ህወሓት፡ እቲ ብኣመሪካ ዝተነብረ እገዳ ቪዛ 'ጐደሎን ዘይሚዛናውን' ክብል ነጺጉዎ

ምንጪ ስእሊ, TPLF
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰበስልጣኑ ዝወሰዶ እገዳ ቪዛ "ጐደሎን ዘይሚዛናውን" ክብል ብምጽራሕ ነጺጉዎ።
ህወሓት ትማሊ ዓርቢ 19 ሰነ 2026 ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ እቲ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ክውንነት ዘየንጸባርቕን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሓላፍነት ዘግልልን እዩ ክብል ወቒሱ።
ህወሓት ነቲ ዝተነብረሉ እገዳ ከም ዝተቓወሞ ብምግላጽ፡ "ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተነብረ ናይ ቪዛ እገዳ ብኸቢድ ንሰግኣሉ፤ እዚ ስጕምቲ'ዚ ኣብ ጐደሎን ዘይሚዛናውን ገምጋም ኵነታት ዝተመስረተ ኰይኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘለዎ ግዴታታት ንምትግባር ብቐጻሊ ዘርኣዮ ፍሽለት ዕሽሽ ብምባል፡ ኵሉ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ህወሓት ጥራይ ዘንበረ እዩ፡" ክብል ነቒፉዎ።
እዚ ግብረ-መልሲ ህወሓት ዝመጽእ ዘሎ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብ18 ሰነ 2026 ኣብ ልዕሊ ገለ ሰበስልጣን እቲ ውድብን ስድራቤቶምን ናይ ቪዛ እገዳ ምእዋጁ ስዒቡ እዩ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ 'ኣኽረርቲ' ዝበሎም ኣባላት ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓዱሽ ውግእ ከየለዓዕል ዘለዎ ከቢድ ስግኣት ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ግጭት፡ ድሕሪ እቲ 600,000 ህይወት ዝጠፍኣሉ ናይ 2020-2022 ውግእ ዝተራእየ ቀዳማይ ሓደገኛ ግጭት ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ እገዳ ቪዛ ነቶም ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰላም ጕዕዞ "ዝዕንቅጹ ሰበስልጣን" ዝምልከት ምዃኑ ኣነጺሩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ እቲ መግለጺ ንብዓል መን ከም ዘጠቓልል ኣስማት ኣይዘርዘረን።
እዚ ብኽልተኦም ወገናት ዝለዋወጥ ዘሎ ናይ ክሲ ቃላት፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ሓዱሽ ውግእ ንምጅማር ምድላዋት ይግበር ኣሎ ዝብሉ ጸብጻባት ኣብ ዝወጽእሉ ዘለዉ እዋን እዩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ዝመርሖ ልኡኽ፡ ብ11 ሰነ ናብ ርእሰ-ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ብምጓዓዝ ምስ ሰበስልጣን ህወሓት ተዛትዩ ነይሩ።
ክልተኦም ወገናት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ንዘይምትግባር ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ኣጽዋር ኣይፈትሐን ክብል ክኸስስ እንከሎ፡ ህወሓት ብወገኑ፡ መንግስቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበረ ምሕደራ መሬት ትግራይ ከይመለሰን ውሑስ ምምላስ ተመዛበልቲ ከየረጋገጸን ኣጽዋር ከም ዘይፈትሕ ይምጕት።
እቲ ንትግበራ እቲ ስምምዕ ንምክትታል ዝቘመ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ዳርጋ ስራሕ ደው ዘበለ ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ዘሎ ዘይምትእምማን እናዓመቘ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህወሓት ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት፡ ብፍላይ ድማ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይሻረኽ ኣሎ ብምባል ክኸስስ ጸኒሑ ኣሎ።
ሓላፊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴንን ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ጌታቸው ረዳን፡ ብሓባር ኣብ ዝጸሓፉዎ ኣብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ዝተሓትመ ጽሑፍ፡ ህወሓት፡ "ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መዓልታት" ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምጅማር ወሲኑ ኣሎ ክብሉ ከሲሶም።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ነዚ ብኽልተ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝወጽአ ጽሑፍ፡ "ትያትራውን ፈጠራውን" ክስታት ክብል ሓቅነት ከም ዘይብሉ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ስምምዕ ፕሪቶርያ ውሽጣዊ ጉዳያት ምዃኑ ዝገለጸ ምኒስተር የማነ፡ "በዚ መንጽር፡ ኵሎም ወገናት ንትሕዝቶኡ ብጽቡቕ ድሌት ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒሎሞ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምፍሻል ፖለቲካዊ ሸውሃት ኰነ ረብሓ የብላን፡" ኢሉ።
እቲ ሓፈሻዊ ኵነታት ከም ዘመልክቶ፡ ኣብዚ እዋን ኣብቲ ክልል ክውላዕ ዝኽእል ግጭት፡ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዘይምርግጋእ ከወድቕ ከም ዝኽእል ስግኣታት ይዓቢ ኣሎ።
እቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ፕሪቶርያ፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ደው ዘበለ እኳ እንተዀነ፡ ነቲ ኲናት መበገሲ ዝዀኑ ብዙሓት ዓበይቲ ጉዳያት ግን ምላሽ ኣይረኸቡን።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ክልከላ ነዳድን ደመወዝ ሰራሕተኛታት መንግስትን ስዒቡ፡ ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ቍጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ገዲዱ፡ ስግኣት ዝሓደሮም መንእሰያት ናብ ስደት የምርሑ ከም ዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ህወሓት ነቲ "ሓደ ወገን ጥራይ ተሓታቲ ዝገብር ስጕምቲ" ዝበለቶ እገዳ ኣመሪካ ኣመልኪቱ፡ "ንሓደ ፈራሚ ጥራይ ተሓታቲ ብምግባር ናይቲ ካልእ ወገን ተግባራት ዕሽሽ ምባል፡ ኣብቲ ጕዕዞ ሰላም ዘሎ ምትእምማን ዝሃሲ እዩ። ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ ብዘይኣድሉዎ፡ ብመጽናዕትን ንዅሎም ወገናት ብማዕረ ተሓተቲ ብምግባርን ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ፡" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ህወሓት ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምትግባር ዘለዎ ተወፋይነት ብምግላጽ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ብምግባር ደሞዝ፡ ኣገልግሎት ባንኪ፡ ቀረብ ነዳድን ሰብኣዊ ሓገዛትን ክፈቅድ ክትጽውዕ ሓቲቱ።
ብተወሳኺ፡ ተመዛበልቲ ብሰላምን ብኽብርን ናብ ዓዶም ዝምለስሉ ባይታ ክጣጣሕ፡ ዘይፈደራላውያን ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ክወጽኡ፡ ሕጋውን ፖለቲካውን ህላወ ህወሓት ብመሰረት እቲ ስምምዕ ክምለስ፡ ከምኡ'ውን ተሓታትነት ኣብ ልዕሊ ኵሎም ወገናት ብማዕረን ብዘይኣድሉዎን ክትግበር ንኣመሪካ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ብሰንኪ እዞም ዘይተፈትሑ ጸገማት ድማ ኣብቲ ናብ ሰላም ዝወስድ ጐደና ዝተረኽበ ጭቡጥ ምዕባለ ከም ዘየሎ ኣተሓሳሲቡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
