ኣብ ሓደጋ መኪና፡ ስለምንታይ ደቀንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብ60% ዝያዳ ይጕድኣ?

ምንጪ ስእሊ, ጌቲ
ኣይግበሮ እምበር ሓደጋ መኪና እንተ ኣጋጢሙ፡ እሞ ድማ ኣብታ ተሽከርካሪት ወድን ጓልን ምስ ዝህልዉ፡ እታ ጓል ዝያዳ ክትህሰ ከም እትኸእል ሓደሽቲ መጽናዕትታት የመልክቱ።
ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ኣብ ሓደጋ መኪና ናይ ምጕዳእ ተኽእሎአን ብ60 % ዝለዓለ ምዃኑ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ግራዝ ዘካየድዎ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ።
"መጽናዕትና ከም ዘመልክቶ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ኣብ ኣፍልቢ፡ ዓንዲ ሕቖ፡ ቅልጽምን እግርን ብዘይመጠን ከም ዝጕድኣ ይሕብር" ትብል ኣካያዲት እቲ ፕሮጀክት ዶክተር ኮሪና ክሉግ ።
ክሉግን ጉጅለኣን፡ ካብ ዓመታት 2012–2024 ዝነበረ ኣስታት 2000 ሓደጋታት ጽርግያ ተመልኪቶም።
ቀጺሎም፡ ኣብ እዋን ምግጫው ኣብ ኣካላት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እንታይ ከም ዘጋጥም ንምንጽጻር፡ ቨርቹዋል ሞዴላት ሰብ - ናይ ኮምፒተር ምምስሳል - ተጠቒሞም ሓደጋታት ከም ዝኽሰቱ ገይሮም።
እቶም ተመራመርቲ ፡ ብፍላይ ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ንመጕዳእቲ ከም ዝቃላዓ ተዓዚቦም።
ብተወሳኺ፡ እተን ተሽከርከርቲ ብትሑት ፍጥነት ኣብ ዝሕምበባሉ እዋን ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን እንከይተረፈ፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ልዕሊ ዕጽፊ ከቢድ ናይ ምጕዳእ ወይ ምማት ተኽእሎ ነይርወን።
ክሉግ ንቢቢሲ ሳይንስ ፎከስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ኣብ መጽናዕትና፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ሓደ ዓይነት ሓደጋታት ተሳቲፎምን ኣብ ሓደ ዓይነት መካይን ተጓዒዞምን እዮም፡'' ብምባል እቲ ፍልልይ ብሰንኪ ዓይነት ተሽከርካሪት፡ ፍጥነት ሓደጋ ወይ ኣቃውማ ሓደጋ ከም ዘይነበረ ተረደእ።
"ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ተጓዓዝቲ ብምዃነን ነቲ ክፍተት ዝውስኾ እኳ እንተኾነ በዚ ረቋሒ'ዚ ጥራይ ግን ክግለጽ ኣይክእልን'ዩ፡" ክትብል ትውሰኽ።
ክሳብ ክንድ'ዚ ጋግ ዘምጽእ ዘሎ ደኣ እንታይ እዩ?
