ገለ ከተማታት ኣፍሪቃ ብዝቐልጠፈ ይጥሕላ ምህላወን ሳተላይት ኣርእዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገለ ካብተን ዝዓበያ ከተማታት ኣፍሪቃ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሕሰብ ዝነበረ ብዝቐልጠፈ መንገዲ ይጥሕላ ከም ዘለዋ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣርእዩ።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብ ትሕቲ 20 ዝዀና ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ከተማታት ኣፍሪቃ ዘሎ መሬት ክንደይ ከም ዝተንቀሳቐሰ ንምልካዕ፡ ካብ ናይ ትካል ህዋ ኤውሮጳ ሳተላይታት 'ሰንቲነል-1' ዝተረኽበ ምስሊታት ራዳር ተጠቒሞም።
እቲ መጽናዕቲ፡ ሌጐስ ናይ ናይጀርያን ኣሌክሳንድርያ ናይ ግብጽን ሓዊሱ ገለ ከተማታት፡ ኣካል ክሊማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ በይነ-መንግስታዊ ፓነል ለውጢ ክሊማ (IPCC) ኣብ 2021 ካብ ዝገመቶ ብኣዝዩ ዝቐልጠፈ መንገዲ ይጥሕላ ከም ዘለዋ ኣረጋጊጹ።
ገለ ጠንቅታት ናይዚ ምጥሓል ወይ ምስጣም መሬት ተፈጥሮኣውያን እኳ እንተዀኑ፡ ብዙሓት ግን ከም ምውጻእ ማይ ትሕቲ መሬት ዝኣመሰሉ ውጽኢት ንጥፈታት ደቂ-ሰብ እዮም።
ቀንዲ ጸሓፊ እቲ መጽናዕቲ ኦሉዋሰዪ ዳሾ፡ ሳዕቤናት ምስጣም መሬት "ኣብ መዓልታዊ ህይወት መብዛሕትኡ ግዜ ኣይረኣዩን እዮም፤ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ግን ንዕልቕልቕ ውሕጅ ናይ ምቅላዕ ሓደጋ ብዓቢኡ ክውስኹ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ።
እዚ ድማ መሬት ክጥሕል እንከሎ ብመንጽር ባሕሪ ዝያዳ ስለ ዝትሕት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብለውጢ ክሊማ ዝስዕብ ምውሳኽ ብራኸ ባሕሪ ተወሳኺ ሓደጋ ስለ ዝፈጥር እዩ።
ክሳዕ 2050 ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት፡ ሓደ ቢልዮን ህንጻታትን 180 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንብረትን ንሓደጋ ውሕጅ ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ገሚቱ'ሎ።
ሳተላይታት ዝያዳ ንጹር ምስሊ ሂበን
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ሕጽረት መደበራት ክትትል፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ኣብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ምስጣም መሬት እዋናውን ከባቢያውን ሓበሬታ ከይረኽቡ ዓጊትዎም ከም ዝጸንሐ ዳሾ ገሊጹ።
ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂንያ ቴክ ግን ሓበሬታ ሳተላይት ብምጥቃም፡ ኣብ ዓመት ክሳዕ 1 ሚሊሜተር ዝንእስ ምንቅስቓስ መሬት ከለልዩ ክኢሎም እዮም።
ላዕለዋይ ጸሓፊ እቲ መጽናዕቲ ማኑቸህር ሺርዛኢ፡ ሳተላይታት ሰንቲነል-1 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ክሳዕ 12 መዓልታት ኣብ ልዕሊ ሓደ ዞባ ምድሪ ከም ዝበራ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"እታ ሳተላይት ምልክት ራዳር ትልእኽ፤ ንሱ ድማ ንመሬት ወቒዑ ናብታ ሳተላይት ይምለስ" ክብል እቲ ፕሮፈሰር ስነ-ምድሪ ኣብሪሁ። እዚ መስርሕ ድማ ኣብ "ብዙሕ ተደጋጋሚ ምብጻሓት" ይድገም።
