መጻወድያ 'ዘመናዊ ግልያነት'፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ እስያ ግዳይ ሳይበራዊ ምትላል ይዀኑ

ብድሕሪ ሬተ ሓንቲ ጓልን ወድን ክልኦትን፡ ከምኡ'ውን መካይን ይርኣያ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኢትዮጵያውያንን ኬንያውያንን ደለይቲ ስራሕ፡ ኣብ ሃገራት እስያ ብብዝሒ ኣብ ዝርከቡ 'ናይ ምትላል ማእከላት' ግዳይ ዝዀንሉ ኵነታት እናወሰኸ ይመጽእ ከም ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መርበባት ገበነኛታት ካብ ሃገር ወጻኢ ስራሕ ንዝደልዩ ሰባት ብምምልማል፡ ጽኑዕ ሓለዋ ኣብ ዝግበረሎም መዓስከራት ብምዕጻው፡ ብምፍርራሕ፡ መግረፍትን ስቓይን እናፈጸሙ ሳይበራዊ ምትላል ክፍጽሙ ይግድዱዎም ከም ዘለዉ ገሊጹ።

እቲ ትካል፡ ቅድሚ እቲ ብረቡዕ ዝተበዓለ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ መላእ እስያ ካብ ዝርከቡ ናይ ምትላል ማእከላት ንኽወጹ ካብ ዝተገብሩ ሰባት፡ እቶም ዝበዝሑ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ነዚ ኵነታት "ሓድሽ እናተራእየ ዝመጸ ናይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት መንገዲ፡" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።

እቲ ስልቲ ምትላልን ዝወርድ ስቓይን

እቶም ግዳያት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ልዑል ኣታዊ ዘለዎ ስራሕ ከም ዝርከብ ብዝገልጽ ምልክታታት ተታሊሎም እዮም ዝኸዱ። እንተዀነ፡ ናብቲ ዝተባህለ ቦታ ምስ በጽሑ ፓስፖርቶም ይውሰድ፤ ብቐጻሊ ጽኑዕ ክትትል እናተገብረሎም ድማ ኣብ ናይ ኦንላይን ምትላል ስርሓት ንኽዋፈሩ ይግደዱ።

ገለ ካብቶም ካብዞም መዓስከራት ዝወጹ ሰባት ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብቲ ናይ ምትላል ንጥፈታት ንምስታፍ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም ጥራይ መግረፍቲ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጥሜትን ንበይኖም ምዕጻውን ከም ዝበጽሖም ተዛሪቦም እዮም።

"ምብራቕ ኣፍሪቃውያን ኣብዞም ናይ ምትላል መዓስከራት ምርካቦም፡ ሰባት ንገበን ተባሂሎም ናብ ምስግጋር ምእታዎም ካብ ሕጂ ንደሓር ናይ ርሑቕ ስግኣት ከም ዘይኰነ ዘርኢ እዩ፡" ክብል ናይቲ ትካል ዳይረክተር ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣፍሪቃን ፍራንትዝ ሴሌስቲን ገሊጹ።

ቀጺሉ፡ "እቶም ገበነኛታት ጕጅለታት ኣብ ዞባና ዝርከቡ ደለይቲ ስራሕ፡ ኣብ ወጻኢ ስራሕ ከም ዝርከብ ብዝብል ናይ ሓሶት መብጽዓታት ኣብ መጻወድያኦም የእትውዎ ኣለዉ፡" ኢሉ ናይ መጠንቀቕታ ቃሉ ሂቡ።

ሰፊሕ ኣህጉራዊ መርበብ

ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ከም ዝገለጾ፡ እቶም ኣሰጋገርቲ ሰባት ንጥፈታቶም ካብ እስያ ወጻኢ እናስፍሑ ኣብ ዝኸድሉ ዘለዉ እዋን፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝምልምልዎም ሰባት ቍጽሪ እውን ይውስኽ ኣሎ።

ካብ 2022 ክሳብ 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ እቲ ትካል ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ንገበናዊ ንጥፈታት ተባሂሎም ካብ ዝተወሰዱ 39 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 3,500 ሰባት ሓገዝ ገይሩ እዩ።

