ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ- መሎኒ፡ ንትራምፕ ተሪር ግብረ መልሲ ሂባቶ

ምንጪ ስእሊ, Handout via REUTERS
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ጆርጅያ መሎኒ፡ ንፖለቲካዊ ክስታት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዳግማይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምላሽ ሂባ ኣላ።
ትራምፕ ትማሊ ቀዳም፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር "ኣብ ኢጣልያ ብዙሕ ተፈታውነት የብላን" እዩ ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ፡ ኢራን "ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይትረክብ ወይ ከይተማዕብል" ንምክልኻል ኣብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ከምዘይትድግፍ ከሲሱ።
መሎኒ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ትራምፕ ዝገብሮ ዘሎ "ዘይተኣደበ ጸለመታት ትርጉም የብሉን" ክትብል ገሊፃ።
"ብዛዕባ ተፈታውነተይ እንተኾይኑ፡ ናትካ ዓርኪ ምዃነይ ጥር ትብል ጥቕሚ የብሉን፡ ኣብቲ ምሳኻ ዘለኒ ርክብ'ውን ኣይምርኮስን'ዩ" ትብል መሎኒ።
"ተፋተውነተይ ናዓኻ ዝምልከት'ውን ኣይኰነን። ኣብ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ከተተኩር እላቦ" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ትራምፕ፡ ቀዳም ንጐሆ፡ መሎኒ፡ ኣብ ኢራን ንዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ኣመሪካ ንመሳለጥያታት ኣየር ኢጣልያ ከይትጥቀመሉ ብምኽልካል፡ "ዓቢ ሎጂስቲካዊ ምዝንባዕ" ከምዘስዓበ'ውን ገሊጹ ነይሩ።
እታ መራሒት ኢጣልያ ግን፡ ኣጠቓቕማ መደበራት ኢጣልያ ብዝምልከት፡ "ኩሉ ግዜ ስምምዓት መንግስቲ'የ ዘኽብር፡ ኣነ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሳብ ዘለኹ ድማ ክጥሓስ ኣይክእልን" ኢላ።
መሎኒ ብዓርቢ፡ ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ጉጅለ-7፡ "ምሳኣ ክስኣል ለሚናትኒ" ብዝበሎ ኣዝያ ከምዝተገረመት ገሊጻ ነይራ።
ኣብ መንጎ እዞም መራሕቲ ዝካየድ ዘሎ ምልውዋት ቃላት፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወሰዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተራእየ ኣፈላላይ ዘጉልሕ'ዩ።
ርክባት ክለቲኤን ሃገራት ድማ መሊሱ ሓርፊፉ ይርከብ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኣንቶንዮ ታጃኒ፡ ኣብ መጀመርታ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ኣመሪካ ክግይሽ መዲቡዎ ዝነበረ ጉዕዞ ሰሪዙ ኣሎ።
ትራምፕን መሎንን ኣብ ዋዕላ ጉጅለ 7 ተቐራሪቦም እናውግዑ ዝተሳእሉ ኮይኖም፡ እታ መራሒት ኢጣልያ፡ ፀኒሓ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ርክቦም ከምዘይተቐየረን "ዝኾነ ምኽሳስ ከምዘየለን" ገሊፃ ነይራ።
ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ ትራምፕ ምስ ናይ ኢጣልያ ላ7 ቲቪ ቻነል ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ "ምስኣ ክሰኣል ለሚናትኒ፤ ኣሕዚናትኒ" ክብል ተዛሪቡ።
"ምናልባት ስለ ዘዛረብኩዋ ሕጉስቲ ኰይና ክትከውን ትኽእል እያ" ኢሉ፤ ላ7 ናይ ትራምፕ ቃላት ብእንግሊዝኛ ኣየመሓላለፈን፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ትራምፕ ቃላት ብቋንቋ ጣልያን ከምዝንበብ'ያ ገይራ።
ነቲ ክሲ መልሲ ዝሃበት መሎኒ፡ ኣብ ናይ ኢንስታግራም ቪድዮ "ኣዝዩ ዘደንፁ" ኢላ።
"ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መሓዙት ሃገራት ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ከምዘርኢ ኣይርድኣንን" ዝበለት ንሳ፡ እዚ ንፈለማዩ ከምዘይኮነ ገሊጻ።
"ሓደ ክፈልጦ ዘለዎ ነገር ግን ኣሎ፡ ኣነ ይኹን ጣልያን ፈጺምና ኣይንልምንን ኢና" ትብል።
መሎኒ ንዝሃበቶ ርእይቶ ካብ መላእ ፖለቲካዊ ኩርናዓት ኢጣልያ ደገፍ ረኺባ ኣላ።
ትራምፕ፡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣብቲ ባዕሉ ትራመፕ ዝውንኖ ትሩዝ ዝተሰመየ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ዝሕቱል" ክብል ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ድሒሩ "ናቱ ኣድናቚ" ከምዘይኰነ ንጋዜጠኛታት ምግላጹ'ውን እቶም መራሕቲ ተጋጭዮም ነይሮም።
መሎኒ፡ እቲ ናቱ ርእይቶታት "ቅቡል ኣይኮነን" ኢላ።
ክልቲኦም መራሕቲ ሃገራት፡ ጥቡቕ ፖለቲካዊ ርክብ ዝነበሮም ኮይኑ፡ መሎኒ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2025 ኣብ ዝተኻየደ ፅምብል በዓለ-ሹመት ትራምፕ ዝተሳተፈት እንኮ መራሒት ኤውሮጳ እያ።






![ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጥልያን ጆርጂያ ሜሎኒ [ጸጋም]፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ [ማእከል] መራሒት'ቲ ሰልፊ ኤኤፍዲ ኣሊስ ዋይደል [ጀርመን]](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/56c7/live/f8b0db80-e217-11ef-bd1b-d536627785f2.png.webp)



![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