ኣብ መንጐ ምልኣኽን ምምላስን እቲ ምልክት ዝወስዶ ግዜ ይምዝገብ፤ ኣብዚ ኣሃዝ ኣብ ከይዲ ግዜ ዝረአ ለውጢ ድማ እቲ መሬት ክንደይ ከም ዝተንቀሳቐሰ የርኢ።
ኣብ ትሕቲ ኣሌክሳንድርያን ሌጐስን ዘሎ መሬት፡ ኣብ ዓመት ብገምጋም 6 ሚሊሜተርን 5 ሚሊሜተርን ብቅደም ሰዓብ ከም ዝጠሓለ ተረጋጊጹ።
እዚ ፍጥነት እንተ ቐጺሉ፡ ብመሰረት ማእከላይ ግምት ወሰኽ ንዓለም ዘውዕዩ ጋዛት፡ ብራኸ ባሕሪ ከባቢ ኣለክሳንድርያ ክሳዕ 2050 ካብቲ IPCC ዝተነበዮ ብ36% ዝያዳ ክውስኽ እዩ።
ሉዋንዳ ናይ ኣንጎላ እውን ብርኡይ ጠሒላ እያ፤ ከም ደርባን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰላ ካልኦት ከተማታት ግን ርጉኣት ኰይነን ጸኒሐን ወይ እውን ብውሑድ ክብ ኢለን እየን።
ሺርዛኢ፡ IPCC ነቲ ሓደጋ ኣበይ ኣትሒቱ ከም ዝገመቶ - ከምኡ'ውን ኣበይ ኣጋኒኑ ከም ዝገመቶ - ምርኣይ፡ ኣውጻእቲ መደብ ጸጋታት ብዝበለጸ ውጽኢታውነት ንኽምድቡ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ብከባቢያዊ ንጥፈታት ዝስዕብ ምጥሓል
መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል
ሰብ-ሰርሖ ጠንቅታት ምስጣም መሬት መብዛሕትኡ ግዜ "ኣዝዮም ከባቢያውያን እዮም፤ እዚ ማለት ድማ ከባቢያዊ ፖሊሲታት ብምሕንጻጽ ክንከላኸለሎም ንኽእል ኢና" ክብል ሺርዛኢ ኣብሪሁ።
ሓደ ቀንዲ ጠንቂ፡ ምውሳኽ ሃልኪ ማይ ናይተን ብፍጥነት ዝዓብያ ዘለዋ ከተማታት እዩ። ልዕሊ ዓቐን ማይ ካብ ትሕቲ መሬት ምውጻእ፡ እቲ ሓመድ ክጽቀጥን ላዕለዋይ ገጽ መሬት ክጥሕልን ክገብር ይኽእል።
ኣብ ሩባ ናይል ዝርከብ ዲጋ ኣስዋን እውን ኣብ ላዕለዋይ ተፋሰስ ሓመድን ድበትን ብምዕጋት፡ ኣብ ኣለክሳንድርያ ዝጠሓለ መሬት ከይትካእ ይኽልክል ከም ዘሎ እቲ መጽናዕቲ ይእምት።
ኣብ ሌጐስ ድማ፡ ሰብ-ሰርሖ ደሴታት ንምፍጣር ንባሕሪ ብምምላእ መሬት ምጥራይን ኣብ ድኹም መሬት ህንጻታት ምህናጽን ካልኦት ክዀኑ ዝኽእሉ ጠንቅታት ምስጣም መሬት እዮም።
ከተማታት ከይጥሕላ ካብ ዝሕግዙ መንገድታት፡ ካልኦት ምንጭታት ማይ ምቕራብን ውሑድ ማይ ዝጠልቡ ኣእካል ምዝራእን ይርከብዎም።
"ነቲ ከነቃልሎ ዘይንኽእል ኵሉ፡ ምስኡ ክንላመድ ንፍትን" ክብል ሺርዛኢ ወሲኹ። እዚ ድማ መከላኸሊ ውሕጅ ምህናጽ ወይ ቀንዲ ትሕተ-ቅርጽታት ናብ ዝበረኸ ቦታ ምግዓዝ ከጠቓልል ይኽእል።
ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብሰንኪ ሕጽረት ክትትል ካብ ብዙሕ ውጥናት ምውሳኽ ብራኸ ባሕሪ "ተገሊለን" ከም ዝጸንሓ እቲ ፕሮፈሰር ገሊጹ።
ኣብዚ መጽናዕቲ ዝማዕበሉ ሜላታት፡ ከም ደሴታት ፓሲፊክ ኣብ ዝኣመሰሉ ካልኦት ዞባታት ዘሎ ጋግ ፍልጠት ንምምላእ ክውዕሉ ከም ዝኽእሉ ሺርዛኢ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ኦሉዋሰዪ ዳሾ፡ እቲ ኣብ መጽሔት 'ሳይንስ ኣድቫንስስ' ዝተሓትመ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ መንግስታት ኣፍሪቃ "ንመጻኢ ብድሆታት፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ ንመጻኢ ወለዶታት ብግቡእ ንኽዳለዉ" ክሕግዞም ተስፋ ከም ዝገብር ገሊጹ።




















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)





