ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ደረጃኣ ትዕቅብ - ውሽጣዊ ውድድራትከ?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ዓለምለኻዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ (UCI) ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ ናይ 2026 ዙር ኣፍሪቃ ዙር መደብ ደረጃ፡ ኤርትራ ነቲ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ዓብላልነታ ኣረጋጊጻ'ላ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ጸብጻብ፡ እተን ኣብዚ ናይ 23 ሃገራት ሰሌዳ ዝተመዝገባ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ተኸፋፊለን ኣለዋ።

ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሒ "ኤሊት" ዝተሰርዓ ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣልጀርያን እየን።

እዘን ሃገራት ኣብ ዓለምለኻዊ ናይ ዙር ውድድራት "ዎርልድ ቱር"፡ 'ፕሮ-ኮንቲነንታል'ን 'ኮንቲነንታል'ን ጋንታታት ዝሳተፉ ብሉጻት ተቐዳደምቲ ብምስላፍ ነፍሲ-ወከፈን ልዕሊ 1,000 ነጥቢ ኣዋህሊለን ኣለዋ።

ብፍላይ ኤርትራ፡ ብኸም ብዓል ቢንያም ግርማይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ዝኣመሰሉ ስሙያት ተቐዳደምታ ኣቢላ ኣስታት 4,523 ነጥቢ ብምርካብ ንኣፍሪቃ ብዓቢ ፍልልይ ትመርሕ ኣላ።

እቲ ካልኣይ ጕጅለ ድማ ኣብ ደረጃ 'ኮንቲነንታል' ዝወዳደሩ ውሑዳት ተቐዳደምቲ ዘለዎምን ካብ 500 ክሳብ 900 ነጥቢ ዝረኸባን ሃገራት ዝሓዘ እዩ።

ኣብዚ ጽፍሒ እዚ ከም ሞሪሽየስ፡ ርዋንዳ፡ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ይርከባ።

እቲ ሳልሳይ ጕጅለ ድማ ካብ 100 ክሳብ 300 ነጥቢ ዝረኸባ 10 ሃገራት (ከም ካሜሩን፡ ሞሮኮ፡ ቤኒን፡ ዚምባብወ፡ ግብጺ ወዘተ) ዘጠቓልል ኰይኑ መብዛሕትኡ ነጥበን ድማ ካብቶም ዘካይዳኦ ውሽጣዊ ሃገራዊ ውድድራት ሻምፕዮናታት ዝተረኽበ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ዝርከባ ከም ኣይቮሪኮስትን ኡጋንዳን ዝኣመሰላ ሃገራት ግን፡ ንመደባት ቅድድም ብሽክለታ ብቐጻልነት ንምክያድ ኣዝየን ዝሽገራ ዘለዋ እየን።

ብሰንኪ'ዚ ስእነት ምዕባለ፡ ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ፈደረሽናት እዘን ሃገራት ለውጢ ክግበር ፡ እቲ ካብ 2007 ኣትሒዙ ንኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ (ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን) ናብ ፕሮፌሽናል መድረኽ ንምስግጋር ኣብ ባይታ ዝሰርሕ ትካል 'ኣፍሪቃ ራይሲንግ ሳይክሊስት' ይጽውዕ።

ካብዚ ብዝበኣሰ ግን፡ ካብዘን ኣብ መዝገብ ደረጃ ዘለዋ 23 ሃገራት ወጻኢ፡ ብዓለምለኻዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ (UCI) ተፈላጥነት ዘለዎም 31 ኣፍሪቃውያን ፈደረሽናት ዋላ ሓንቲ ነጥቢ ከየመዝገቡ ኣብ ባዶ ይርከቡ።

እዘን ሃገራት ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ እኳ ሃገራዊ ሻምፕዮና ብምክያድ ሃገረን ኣብ ካርታ ስፖርት ከስፍራ ዘይምኽኣለን ዘሕዝን ምዃኑ ድማ እቲ ኣፍሪቃ ያሲንግ ኣብ ሓበሬታኡ ይወቅስ።

