ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት፡ ንምንታይ ናብ ዋንጫ ዓለም ኣይሓልፋን?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ሊዮኔል ሜሲ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ዋንጫ ዓለም ናይ መጀመርታ ሸቶኡ ከመዝግብ ከሎ፡ እቶም ተዓዘብቲ ብሓጐስ ተሰራሰሩ። እቶም ተዓዘብቲ ኣርጀንቲናውያን እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ነቲ ተድላ ካብ ምክፋል ግን ኣይተዓገቱን።
ኣብ ርእሰ-ከተማ ባንግላድሽ ዳካ፡ ነቲ ጸወታ ንምዕዛብ ዝተኣከቡ ሰባት ነታ ፍልጥቲ ጻዕዳን ሰማያዊትን ማልያ ተኸዲኖም ነይሮም።
ኣብ ከተማታት ህንዲን ኢንዶነዥያን እውን፡ ተዓዘብቲ ነቲ ግጥም ብሓያል ስምዒት ተኸታቲሎምዎ እዮም።
እቶም ንሜሲን ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲናን ዝድግፉ ዝነበሩ ተዓዘብቲ፡ ሃገራቶም ግን ናብ ዋንጫ ዓለም ኣይሓለፋን።
ካብተን ልዑል ጻዕቂ ህዝቢ ዘለወን 10 ሃገራት ዓለም፡ ክልተ ጥራይ እየን ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ዋንጫ ዓለም ክሳተፋ ዝኸኣላ። ንሳተን ድማ ብራዚልን ኣመሪካን እየን።
ቅድሚ ሕጂ ሩስያን ናይጀርያን ኣብ ዋንጫ ዓለም ተሳቲፈን እየን።
ቻይናን ኢንዶነዥያን ኣብዚ ፍሉጥ ስፖርታዊ መድረኽ ሓንሳብ ጥራይ እየን ተሳቲፈን።
ብብዝሒ ህዝቢ ንዓለም እትመርሕ ዘላ ህንዲ፡ ባንግላድሽ፡ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን፡ ናብ ዋንጫ ዓለም ንምብጻሕ ካብ ምምናይ ሓሊፈን ተሳተፍቲ ክዀና ኣይበቕዓን።
ብ1950 ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ህንዲ ተሳቲፋ እኳ እንተ ነበረት፡ ብዙሕ ከይጸንሐት ግን ካብቲ ውድድር ተኣልያ።
ፍልጥቲ ተዋሳኢት፡ ጸሓፊትን ፈታዊት እግሪ ኩዕሶን ዝዀነት ባንግላዲሻዊት ኣውዲት ካሪም፡ "ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ፈተውቲ ኩዕሶ እግሪ ዘለዋ ሃገር፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ንድሕሪት ምትርፋ ተቐባልነት የብሉን፡" ትብል።
ንምዃኑ፡ ልዑል ጻዕቂ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ንምንታይ ናብ ዋንጫ ዓለም ክሓልፋ ኣይክእላን?
ስፍሓት ሃገርዶ ኣበርክቶ ይህልዎ ይኸውን?
ብደረጃ ክልሰ-ሓሳብ፡ ልዑል ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር፡ ሓያሎ ስፖርተኛታት ናይ ምፍራይ ዝለዓለ ዕድል ይህልዋ።
ካብተን ዋንጫ ዓለም ዝዓተራ ሸሞንተ ሃገራት፡ እተን ሸውዓተ ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን እየን። ንሳተን ድማ ኣርጀንቲና፡ ብራዚል፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያን ስጳኛን እየን።
ካብዚ ጕጅለ'ዚ ወጻኢ ዝዀነት ግን ኡራጓይ ጥራይ እያ።
እንግሊዛዊ ክኢላ ስነ-ቝጠባ ስቴፈን ስያማንስኪ ከም ዝገልጾ፡ ምስ ዋንጫ ዓለም ተኣሳሲሩ ኣብ ግምት ዝኣቱ ጉዳይ ብዝሒ ህዝቢ ጥራይ ኣይኰነን።
"ኩዕሶ እግሪ ምስ ቍጠባ ተመሳሳሊ ኣሰራርሓ እዩ ዘለዎ። ክልተኦም ክዓብዩ እንተዀይኖም ሰባት የድልይዎም። ርእሰ-ማልን መሰረተ-ልምዓትን እውን የድልዮም እዩ፡" ይብል።
ኣብ ኩዕሶ እግሪ፡ መለማመዲ ቦታታትን ተውህቦ ዘለዎም ተጻወትቲ ምርካብን ወሳኒ ተራ ኣለዎም።
