ክርስትያኖ ሮናልዶ ምስ ናይ ነዊሕ ዓመታት መጻምድቱ ጆርጂና ሮድሪገዝ ተመርዕዩ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
ፍሉጥ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ምስታ ናይ ነዊሕ እዋን መጻምድቱ ሞዴልን ብዓልቲ-ጽልዋን ጆርጂና ሮድሪገዝ፡ ኣብ ፖርቱጋል ተመርዕዩ።
እቲ ፖርቱጋላዊ ኣጥቃዓይ፡ ኣብ ናይ ኢንስታግራም ገጹ ክልተ ኣእዳው ዝርኣያሉ ምስሊ ዝዘርግሐ ኰይኑ፡ ክልተኦም ናይ መርዓ ቀለቤት ከም ዝገበሩ ይርአ።
እዚ ኣእዳው ናይ ሮናልዶን ብዓልቲ ቤቱን ከም ዝዀነ ይግመት።
መዕከናት ዜና ፖርቱጋል ነቲ ስነ-ስርዓት "ናይ ዓመት ዝዓበየ መርዓ" ክብላ ገሊጸንኦ ኣለዋ።
እቲ መርዓ ብ11 ነሓሰ ኣብ ጥቓ ሊዝበን ኣብ እትርከብ ካስካይስ ዝተባህለት ኣብ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ከም ዝተፈጸመን ሓሙሽተ ደቆም ድማ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ከም ዝተረኽቡን ተሓቢሩ።
እቲ ኣብ ኢንስታግራም ዝተዘርግሐ ምስሊ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ደቒቕ ጥራይ ካብ ሰለስተ ሚልዮን ንላዕሊ "ላይክ" ረኺቡ ኣሎ።
እዞም ጽምዲ ንዓሰርተ ዓመታት ብሓባር ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ፈለማ ኣብ ማድሪድ ጆርጅና ትሰርሓሉ ኣብ ዝነበረት ናይ "ጉቺ" ድኳን እዮም ተራኺቦም።
ሮናልዶ ኣብቲ እዋን ኣብ ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ማድሪድ ይጻወት ነይሩ።
ምሕጻዮም ዝሓለፈ ዓመት ብ11 ነሓሰ ከም ዝገለጹ ይዝከር።
ኣብቲ ግዜ ጆርጅና ቀለቤት ዘርኢ ምስሊ ብምዝርጋሕ፡ ብቛንቋ ስጳኛ፡ "ሕራይ እብል ኣለኹ። ኣብዚ ዘሎን ዝመጽእን ኵሉ ህይወተይ፡" ዝብል ጽሑፍ ኣስፊራ ነይራ።
ሮናልዶ ኣብ ስፖርታዊ ህይወቱ ንክለባት ስፖርቲንግ ሊዝበን፡ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ሪያል ማድሪድ፡ ጁቬንቱስ፡ ኣል ናስር (ስዑዲ ዓረብ) ከምኡ'ውን ንሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል ብምጽዋት፡ 1,000 ሸቶታት ንምምዝጋብ የቋምት ኣሎ።
ሮናልዶ ምስ ኣርጀንቲናዊ ሊዮነል ሜሲ ብምዃን ኣብ ሽድሽተ ዋንጫ ዓለም ብምስታፍ፡ ኣብ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ዝለዓለ ናይ ምስታፍ ክብረ-ወሰን ዝሓዘ ተጻዋታይ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Ronaldo Instagram account















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



