክሳብ 300 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጽሕ ይግምቱ። ኣብዚ ዓመት ድማ ቍጠባ እታ ሃገር ብኣስታት 10% ከንቈልቝል ከም ዝኽእል ይሕብሩ።
እቲ ገንዘብ ዋላ ዝተወሰነ ክፋሉ እንተ ተለቒቑ፡ ንሓጺር ግዜ ትንፋስ ክህብ ይኽእል እዩ።
ሓደ ኣባል ቤትምኽሪ ንግዲ ኢራን ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ባጤራ "ኣብ ኣዝዩ ልዑል ደረጃ ብምብጽሑ፡ ሓያሎ ጠለባት ንግዲ ደው ኢሎም ወይ ሓያል ምድንጓያት የጋጥሞም ኣሎ፤ እቲ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ድማ ብተግባር ኣብ መሰረታዊ ንዋትን መግብን ጥራይ ተደሪቱ ይርከብ።"
ክኢላታት ከም ዝገልጹዎ፡ ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ሓያል ባጤራ ክረክብ ምኽኣል፡ ነቲ ሪያል ንምርግጋእ፡ ንዝኣቱ መሰረታውያን ሃልክታት ዝኸውን ጸዓት ሓዊስካ ንምውፋርን ኣብ ልዕሊ ፋይናንሳዊ ዕዳጋታት ዘሎ ጸቕጢ ንምንካይን ክሕግዝ ይኽእል እዩ።
እንተዀነ፡ እዚ ንዘለዉ ዓሞቝቲ መዋቕራዊ ጸገማት ከም ዘይፈትሖም የጠንቅቑ።
ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኢማም ሳዲቕ ፕሮፌሰር ቍጠባ ካምራን ነድሪ፡ "ቅድሚ ዝዀነ መደብ ዳግመ-ህንጻ ምጅማሩ፡ ናህሪ ዋጋታት ምቍጽጻርን ቅልውላው ናብራ ንምግጣምን ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ፡" ክብል ይከራኸር።
ብዘይ ጽገናዊ ለውጢ ገንዘባዊ ጸጋታት ምፍሳስ፡ ነቲ ክርከብ ዝኽእል ረብሓታት ከም ዘይጠቅም ክገብሮ ከም ዝኽእል ይውስኽ።
እንተዀነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ-13 ፕሮፌሰር ቍጠባ ዝዀነ መህርዳድ ቫሃቢ፡ እቲ ናይ ኢራን ብድሆ ዝሰፈሐ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠመ "ከቢድ ምንቍልቋል ወፍርታትን ኢንዱስትሪታትን፡" ንድሕሪት ምምላስ ምዃኑ ይገልጽ።
"ብዘይ ቍጠባዊ ርግኣት፡ ወፍሪ ምክያድ ኣይከኣልን። ብዘይ ቅኑዓት ኣውፈርቲ ድማ ቍጠባ ኢራን ክዕንብብ ኣይክእልን እዩ፤ ቍጠባዊ ዕብየት'ውን ክዕንቀፍ እዩ፡" ክብል ይከራኸር።
ኣብ ጀርመን ዩኒቨርሲቲ ላይፕዚግ ተመራማሪ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ረዛ ጣለቢ'ውን ምስዚ ሓሳብ ይሰማማዕ።
ኢራን ንኣውፈርቲ ገንዘቦም ካብ ፖለቲካውን ጸጥታውን ሓደጋታት ውሑስ ምዃኑ እምነት ንምሕዳር፡ ወጥርታት ከተዝሕል ከም ዘለዋ ይገልጽ።
"እቲ ኣብ መንጎ ኲናትን ሰላምን ዘሎ ዘይርጉእ ኵነታት፡ ካፒታል ናብቲ ቍጠባ ንኸይኣቱ ዝዓበየ ዕንቅፋት እዩ፡" ክብል ይውስኽ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
