ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ሱዳን ንምሽምጋል ስለምንታይ ሕጂ ተበጊሳ?

መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣልቡርሃን
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሱዳን ሰላም ንምውራድ ዘቕረቦ ጻውዒት፡ ብዳዕመ-ሰሪዕን ካልኦት ፖለቲካዊ ጕጅለታትን ተቐባልነት ክረክብ ከሎ፡ መንግስቲ ሱዳን ግን ንጉዳይ ገለልተኛነት ከም ምኽንያት ብምቕራብ ነጺጉዎ።

እዚ ብዓረብኛ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ጻውዒት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ንዝርከቡ ወገናት ብምቅርራብ መኣዲ ሰላም ንምጥጣሕ ድልውቲ ምዃና ዘፍልጥ እዩ ነይሩ።

እዚ ጻውዒት ዕርቂ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ፖለቲካዊ መሻርኽቱ ዝዀነ ታቓዱምን ኪዳን ስቪላዊ ደሞክራስን ክቕበልዎ ከለዉ፡ ሰራዊት ሱዳን ግን ኢትዮጵያ ንመናሓንሕቱ ትድግፍ እያ ብዝብል ክሲ ኣይተቐበሎን።

እዚ ጻውዒት ኣብ ባይታ ክትግበር ዝኽእል ድዩ? ስለምንታይከ ኣብዚ እዋን እዚ ክቐርብ ተደልዩ? ቢቢሲ ምስ ሰለስተ ንጉዳያት ፖለቲካን ኣህጉራዊ ርክባትን ዝከታተሉ ሰብ-ሞያ ብምዝርራብ ነዚ ዝስዕብ ትንተና ኣዳልዩ ኣሎ።

መራሕቲ ሰራዊት ሱዳንን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ምስሕሓብ ካብ ዝኣትዉ ነዊሕ እዋን ኰይኑ ኣሎ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ንዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ብምባል ክኸስስ ከሎ፡ ኢትዮጵያ'ውን ብግደኣ ሱዳን ንዕጡቓት ትድግፍ ኣላ ብምባል ክትከስስ ጸኒሓ እያ።

ርክብ ክልተአን ሃገራት እናሻሕኸረ ስለ ዝመጽአ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ቈንስላታት ክሳብ ምዕጻውን ዲፕሎማሰኛታት ምብራርን በጺሐን ነይረን።

ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነ ተንታኒ ፖለቲካ ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ ከም ዝብሎ፡ እዚ ጻውዒት ዝመጽአ፡ እቲ ብኢትዮጵያ ይድገፍ እዩ ዝበሃል ዳዕመ-ሰሪዕ ይዳኸመሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ስለዚ፡ ርክብ ክልተአን ሃገራት ኣዝዩ ኣብ ዝሻሕከረሉ ግዜ ዝቐረበ ጻውዒት ብምዃኑ፡ ኢትዮጵያ ብወገን ሰራዊት ሱዳን ከም ገለልተኛ መተዓረቒት ኰይና ኣይትርአን እያ ይብል።

ኣብ ኖርወይ ዝነብር ተመራማሪ ፖለቲካዊ ቍጠባ ዶክተር ደርበ መኰንን፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን እዚ ጻውዒት ሰላም ከተቕርብ ዝደለየትሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ መከላኸሊ ዝኸውን "ዲፕሎማስያዊ ዋልታ" ትደሊ ስለ ዘላ ምዃኑ የረድእ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ገለ ከባቢታት ላዕለዋይ ኢድ እናረኸበ ክመጽእ ከሎ፡ ሓለፍቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ከኣ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ይጽንበሩ ኣለዉ።

በዚ ድማ ኢትዮጵያ ነቲ ሱዳን እተቕርበላ ክስታት መከላኸሊ ክዀና ዝኽእል ዋልታ ከተዳሉ ደልያ ኣላ ይብል። ብተወሳኺ፡ መራሕቲ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ኤርትራን ሶማልያን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ከተማ ኣል-ዓለመይን ዝገበሩዎ ስምምዕ ንኢትዮጵያ ኣብ ከበባ ንምእታው ዝዓለመ ምዃኑ ዶ/ር ደርበ ይገልጽ።

ስለዚ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ጥምረት ንምድኻም ወይ ንምብታን፡ ነታ ብዂናት ዝተዳኸመት ሱዳን ከም መእተዊት ማዕጾ ተጠቒማ ናብ መንጎ ብምእታው ክልተኦም ኣካላት ክትዓርቕ ትጽዕር ከም ዘላ ይትንትን።

ሓደ ካብቲ ካልእ ዕላማ ድማ ነቲ ብዳዕመ-ሰሪዕ ዝተፈጥረ ጸገም ብምግምጣል፡ ካብ ዕጡቓት ሓይልታት ወጻኢ ዝዀነ ስቪላዊ መንግስቲ ሕጋውነት ክረክብ ንምግባር ዝግበር ጻዕሪ ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምን።

ምስዚ ኵሉ ብድሆታት ግን፡ ጻውዒት ኢትዮጵያ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ዝኣምኑ ሰብ-ሞያ ኣለዉ።

ተመራማሪ ትካል ጉዳያ ወጻኢ ዶ/ር ዳርእስከዳር ታየ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግደ ግብጺ እናዓበየ ይመጽእ ስለ ዘሎን ሱዳን ኣብ ሓደገኛ ደረጃ ስለ ዝበጽሐትን፡ ነዚ ናይ ዘተ ጻዕሪ ምድጋፍ ኣገዳሲ ምዃኑ የብርህ።

ክስታት ካብ ክልተኡ ወገን ክቐርብ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ ከም ጐረቤት ሃገር መጠን ንጉዳያ ሱዳን ናይ ምትሕብባር ሓላፍነት ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ኣብዚ እዋን ካብኣ ዝሓሸ ኣተዓራቒ የሎን ይብል።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ርእሰ-ከተማ ካርቱም ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን መበገሲኡ ኢትዮጵያ እያ ብምባል ሱዳን ድሕሪ ምኽሳሳ ዝመጽአ እዚ ጻውዒት፡ ብሰራዊት ሱዳን ተነጺጉ ምትራፉ ንዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልተአን ሃገራት ዝያዳ ከም ዘሻሕክሮ ይግመት።

እቲ ጻውዒት ብዳዕመ-ሰሪዕን ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታትን ተቐባልነት ምርካቡ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ፖለቲካ ሱዳን ጽልዋ ክህልዋ ዝገብር እኳ እንተዀነ፡ ብዘይ ተሳትፎ እቲ ቀንዲ ወተሃደራዊ ሓይሊ መንግስቲ ሱዳን ግን እዚ ተበግሶ ዘተ ኣብ ባይታ ክትግበር ዘለዎ ዕድል ጸቢብ ከም ዝዀነ ተንተንቲ ይእምቱ።