ምስ ሳይመን ኩፐር ዝተባህለ ክኢላ ብምትሕብባር ብመሰረት ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ሓንቲ ሃገር ንዝዀነ ውድድር ንምዕዋት "ብገምጋም ኣብ ዓመት ኣስታት 15,000 ዶላር ውልቃዊ እቶት የድልያ።"
ብራዚልን ኣርጀንቲናን ናይ ውሽጢ ሃገር ጠቕላላ ፍርያተን ካብዚ ዝተሓተ እኳ እንተዀነ፡ ብድምር ግን ሸሞንተ ዋንጫ ዓለም ዓቲረን እየን።
እቲ እንግሊዛዊ ክኢላ ስነ-ቝጠባ፡ ኣብ ርእሲ እቶት ክእለትን ተውህቦን ክውሰኽ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ድማ በዚ ምኽንያት እዩ።
"ክእለት ብተመኵሮ እዩ ዝዓቢ። እተን ዋንጫ ዓለም ዝዓተራ ሃገራት፡ ቅድሚ ምብቃዕ መግዛእቲ ናይ 100 ዓመት ተመኵሮ ዝነበረን እየን፡" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኡራጓይ 3.5 ሚልዮን ህዝቢ ጥራይ እኳ እንተ'ለዋ፡ ክልተ ግዜ (ብ1930ን 1950ን) ዋንጫ ዓለም ክትዓትር ዝኸኣለት ድማ በዚ ምኽንያት እዩ።
ፈላማይ ኣህጉራዊ ግጥም ኡራጓይ ብ1902 ምስ ኣርጀንቲና ዝተኻየደ ኰይኑ፡ 6 ብ 0 ድማ ክትዕወት ክኢላ።
መጀመርታ ግጥም ብራዚል ድማ ካብዚ ብ12 ዓመታት ጸኒሑ እዩ ተኻይዱ።
ናይ ኣፍሪቃን ደቡብ እስያን ሃገራውያን ጋንታታት ዕድመ ካብዚ ዝሓጸረ ኰይኑ፡ ኩዕሶ እግሪ'ውን ኣብዚ ዞባታት ድሒሩ እዩ ተዘርጊሑ።
ይዅን'ምበር፡ ከም ሞሮኮ ዝኣመሰላ ጋንታታት ዓወት ክሓፍሳ ክኢለን እየን።
ሞሮኮ ኣብ 2022 ኣብ ቐጠር ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ናብ ፍርቂ ፍጻመ ብምብጻሕ፡ ታሪኽ ዝሰርሐት ፈላሚት ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን ክኢላ።
ኣብ 2002 ነቲ ዋንጫ ዓለም ምስ ጃፓን ብሓባር ዘአንገደት ደቡብ ኮርያ፡ ምስ ዝለዓላ ኣርባዕተ ሃገራት ዝወድአት ናይ መጀመርታ እስያዊት ሃገር ክትከውን ክኢላ።
"ኢንዶነዥያ፡ ህንዲ፡ ባንግላድሽ ኰነ ካልኦት ሃገራት ግን ገና ኣብዚ ደረጃ እዚ ክበጽሓ ኣይከኣላን፡" ክብል እቲ ብዓል ሞያ የብርህ።
እዘን ሃገራት ዘለወን ዓቕምን ክእለትን ድሩት ብምዃኑ ንድሕሪት ክተርፋ ከም ዝገበረን ይገልጽ።
ናይ ኢትዮጵያ ጸገምከ እንታይ እዩ?
ኢትዮጵያ ብ1962 ዋንጫ ኣፍሪቃ እኳ እንተ ዓተረት፡ ናብ ዋንጫ ዓለም ሓሊፋ ግን ኣይትፈልጥን።
ኢትዮጵያ ምስተን ንኣፍሪቃ ዝውክላ ናብ ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ተቓሪባ ዝነበረትሉ እዋን ብ2014 ነይሩ፣ ይዅን'ምበር ብናይጀርያ ተሳዒራ።
ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕጽረት ወፍሪ ከም ዝተፈተነ ተንተንቲ ይገልጹ።
እታ ሃገር፡ ሃገራዊት ጋንታኣ ኣብ ቅድሚ ደገፍታ እትጻወተሉ ደረጅኡ ዝሓለወ ስታድዩም ከም ዘይብላ'ውን ይንገር።
ኣካያዲ ስራሕ ፕረምየር ሊግ ኢትዮጵያ ክፍሌ ሰይፈ ኣብ ሰነ ምስ ጋዜጣ "ሪፖርተር" ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ኣብዚ ግዜ'ዚ ፍቓድ ኣብ ዝተዋህቦም ሰለስተ ስታድዩማት ጥራይ 380 ግጥምታት ኣካይድና ኣለና፡" ኢሉ ነይሩ።
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምሕላፍ ምስ ሞሮኮ ክትገጥም ከላ፡ እትጻወተላ ስታድዩም ስኢና ከም ዝነበረት ዝዝከር እዩ።
ካብ ኩዕሶ እግሪ ወጻኢ ዘለዉ ኣማራጺታት
ገሊአን ሃገራት ካብ ኩዕሶ እግሪ ወጻኢ ብዝዀኑ ዓውድታት ስፖርት ዝያዳ ፍሉጣት ከም ዝዀና ምግላጽ የድሊ።
ንኣብነት ኣብ ህንዲ ብሰፊሑ ዝዝውተር ክሪኬት እዩ። ናይታ ሃገር ናይ ክሪኬት ሊግ ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ሃብታም ሊግ ከም ዝዀነ ይንገር።