እታ ተመራማሪት ከም እትብሎ፡ እዚ ንሓደጋ ዝያዳ ተቓላዕቲ ክኾና ዝድርኽ ካብቲ ኣብ መንጎ ኣካላት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ዝተፈላለየ መጠን ግዝፍን ክብደት ሰብነትን ዝመጽእ እዩ።
እዚ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ድሕነት መኪና ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝተፈተነሉን ዝተነድፈሉን ኣገባብ እዩ።
ብፍላይ ኣፍረይቲ፡ ካብ ናይ 1970ታት ኣመሪካ ዲሞግራፊካዊ ማእከላይ ደረጃ ዝተሰርሑ፡ 175 ሰ.ሜ ዝቝመቱን 78 ኪሎ ዝኽብደቱን ብዓቐን ክንዲ ሓደ ሰብኣይ ዝተሰርሐ ናይ መፈተኒ ባንቡላ (ዳሚ) ተጠቒሞም፡ ንናይ ሓደጋ ማህሰይቲ ፈቲኖም።
እዚ ማለት ግን ኣፍረይቲ ኩሉ ግዜ ነዞም ናይ ደቅተባዕትዮ ዳሚ ይጥቀምሉ ማለት ኣይኮነን። እኳ ደኣ ኣብዚ እዋን'ዚ ናይ ደቀንስትዮ ሞዴላት ዳሚ ገይርካ ምፍታን እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ።
እንተኾነ - እዚኦም ግን ንኣሽቱ ዓቐን ወይ ንእስ ዝበሉ ካልእ መልክዕ ናይቶም ኣቐዲሞም ክስርሑ ዝጸንሑ ናይ ወዲ ተባዕታይ ዳሚ ጥራይ ብምዃኖም፡ ካብ ሓቀኛ ግዝፍን ሚዛንን 95 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓጸሩን ዝኸበዱን እዮም።
ክሉግ፡ "ደቂ ኣንስትዮ ንኣሽቱ ደቂ ተባዕትዮ ኣይኮናን" ብምባል፡ " ሞዴላት ኣዝየን ንኣሽቱን ቀጠንትን ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣብቲ ሓደጋታት እንዕዘቦ ክውክላ ኣይክእላን እየን፡" ትብል።
ስለዚ ተሽከርከርቲ ብዝተኻእለ መጠን ንኣካላት ደቂ ተባዕትዮ ውሑስ ኮይነን ክህነጻ እንከለዋ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ብዘይመጠን ንልዑል ሓደጋ ተቓላዕቲ ኮይነን ይቕጽላ ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, ጌቲ
እቲ ፍታሕ ደኣ እንታይ እዩ?
ነዚ ጸገም ንምፍታሕ፡ እቶም ጸሓፍቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ሓደጋ - መፈተኒ ባንቡላትታ ( ዳሚ) ዝኸበዳን ብቕርጺ ሰብነት ናይ መጠነኛ ግዝፊ ሰውነት ዘለዋወን ደቀንስትዮ ክውክላን ከም ዘለወን ይዛረቡ።
እዚ ማለት ካብቶም ሕጂ ዘለዉ ዳሚታት ዝሰፍሐ ጎሎ፡ ዝመልአ ኣፍልብን ዝነኣሰ መንኵብን ክህልዎም ኣለዎ።
ብተወሳኺ፡ ኣፍረይቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላትን ኣቀማምጣ ኮፍ መበሊን ድሕነት ተሽከርከርቲ ንኽግምግሙ ንምሕጋዝ፡ ቨርቹዋል ሞዴላት ሰብ - ናይ ኮምፒዩተር ምምስሳል - ክጥቀሙ ሓሳብ ኣቕሪቦም።
ክሳብ ሽዑ ግን፡ ተጠቀምቲ መካይን ካብ ኣቀማምጣ ኮፍ መበሊኦም ጀሚሮም ድሕነቶም ከማሓይሹ ዝኽእልሉ ሓያሎ መንገድታት ኣለዉ።
ተመራማሪት ክሉግ፡ "ኩላትና መንበር ተሳፈርቲ ኣብ ድሕሪት ርሒቑ ወይ'ውን ደቂሱ ከይተረፈ ርኢናዮ ኢና። እንተኾነ፡ ኣየርባግ ይኹን መቐነት ድሕነት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይመደበኛ ኣቀማምጣታት ኣይተዳለወን፡" ክትብል ንሓደገኛነቱ ተረድእ።
እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ብፍላይ ደቂሱ ወይ ካብቲ ዝተሰራዓሉ ቦታ ርሒቑ ኣብ ዝተቐመጠ መንበር ኮፍ ዝበለ ተሳፋራይ፡ ካብ መንበር መራሒ መኪና ዘሎ ዝያዳ ሓደገኛ ኣቀማምጣ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።
ተሓጋግዚ ጸሓፊ እዚ መጽናዓቲ ዶክተር ፌሊክስ ረሲ ብወገኑ ፡ "መቐነት ድሕነት ብግቡእ ብምግባር ድሕንነትካ ምውሓስ ይግባእ ' ክብል ንቢቢሲ ሳይንስ ፎከስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ መኺሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