ካብዚኦም ድማ ዜጋታት ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ኢንዶነዥያ፡ ህንድ፡ ስሪላንካን ባንግላድሽን ይርከብዎም።

ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ብንጹር ቍጽሪ እቶም ኢትዮጵያውያንን ኬንያውያንን እኳ እንተ ዘይገለጸ፡ እቲ ጸገም ግን ዓቢ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ዕጸ-ፋርስን ገበንን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣብ ምብራቕን ደቡብ ምብራቕን እስያ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝተኻየደ ናይ ኦንላይን ምትላል ካብ 88 ክሳብ 114 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝግመት ኣታዊ ኣስዒቡ እዩ።

ብኣማእቲ ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት ድማ ኣብዞም መዓስከራት ተዓጽዮም ከም ዝርከቡ ይእመን።

እዞም ከም ሚያንማር፡ ካምቦድያን ላኦስን ዝኣመሰላ ሃገራት ደቡብ ምብራቕ እስያ ኣስፋሕፊሖም ዝርከቡ መዓስከራት፡ ዓመታዊ ቢልዮናት ዶላራት ዝሕፈሰሎም ማእከላት ኦንላይን ምትላል እዮም።

እዞም ቦታታት ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ቈልዑን፡ ብኣስገዳድ ገበን ምስራሕ፡ ስቓይ ሰባትን ዘይሕጋዊ ቍማርን ዝፍለጡ እዮም።

"ግዳያት እምበር ገበነኛታት ኣይኰኑን"

ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ኣብዚ ሳይበራዊ ምትላል ንጥፈታት ንኽሳተፉ ዝተገደዱ ሓያሎ ግዳያት ብጌጋ ከም ገበነኛታት ተገይሮም ከም ዝውሰዱ ገሊጹ።

ስለዚ፡ መንግስታት ነዞም ሰባት ክሲ ክምስረተሎም ከም ዝግባእ ገበነኛታት ገይሮም ካብ ምርኣይ፡ ሓገዝን ዕቝባን ዘድልዮም ግዳያት ገይሮም ክርእይዎም ኣተሓሳሲቡ።

ተወሳኺ ድማ ደለይቲ ስራሕ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝቐርቡሎም ዕድላት ስራሕ ብጥንቃቐ ክምርምሩ፤ ብፍላይ ዘይተለምደ ልዑል ደመወዝ፡ ቅልጡፍ ናይ ስራሕ ምደባ ወይ ክትኣምኖ ዘጸግም ማራኺ ዕድላት ቃል ዝኣትዉ ኣካላት ክጥንቀቑሎም ጸዊዑ።

ዳይረክተር ፕሮግራም በርማ ኣብ ትካል ፒስ ኣመሪካ (USIP) ዝዀነ ጄሰን ታወር፡ መበገሲ እዞም መዓስከራት እቶም ናይ ቻይና ዘይሕጋዊ ቍማር ዘካይዱ ኩባንያታት ምዃኖም ይገልጽ።

መንግስቲ ቻይና ኣብዚኦም ሰባት ጽኑዕ ስጕምቲ ክወስድ ምስ ጀመረ፡ እቶም ገበነኛታት ጕጅለታት ናብ ፊሊፒንስ፡ ካምቦድያን ሚያንማርን ብምስጋር ተመሳሳሊ ስራሕ ቀጺሎም።

ጄሰን ታወር ከም ዝገለጾ፡ እቶም ገበነኛታት መጀመርታ ቻይናውያን ዜጋታት ብምትላል ናብ ቍማር ክኣትዉ ይገብሩ ነይሮም። ድሕሪ ስጕምቲ ቻይና ግን ናብ ካልኦት ዜጋታት ብምቕያር ንሰባት ብምዕጻው "ዘመናዊ ግልያነት" ክጥቀሙ ጀሚሮም።

ኣብ ሚያንማር ጥራይ እዚ ተግባር ዝፍጸመሎም ብውሕዱ 154 ዓቢ ቀጽሪታት ከም ዘለዉ ይፍለጥ። ዋናታት ናይቶም መዓስከራት ነቶም ህንጻታት ነዞም መርበባት ገበነኛታት ብምክራይ እዮም እቶም ንጥፈታት ንኽካየዱ ባይታ ዘጣጥሑሎም።