ኣብ ሕክምና መንሽሮ ዝተራእየ ሓድሽ ዓወት፡ ንውልቀ ሰባት ብፍሉይ ዝዳሎ ክታበት ተፈቲኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስ ሓደ ካልእ መድሓኒት ብምውህሃድ ዝወሃብ ሓድሽ ውልቃዊ ክታበት፡ ኣብቶም ብመንሽሮ ቆርበት (ሜላኖማ) ተጠቒዖም ዝነበሩ ሕሙማት እቲ ሕማም ዳግማይ ከይመጽእ ኣብ ምክልኻል ዓቢ ዓወት ከም ዘመዝገበ ተገሊጹ።
እዚ ስጕምቲ እዚ ኣብ ኣገባብ ሕክምና መንሽሮ ዓቢ ለውጢ ከም ዘምጽእ ይእመነሉ።
እቲ ብኩባንያታት ሜርክን ሞደርናን ዝማበለ ክታበት፡ ድሕሪ መብጣሕቲ ነቶም ልዑል ስግኣት ዘለዎም ሕሙማት ሜላኖማ ክወሃብ ጸኒሑ'ዩ።
እተን ኩባንያታት ኣብ ዘውጽአኦ መግለጺ፡ እዚ ሓድሽ ክታበት እቶም ሕሙማት ካብቲ ሕማም ናጻ ኰይኖም ዝጸንሕሉ ግዜ ከም ዘናውሖ ቀዳሞት ውጽኢታት ፈተነ ከም ዘርእዩ ኣፍሊጠን።
ይዅን'ምበር እቲ ተስፋ ዝህብ ውጽኢት ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ክቕጽል ከም ዝኽእል ገና ኣይተፈልጠን።
ክኢላታት ሕክምና ነቲ ዜና ከም ዓቢ ስጕምቲ እኳ እንተ ወሰድዎ፡ እቲ ምሉእ ውጽኢት ምርምር ብናጻ መርመርቲ ክኢላታት ተገምጊሙ ስለ ዘይጸደቐ ጥንቃቐ ክግበር ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።
እቲ ክታበት ኵሉ ናይ ፈተነ መስርሕ ምስ ወድአ'ውን፡ ብተቘጻጸርቲ ትካላት ተገምጊሙ ፍቓድ ምስ ረኸበ ጥራይ እዩ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ክውዕል ዝኽእል።
እቲ ክታበት ከመይ ይሰርሕ?
'ኢንቲስሜራን' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ክታበት፡ ምስቲ ድሮ ንሕክምና መንሽሮ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዘሎ 'ኬይትሩዳ' ዝተባህለ መድሓኒት ተላፊኑ እዩ ዝወሃብ።
እቲ ክታበት ምስቲ መድሓኒት ብሓባር ክወሃብ ከሎ፡ እቲ ሕማም ናብ ካልእ ኣካላት ንኸይላባዕን ዳግማይ ንኸይመጽእን ኣብ ምክልኻል ካብቲ መድሓኒት ጥራይ ዝወሰዱ ሕሙማት ዝበለጸ ውጽኢት ከም ዘርኣየ እተን ኩባንያታት ገሊጸን።
ኣብዚ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ፡ ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ ብርኪ ሜላኖማ ዝነበሮም ልዕሊ 1,000 ሕሙማት ተሳቲፎም ኣለዉ።
እዚ ማለት ድማ እቲ መንሽሮ ካብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ጀሚሩ ክሳብ ናብ ካልእ ኣካላት ዝተዘርግሓሉ ኵነታት ዘጠቓልል እዩ።
"ንውልቀ ሰብ ብፍሉይ ዝተዳለወ"
ኩባንያታት ሜርክን ሞደርናን ነዚ ክታበት "ንውልቀ ሰብ ብፍሉይ ዝተዳለወ" ኢለን ይጽውዓኦ።
እዚ ማለት ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሕሙም ብፍሉይ ንዘለዎ ናይ መንሽሮ ሕበጥ (tumour) ንምጥቃዕ ዝተዳለወ እዩ።
ነዚ ክታበት ንምድላው፡ ተመራመርቲ ኣብቲ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ዝተጠቕምሉ ተክኖሎጂ ኤም-ኣር-ኤን-ኤ (mRNA) ተጠቒሞም ኣለዉ።
ካብ ሕበጥ እቲ ሕሙም ንእሽቶ ክፋል ብመብጣሕቲ ብምውሳድን ዲ-ኤን-ኤ ብምምርማርን፡ እቲ ክታበት ነቶም ዝተረፉ ዋህዮታት መንሽሮ ንኸለልዮምን ንኸጥቅዖምን ንስርዓተ ምክልኻል ኣካል ትእዛዝ ይህብ።
እተን ክልተ ኩባንያታት ተመሳሳሊ ስልቲ ብምጥቃም ንመንሽሮ ሳንቡእ፡ ፍሕኛን ኰላሊትን ዝኸውን ክታበት ይፍትና ኣለዋ።
ዋና ፈጻሚ ስራሕ ሞደርና ስቴፋን ባንሰል፡ እዚ ውጽኢት'ዚ ኣብ ምርምር መንሽሮ "ወሳኒ መድረኽ" ምዃኑ ገሊጹ። ድሕሪ እዚ መግለጺ ድማ ዋጋ ኣክስዮን ወይ ብርኪ ናይ ክልተአን ኩባንያታት ክብ ኢሉ ኣሎ።
ኣብ ትካል ምርምር መንሽሮ ብሪጣንያ ሓላፊት ምክልኻል ዶክተር ታሊስያ ኳሎ፡ እቲ ምርምር "ተስፋ ዝህብ" ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ውጽኢት ብምሉእ ክምርመር ከም ዘለዎ ግን ኣተሓሳሲባ።
ዶክተር ሌናርድ ሊ ዝተባህለ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ፕሮፌሰር ብወገኑ፡ "እዚ ንሕሙማት ሜላኖማ ብርግጽ ጽቡቕ ዜና እዩ፤ እቲ መጽናዕቲ ግን ካብኡ ዝሰፈሐ ትርጕም ኣለዎ። ውልቃዊ ክታበት መንሽሮ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ዘርኣየ መርትዖ እዩ፡" ኢሉ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



