ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርክን ፓኪስታንን ስለምንታይ ሓባራዊ ስምምዕ ምክልኻል ተፈራሪመን?

ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ረጀብ ጣይብ ኤርዶጋንን ቀዳማይ ምኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍን ኣብ ቅድስቲ ከተማ መካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ረሲፕ ታይፕ ኤርዶጋን - ቱርኪ፡ ወራሲ-ዓራት ንግስነት ስዑድ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ከምኡ'ውን ሸህባዝ ሸሪፍ - ፓኪስታን ነቲ ውዕል ኣብ መካ ፈሪሞምዎ።
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርክን ፓኪስታንን፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ካብኣተን ዝወርድ መጥቃዕቲ ከም መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰለስተአን ተቘጺሩ ዝምክታሉ ናይ ሓባር ምክልኻል ስምምዕ ተፈራሪመን።

እቲ ስምምዕ፡ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ረጀብ ጣይብ ኤርዶጋንን ቀዳማይ ምኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍን ኣብ ቅድስቲ ከተማ መካ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ እዩ ተኸቲሙ።

እዚ ስምምዕ ዝመጽእ ዘሎ፡ ድሕሪ እቲ ብ28 ለካቲት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየድኦ መጥቃዕቲ፡ ቴህራንን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ንምንቅስቓስ መርከብ እቲ ዓቢ መተሓላለፊ ነዳዲ ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝን ቀይሕ ባሕርን ዝተሰናኸለሉ እዋን ስዒቡ እዩ።

እቲ ኣብ መካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ካብ ቴህራን ሓያል ግብረ-መልሲ ኣጋጢምዎ ኣሎ። ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ባይቶ ኢራን፡ እቲ ውዕል ንስዑዲ ዓረብ ኣየገልግላን እዩ ብምባል ተዛሪቡ።

ኣባል ኮምሽን ሃገራዊ ድሕነት ኢብራሂም ረዛኢ ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ከምቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ንሓደ ወገን ጥራይ ዝጠቅም ምስ ኣመሪካ ዝነበረ ርክብ ድሕነት ዘየምጽኣሎም፡ እቲ ምስ ቱርክን ፓኪስታንን ዝገበርዎ ናይ ወረቐት ስምምዕ'ውን ጸጥታ ከም ዘየምጽኣሎም ስዑዳውያን ክፈልጡ ይግባእ፡" ኢሉ።

ስዑዲ ዓረብን ፓኪስታንን ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ስምምዕ ምእዋጀን ዝዝከር እዩ።

እቲ ሓድሽ "ሓባራዊ ስምምዕ ምክልኻል መካ"፡ ሰለስተ ካብተን ሓያላት ሃገራት ኣስላም ዓለም ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ውሕስነት ንምሃብ ሓቢረን ዝቘማሉ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ሓባራዊ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ስምምዕ "ኣንጻር ዝዀነ ዓይነት ወራር ሓባራዊ መከላኸሊ ንምጥንኻር ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ሃገራት ዝፍጸም ብረት ዝተሓወሶ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኵለን ከም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተቘጺሩ ዝርኣየሉ እዩ፡" ይብል።

ወሲኹ እውን፡ "ኣብ መንጎ ሰለስተአን ሃገራት ንዘሎ ኵሉ ሸነኻት ምክልኻል ንምዕባይ፡" ዝዓለመ ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ ስምምዕ ሓባራዊ ደገፍ ንምሃብ ቃል ይእቶ እምበር፡ ብዛዕባ ግዴታታት ነፍሲ ወከፍ ወገን ዝርዝር ሓሳብ ኣየስፈረን። ሓደ ንቤት ጽሕፈት ዜና ሮይተርስ ቃል ዝሃበ ብዓል ስልጣን ቱርኪ፡ እቲ ውዕል "ንምክልኻል ጥራይ" ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

ፓኪስታን፡ ስዑዲ ዓረብን ቱርክን ነፍሲ ወከፈን ዝተፈላለየ ዓቕምታት ዝውንና ኰይነን፡ ነፍሲ ወከፈን'ውን ካብዚ ስምምዕ ዝተፈላለየ ረብሓታት ይደልያ እየን።

ንስዑዳውያን፡ እዚ ስምምዕ ኣብቲ ብምኽንያት ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ተቐይሩ ዘሎ ጸጥታዊ ኣሰላልፋ እቲ ዞባ፡ ተወሳኺ ዋልታ ድሕነት ዝህብ እዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብኢራን ዝድገፉን ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ዝቈጻጸሩን ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ "ናይ ባሕሪ እገዳ" ምእዋጆም ይዝከር።

ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ስዑዲ፡ ትካላት ነዳድን መርከባታን እውን መጥቃዕቲ ፈጽሞም እዮም።

ብተወሳኺ ስዑዳውያን፡ ዝሓለፈ ዓመት እስራኤል ንላዕለዎት ሰበስልጣን ሓማስ ዒላማ ብምግባር ኣብ ዶሓ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብጽኑዕ ክከታተልዎ ጸኒሖም እዮም።

ብመሰረት ዝሓለፈ ዓመት ዝወጽአ ጸብጻብ ማእከል ስትራተጅያውን ኣህጉራውን መጽናዕቲ (CSIS)፡ "ሃገራት፡ ኣብ መላእ ሃገራት ወሽመጥ ስትራተጅያዊ ምክልኻለን ክድህስሳ፡" ጸኒሐን እየን። እዚ ስምምዕ'ዚ ድማ ሓደ ካብቲ ስዑዲ ዓረብ ዝወሰደቶ ስጕምቲ እዩ።

መጻብቦ ሆርሙስ፡ ባብ ኤል መንደብን መትረብ ስወጽን ዘርኢ ካርታ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንፓኪስታን፡ እዚ ስምምዕ ዝተፈላለየ ግን ድማ መመላእታ ዝዀነ ረብሓታት ኣለዎ። ኣብ ግንቦት 2025 ምስ ህንዲ ዝነበራ ናይ ነዊሕ እዋን ምስሕሓብ ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ ነይሩ።

ምሉእ ብምሉእ ኲናት ክውገድ እኳ እንተ ተኻእለ፡ ቍጠባዊ ሓይሊ ስዑዲ ዓረብን ወተሃደራውን ኢንዱስትርያውን ብቕዓት ቱርክን ኣብ ጐድና ምስላፉ ከም ዓቢ ረብሓ ይውሰድ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ፓኪስታን ኣብ ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ ዝያዳ ግደ ክትጻወት ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን እዩ።

እታ ሃገር ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ከም ኣተዓራቒት ኰይና ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ፤ ዘተታት ምቍራጽ ተዅሲ እውን ኣአንግዳ እያ። እዚ ድማ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ተሰማዕነት ዝያዳ ዘደልድሎ እዩ።

ንቱርኪ እቲ ረብሓታት ዝተፈልየ እዩ።

ብመሰረት ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስ ኢንስቲትዩት (RUSI) ተንታኒት ቡርኩ ኦዝቸሊክ፡ እቲ ስምምዕ ነቲ ዓቢ ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ እታ ሃገር ብምፍራይ ሓባራዊ ኣጽዋር፡ ሽርክነት ቴክኖሎጂ፡ ምዕዳግ ኣጽዋርን ምትሕብባር ወተሃደራዊ ብቕዓትን ሰፊሕ ዕድላት ክፈጥር እዩ።

እቲ ናይ ሓባር ምክልኻል ሓሳብ ብላዕላዩ ቀሊል ይመስል እምበር፡ ብተግባር ግን እቲ ውዕል ኣብ ስራሕ ዝውዕለሉ ኵነታት ዝተሓላለኸን ዘተሓታትትን እዩ።

ንኣብነት፡ እቲ ስዑዲ ምስ ሑቲ እተካይዶ ዘላ ምሉእ ኲናት እንተ ተመሊሱ፡ ቱርኪ ኣብቲ መጥቃዕቲ ክትሳተፍ ግዴታ ክህልዋ ድዩ?

ምስ ህንዲ ዳግማይ ግጭት እንተ ተላዒሉኸ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ህንዲ ኲናት ክትእውጅ ድያ?

ነፍሲ ወከፍ ኵነት ዓሚቝ ቀመርን ጥንቁቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስን ዝሓትት ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ወጥሪ ንኸይውስኽ ዝዓለመ ይኸውን። ብሓጺሩ እቲ ጉዳይ ዘተሓታትት እዩ።

እቲ እዘን ሃገራት ካብዚ ስምምዕ'ዚ ዝጽበያኦ ቀንዲ ውጽኢት ግን "ምክልኻል" እዩ።

ክልተ ሓያላት ሃገራት ኣብ ጐድነን ከም ዘለዋ ምፍላጡ፡ ወራር ንኸይፍጸም ፍጹም ዕንቅፋት እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ዋጋ መጥቃዕቲ ግን ኣዝዩ ልዑል ከም ዝኸውን ዝገብር እዩ።