ኤምባሲ ኢዮሩሳለም፡ ውጥን ሰላም ትራምፕ ጽፍዒት እዚ ዘበን'ዩ ኢሉዎ

ፕረዚደንት ማሕሙድ ዓባስ (ማእከላይ)

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ማሕሙድ ዓባስ (ማእከላይ)
Published

መራሕ ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ናይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ማሕሙድ ዓባስ ውጥን ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ናይዚ ዘበንዚ ጽፍዒት እዩ ክብል ገሊጹዎ። ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ንእዮሩሳለም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል

ድሕሪ ምፍላጡ ካብ ኣመሪካ ዝመጽእ ዝኾነ ይኹን ናይ ሰላም ውጥን ከምዘይቅበል ገሊጹ። ንእስራኤል እውን ንውዕል ሰላም ኦስሎ 1995 ብምጥሓሳ ወቒሱዋ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ፍልስጤም ንውዑል ሰላም እንተዘይተቐቢላቶ ሓገዝ ኣይክተረክብን እያ ክብል ገሊጹ።