ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ "ጽምዶ" መግለጺ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ

ዳይረክተር ወጻኢ ዝምድናታትን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ

ምንጪ ስእሊ, EBC/YOUTUBE

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ "ጽምዶ" ዝበሃል ምንቅስቓስ ንልዑላውነት ኢትዮጵያ ስግኣት እንተ ፈጢሩ ክወስዶ ብዛዕባ ዝኽእል ስጕምቲ ንዲፕሎማስያዊ ማሕበረሰብ ከም ዘፍለጠ ሓቢሩ።

ኣብቲ ሰራዊት፡ ዳይረክተር ወጻኢ ዝምድናታትን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ፡ ነዚ ምንቅስቓስ ናብ "ባይታ ከነውርዶ ኢና" ኢሉም ምንቅስቓስ ንዘካይዱ ኣካላት'ውን ኣጠንቂቑ።

እቲ ዳይረክተር ነዚ ዘፍለጠ ብ22 ግንቦት 2026 ምስ ሃገራዊ ተለቪዥን ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት እዩ። እቲ 21 ደቓይቕ ዝሸፈነ ቃለመሕትት፡ ምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብቲ "ጽምዶ" ዝበሎ ምንቅስቓስ ዘተኰረ'ዩ ነይሩ።

እዚ ቃለመሕትት ናይዚ ሜጀር ጀነራል ዝተመሓላለፈ፡ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ካብ ሱዳንን ኤርትራን ምስ ዝመጽኡ ውልቀ-ሰባት ኣብ ፖርት ሱዳን ዝገበሩዎ ኣኼባ ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምልቃቑ መዓልታት ጸኒሑ እዩ።

እቲ ቪድዮ፡ 'ህድሞና ቲቪ' ኣብ ዝተባህለ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ዝግለጽ ናይ ዩቱብ ቻነል እዩ ተጻዒኑ።

ማሕበራዊ ነጠፍቲ ኤርትራን ትግራይን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክገብሩ ክርኣዩ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ እዚ "ጽምዶ" ዝብል ቃል ምስኡ ተኣሳሲሩ ብተደጋጋሚ ክስማዕ ጸኒሑ።

እዚ ምንቅስቓስ ብደረጃ ህወሓትን ኤርትራን ንዘሎ ዘይግሁድ ርክብ ዝገልጽ እዩ ብምባል ይግለጽ እኳ እንተዀነ፡ ብኽልተኦም ወገናት ብግልጺ ዝተዋህበ መግለጺ ግን የሎን።

ሜጀር ጀነራል ተሾመ ኣብ ቃለመሕትቱ፡ "ካብዚ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ 'ጽምዶ' ዝብል ምንቅስቓስ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ብምጥቃስ፡ "ጸረ-ልዑላውነት፡" ክብል ጸሪሑዎ።

ቀጺሉ፡ "ክሳዶም ብኣርዑት ፋርዖን ክጽመዱ ብዝደለዩ" ኢትዮጵያውያንን "ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ጕጅለታት"ን ዝፈጠሩዎ ምንቅስቓስ ምዃኑ ገሊጹ።

ሰራዊት ምክልኻል ብናቱ መንገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ 'ኣታሼታት' (ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ) ብዛዕባ እዚ ጉዳይ፡ "ግቡእ ርድኢት ክህልዎም ዓቢ ስራሕ" ከም ዝተዓመመ ኣፍሊጡ።

እቶም 'ኣታሼታት' ግንዛበ ክህሉዎም ዝተደልየሉ ምኽንያት እቲ ሜጀር ጀነራል ከብርህ እንከሎ፡ ብፈለማ ንኣምባሳደራቶም ቀረባ ስለ ዝዀኑን ኣብ ባይታ ከነውርዶ ኢና ንዝብሉ ድማ ብዛዕባ ክወስድሎም ዝኽእሉ ስጕምቲ ንምፍላጥን ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ምስዚ ሓሳብ ዝተኣሳሰር ጉዳይ ጽባሕ ንግሆ ዓቢ [ስጕምቲ] ዘውስድ ኵነታት እንተ ተላዒሉ፡ ናይ ማንም ፈቓድ ምሕታት እኳ እንተ ዘይኣድለየ፡ ፈተውትና፡ ምሳና ዝሰርሑ ሰባት፡ ናይ ወጻኢ ሰባት ነዚ ሓሳብ ከም ዝግንዘቡዎ ምግባር ግቡእ ስለ ዝዀነ፡" ክብል'ውን ኣብሪሁ።

ሜጀር ጀነራል ተሾመ፡ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት'ውን ኣብዚ ጉዳይ ተመሳሳሊ ስራሕ ከም ዝዓምም እምነት ከም ዘለዎ ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ ምንቅስቓስ "ንሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ኣስጋኢ" ተገይሩ ከም ዘይውሰድ ዝተዛረበ እቲ ዳይረክተር፡ ነቲ ሓሳብ ንምትግባር ዝውሰድ ስጕምቲ ብዝምልከት ግን ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዝሓለፈ ምያዝያ፡ ብጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን፡ "ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሳ ናይ ሕቡራት ዓረብ ዓረብ ድሮናት" ኣብ ግዝኣቱ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸማ ብምግላጽ ከሲሱ ነይሩ።

ነዚ ክሲ "መሰረት ዘይብሉ" ብምባል ዝመለሰ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን "ንዝተፈላለዩ ጸረ-ኢትዮጵያ ሓይልታት ማእከል ኰይና ተገልግል፡" ምህላዋ ወቒሱ።