ማእከላይን ልዑልን እቶት ዘለዎም ወለዲ፡ ደቆም ኣብ ስፖርት ክሪኬት ክነጥፉ እዮም ዘተባብዑ።
መሰልጠኒ ተጻወትቲ ዝነበረ ሻም ታፓ፡ "ወለዲ፡ ደቆም ኣብ ኩዕሶ እግሪ ክዕወቱ ከለዉ እውን እቶት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ክርድኡ ይግባእ፡" ይብል።
ኣውዲት ከም እትገልጾ ግን ከም ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዘመሰላ ሃገራት ኣብ ክሪኬት ጽቡቕ ስም እኳ እንተ ኣለወን፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ'ውን ፍሉይ ስም ክህልወን ክኢሉ እዩ።
"ኣብ ዋንጫ ዓለም ንምስታፍ እኹል ምድላውን መዋቕራዊ ኣሰራርሓን የብልናን፡" ክትብል ተብርህ።
ናይ ቻይና ጉዳይ ንበይኑ ክርአ ዝከኣል እዩ። እታ ሃገር ኣብ ኦሎምፒክ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ሃገራት ኰይና ትቕጽል ኣላ።
ኣብ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ኩዕሶ እግሪ ግን ተመሳሳሊ ውጽኢት ክምዝገብ ኣይተራእየን።
ኣብ በይጂንግ ዝነብር ናይ ኩዕሶ እግሪ ተንታኒ ማርክ ድራየር፡ "ቻይና ኣህጉራዊ ደረጃ ዘለዎም ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ከተፍሪ ዘይትኽእለሉ ምንም ምኽንያት የሎን፡" ይብል።
ቀንዲ ጸገም ቻይና ኵሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ምዃኑ እዩ ክብል የብርህ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መምርሒታት ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ብሰንሰለት ስለ ዝመሓላለፍ፡ ኩዕሶ እግሪ ንኽዓቢ ናይቶም ሰበስልጣን ደገፍን ድፍኢትን ወሳኒ እዩ።
ቻይና ካብ 2010 ጀሚራ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ብዙሕ ገንዘብ እኳ እንተ ኣፍሰሰት፡ ካብ 2002 ጀሚሩ ግን ናብ ዋንጫ ዓለም ክትምለስ ኣይከኣለትን።
ኢንዶነዥያ ኣብ 1938 ኣብ ዋንጫ ዓለም ተወዳዲራ ነይራ እያ፣ ድሕሪኡ ግን ክትምለስ ኣይከኣለትን። ኣብዚ ዓመት'ዚ ጽቡቕ ምንቅስቓስ ተርኢ'ምበር፡ ናብቲ ውድድር ግን ክትሓልፍ ኣይከኣለትን።
ኢንዶነዥያ፡ ኢንዶነዥያዊ ዓሌት ዘለዎም ኤውሮጳውያን ተጻወትቲ'ውን ኣሳቲፋ እያ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኢንዶነዥያ ጀሮም ዊራዋን፡ "ሸሞንተ ወይ ትሽዓተ ኣብ ኤውሮጳ ዝተወልዱ ተጻወትቲ ዝበጽሕሉ እዋን ኣሎ፡" ይብል።
ፓኪስታንን ባንግላድሽን ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዙር ጸወታታት እየን ካብ ውድድር ወጺአን።
ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምኽንያታት፡ ፊፋ ካብ 2017 ክሳዕ 2025 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ንፓኪስታን ሰለስተ ግዜ ካብ ውድድራት ኣጊድዋ ነይሩ።
ፈታዊት ኩዕሶ እግሪ ዝዀነት ኣውዲት ከም እትገልጾ፡ ሓያሎ ሃገራት ናብ ዋንጫ ዓለም እኳ እንተ ዘይሓለፋ፡ በቲ ውድድር ምዝንጋዕ ግን ከም መተካእታ ገይረን ይወስድኦ እየን።
"ኣብዚ መዋእል ዕድመይ ንባንግላድሽ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክርእያ እየ ኢለ ክሓስብ ኣይክእልን። እንተዀነ፡ ዜጋታት ባንግላድሽ በቲ ዋንጫ ዓለም ምዝንጋዖም ክቕጽሉ እዮም።"









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
