ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ምምሕዳር ትራምፕ ን5,000 ኢትዮጵያውያን ዝሃቦ ግዝያዊ ሓለዋ ከልዕሎ ፈቒዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ንልዕሊ 5,000 ኢትዮጵያውያን ኣብታ ሃገር ክነብሩን ክሰርሑን ዘኽእሎም ሕጋዊ ሓለዋታት ከቋርጽ ስልጣን ሂቡ።
ዳኛ ቤት ፍርዲ ቦስተን ብራያን መርፊ፡ ንምኒስትሪ ድሕነት ሃገር ኣመሪካ ነቲ ንዜጋታት ዝተወሰና ሃገራት ዝወሃብ "ግዝያዊ ኵነታት ሓለዋ" (Temporary Protected Status) ከብቅዕ ዝኽልክል ዝነበረ ቀዋሚ ትእዛዝ ኣልዒሉ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ሰነ ብዝሃቦ ውሳነ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ሃይቲን ሶርያን ንዝመጽኡ ኣሽሓት ሰባት ዝተዋህቦ ተመሳሳሊ ሓለዋታት ከቋርጽ ድሕሪ ምድቓዱ'ዩ ነዚ ተመሳሳሊ ውሳነ ዝህብ ዘሎ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብ6 ደገፍ 3 ተቓውሞ ድምጺ ብምሃብ'ዩ ነዚ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
ግዝያዊ ኵነታት ሓለዋ፡ ካብዘን ሃገራት ንዝመጽኡን ርኡይ ሰብኣዊ ሓለዋ ዘድልዮምን ነቲ እታ ሃገር [ኣመሪካ] እትጠልቦ ረቋሒታት ዘማልኡን ኣብ ኣመሪካ ብግዝያውነት ከለላ ዝወሃበሉ መስርሕ'ዩ።
ዋና ኣማኻሪ ሕጊ ክፍሊ ድሕነት ሃገር ጀምስ ፐርሲቫል፡ ነቲ ውሳነ ከም ዝድግፎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝልጠፎ ጽሑፍ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ኵሎም ቅድሚ ሕጂ ተኣጊዶም ዝነበሩ ናይ ግዝያዊ ሓለዋ ጉዳያት ሕጂ ብወግዒ ኣብ ግብሪ ይውዕሉ ከም ዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ንኢትዮጵያ ዝተዋህበ ግዝያዊ ሓለዋ ምቍራጹ፡ ኣብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ንመሰል ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝቃለሱ ተጣበቕቲ ጕጅለታትን ቍጠዐ ፈጢሩ ኣሎ።
ብፍላይ ከኣ ንመሰል ኣፍሪቃውያን ኣብ ኣመሪካ ዝከላኸል "ኣፍሪካን ኮሚኒቲ ቱጌዘር' ዝተበሃለ ማሕበር ተጠባቒ ሰብኣዊ መሰላት ትማሊ ሰሉስ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ ዝተወሃበ ውሳነ ዘይዕግበቱ ገሊጹ ኣሎ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ቀጻሊ'ዩ፣ እዚ ውሳነ'ዚ ድማ ንህይወት ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ፡" ትብል ምክትል ዳይረክተር ፖሊሲን ጥብቅናን እቲ ጕጅለ ዲያና ኮናተ።
ግዝያዊ ኵነታት ሓለዋ፡ ንዜጋታት ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፡ ውግኣት ወይ ካልእ ከቢድ ፍጻመታት ዝተሃስያ ሃገራት ዝወሃብ ዓይነት ሓለዋ እዩ።
ብቑዓት ዝዀኑ ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ብሕጋዊ መንገዲ ክሰርሑ ዘፍቅድን ካብ ምስጓግ ግዝያዊ መከላኸሊ ዝህቦምን እዩ።
ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ንዜጋታት ኣፍሪቃ ካብ ዕጥቃዊ ግጭታትን ሰብኣዊ ስቓይን ምክልኻል ኣድላይነቱ ብምጥቃስ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2022 ኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ነዚ ዓይነት ሓለዋ ሂብዎም።
ኣብ ታሕሳስ፡ ሽዑ ብጸሓፊት ኪርስትየን ኒልሰን ዝምራሕ ዝነበረ ክፍሊ ድሕነት ሃገር፡ ኵነታት ኢትዮጵያ ምምሕያሹ ብምጥቃስ፡ ተመለስቲ ከቢድ ሓደጋ ከም ዘየጋጥሞም ብምርግጋጽ፡ እዚ ግዝያዊ ሓለዋታት ከም ዝቋረጽ ኣፍሊጣ ነይራ።
ኣብ ሚያዝያ፡ እቲ ትካል መሰረታዊ ሕጋዊ ኣገባባት ዕሽሽ ኢሉ'ዩ ብምባል መርፊ ነቲ ስጕምቲ ዓጊትዎ።
ድሕሪ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳኛ መርፊ ንኢትዮጵያውያን ዝወሃብ ሓለዋታት ንግዚኡ ዘናውሕ ካልእ ትእዛዝ ኣውጺኡ።
ነዚ ውሳነ ኣብ ዘውጽኣሉ እዋን፡ ነቲ ክፍሊ ድሕነት ሃገር ነዚ ሓለዋ ከየቋርጽ ዝኽልክል ትእዛዝ፡ ክቅይረሉ ዝኽእል ካልእ ነጥብታት እንተ ሃልዮም ኣብ ምድህሳስ'ዩ ኣትዩ።
እቶም ስነ-ሞጎታት፡ እቲ ብ1990 ዝተደንገገ ሕጊ፡ ነቲ ናይ ምስጓግ መከላኸሊታት ንምንዋሕ ወይ ንምቍራጽ ስልጣን ንዋና ዓቃቢ ሕጊ ጥራይ ከም ዝሃቦ እምበር፡ ነቲ ድሒሩ ድሕሪ እቲ ብ11 መስከረም 2001 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተመስረተ ዲኤችኤስ ከም ዘይሃበ ዘጠቓልል እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ካብ ደቡብ ሱዳን፡ ሚያንማርን ሶማልያን ዝመጹ ውልቀሰባት ኣብ ዝምልከት ጉዳያት'ውን ተመሳሳሊ ውሳነ ተዋሂቡ ኣሎ።
ነቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ ዝተቓወሙ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ምምሕዳር ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ኵነታት ይቕጽል ከም ዘሎ ዕሽሽ ኢሉዎ ኣሎ ብምባል'ዮም ዝማጐቱ።
ብተወሳኺ፡ ምቍራጽ ግዝያዊ ሓለዋ ኣካል ናይቲ ጸዓዱ ዘይኰኑን ዘይኤውሮጳውያንን ውልቀሰባት ካብ ኣመሪካ ንምስጓግ ዝግበር ጻዕሪ ምዃኑ ተኻቲዖም።


![ቢን ሳልማን [ማእከል] ብየማኑ ኤርዶጋን፡ ብጸጋሙ ድማ ሸሪፍ](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/7b12/live/e9429690-9998-11f1-870d-5d08c49babb2.jpg.webp)












![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