"እዞም ፈደረሽናት ነዚ ቀሊል ውድድር ክገብሩ ካብ ዘይከኣሉ ስለምንታይ ቈይሞም?" ዝብል ሕቶ ብውሽጢ ሃገራት ይለዓል ኣሎ።

ፕረዚደንታት ናይዞም 31 ፈደረሽናት ናብ ዓለምለኻዊ ሻምፕዮናታት ወይ ኣኼባታት ኮንፈደረሽን ንገዛእ ነብሶም ንምስታፍ ይጓየዩ እምበር ንሃገራቶም ዝገበርዎ እጃም ብዘይምህላዉ ይምረር።

ድሕረ ባይታ ኤርትራን ጕድለት ውሽጣዊ ውድድራትን

ከም ዝፍለጥ ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ልዑል ታሪኽን ባህልን ዘለዋ ሃገር እያ። ካብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዙ ዝማዕበለ እዚ ስፖርት፡ ኣብ ደም ህዝቢ ዝሰረጸን ፍሉይ ሃገራዊ ስምዒትን መለለዪን ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ብፍላይ ኣብ 'ቱር ደ ፍራንስን' 'ጂሮ ዲ-ኢታልያን' ዘመዝገቡዎ ኣንጸባራቒ ዓወታት፡ ካብታ ሃገር ሓሊፉ ንመላእ ኣፍሪቃ ዘሐብን ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ይዅን እምበር፡ እዚ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ዝረአ ዘሎ ድሙቕ ዓወት እናሃለወ ክነሱ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ውድድራት ብሽክለታ ግን ብዓቢ ደረጃ እናደኸመ ይመጽእ ምህላዉ፡ ካብ ስፖርተኛታትን ፈተውቲ ስፖርትን ሓያል ቅሬታታት ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ዳርጋ ኣብ ሰሙን ሰሙን ዝካየድ ዝነበረ ውዕዉዕ ውድድራት ሻምፒዮና ሎሚ ኣዝዩ ጐዲሉ እናሃሰሰ ይመጽእ ምህላዉ ይግለጽ።

ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ንዓበይቲ ተጻወትቲ ዘፍሪን መሰረት ጋንታታት ይዅን ንሃገራዊት ጋንታ ብቐጻሊ ዝምግብን ዝነበረ መድረኻት - ካብ ናይ ህጻናት ማውንተን ባይክ ውድድራት ጀሚሩ፡ ካብ ታሕቲ በብደረጃ ዕድመን ብቕዓትን ዝግበር ዝነበረ ውዕዉዕ ናይ ውሽጢ ዓዲ ውድድራት - ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብዓቢ ደረጃ ከም ዘንቈልቈለ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጕድለት ዘመናዊ ትሕተ-ቕርጺ፡ ከምኡ'ውን ኤርትራ ኣብዚ ስፖርት ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ዝጥቀስ ዓቢይ ስም እናሃለዋ ክነሱ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ውድድራት ከተአንግድ ዘይምኽኣላ፡ ንዕቤት ናይቲ ስፖርት ዕንቅፋት ኰይኑዎ ኣሎ።

እዚ ብሰንኪ ዋሕዲ ቍጠባዊ ደገፍ፡ ስእነት ሓደስቲ ብሽክለታታትን መቀያየሪ ኣቕሑትን፡ ከምኡ'ውን ድኽመት ኣወዳድባ ፈደረሽን ዝመጸ ምዃኑ ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ስፖርት ይገልጹ።

"እቶም ሎሚ ኣብ ዓለም ዝዕወቱ ዘለዉ ጀጋኑ ብውሽጣዊ ውድድራት ዝፈረዩ እዮም፤ እዚ መሰረት እዚ እንተ ጠፊኡ ግን፡ መጻኢ ናይዚ ስፖርት ኣብ ሓደጋ እዩ፡" ብምባል የተሓሳስቡ።

ብሓፈሻ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርከቡ መንእሰያት ስፖርተኛታት፡ ሃዋሁ ስፖርት ብዅሉ መዳያቱ ዘደንፍዕ ባይታን ምቹእ ኵነታቶም ክረኽቡን ሰበስልጣናት ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዝሓሸ ኣቓልቦን ምሕደራን ከጣጥሑ የድሊ።

ውሽጣዊ ውድድራት ብምድንፋዕ ሓደስቲ ተካእቲ ንምፍራይ ኵሎም ፈደረሽናት ግቡእ ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ተስፋ ይግበር።