እምባ 'ፒካክስ' (ኩ-ኤ ኮላንግ) እንታይ እዩ? ትራምፕኸ ስለምንታይ ክድብድቦ ይደሊ?

ምንጪ ስእሊ, Vantor
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ኢራን ዝርከብን "እምባ ፒካክስ" ተባሂሉ ዝጽዋዕን፡ ትሕቲ መሬት ዝተሃንጸ ስዉር ንዩክለሳዊ ትካል ንምድብዳብ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ሂቡ።
ኣብዚ እምባ፡ ሓድሽ ህንጸት ይካየድ ከም ዘሎ ዘርእዩ ኣሳእል ሳተላይት ኣብ ቀረባ ግዜ ተዘርጊሖም ኣለዉ።
እምባ ፒካክስ፡ ካብቶም ምስ ንዩክለሳዊ መደብ ኢራን ርክብ ዘለዎም ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ብኣመሪካን እስራኤልን መጥቃዕቲ ዘይተፈጸመሎም ውሑዳት ቦታታት ሓደ እዩ።
ኢራን ዝኸዘነቶ ብላዕለዋይ ደረጃ ዝበልጸገ ዩራንየም ኣብኡ ከም ዝርከብ ዝገልጹ ዘይተረጋገጹ ሓበሬታታት ኣለዉ። እዚ ዩራንየም'ዚ፡ ንንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምስራሕ ዝተወሰነ ምጽራይ ጥራይ እዩ ዝተርፎ።
ትራምፕ ብ21 ሓምለ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ነቲ ከባቢ ኣብ ቀረባ ግዜ ብኸቢድ ክንድብድቦ ኢና፡" ኢሉ።
ብ28 ሓምለ ድማ፡ "ኣብ ፒካክስ እንታይ ይካየድ ከም ዘሎ ብንጹር እፈልጥ እየ። ስምምዕ እንተ ዘይገይርና፡ ነቲ ትካል ከነጥፍኦ ኢና፡" ክብል ተዛሪቡ።
ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢራን፡ እስማዒል ባቓኢ፡ ብ22 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣብቲ እምባ፡ "ዝዀነ ንዩክለሳዊ ንጥፈታት ኣይካየድን እዩ፡" ኢሉ።
ንመጠንቀቕታ ኣመሪካ ድማ፡ "ንጥፍኣትን ዕንወትን ዝተማህዘ ምስምስ፡" ክብል ገሊጽዎ።
ቢቢሲ ቨሪፋይን ቢቢሲ ኣገልግሎት ፋርሲን ምስ ሰብ-ሞያ ብምዝርራብን ምስልታት ሳተላይት ብምትንታንን፡ ብዛዕባ እዚ ትካልን ዘስዕቦ ሳዕቤንን ነዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ኣዳልዮም ኣለዉ፤
ብዛዕባ እምባ ፒካክስ እንታይ ይፍለጥ?
"ኩ-ኤ ኮላንግ" (ትርጕሙ እምባ ፒካክስ ወይ ኳላንግ)፡ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ናይቲ ዝዓበየ ንዩክለሳዊ ትካል ኢራን ዝዀነ ናታንዝ ይርከብ። እቲ ኣብ ናታንዝ ዝርከብ ትካል፡ ኣብ 2025ን 2026ን ብኣመሪካን እስራኤልን ተደብዲቡ ነይሩ።
እዚ ኣብ ውሽጢ እምባ ፒካክስ ዝርከብ ትካል፡ ኣዝዩ ዓሚቝ ትሕቲ መሬት ዝተቐበረ ኰይኑ፡ ናይ መወዳእታ ዕላማኡ ግን ብስቱር ዝተታሕዘ እዩ።
ብመሰረት ትንተና ናይቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ስነ-ፍልጠትን ኣህጉራዊ ድሕነትን (ISIS)፡ ኢራን ነቶም ናብቲ ትካል ዘእትዉ ክልተ ናይ ምብራቕ መተሓላለፊታት (ገለርያታት) ብኸፊል ዓጽያቶም ኣላ።
"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ቦታ ቀጻሊ ናይ ህንጸት ንጥፈታት ክካየድ ተዓዚብና ኣለና፡" ይብል ስፐንሰር ፋራጋሶ ካብቲ ትካል።
"እቲ ስራሕ መብዛሕትኡ ኣብ ውሽጣዊ ኵዕታን ነቲ ትካል ካብ መጥቃዕቲ ኣየር ንምክልኻል ዘኽእል ናይ ምጽናዕ ስራሕን ዘተኰረ ይመስል፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

መጥቃዕቲ ኣመሪካ ነቲ ትካል ከዕንዎ ይኽእል ድዩ?
እዚ ትካል ኣብ ውሽጢ እምባ ዝተሃንጸሉ ምኽንያት፡ ካብ ኣየር ዝፍነዉ መጥቃዕትታት ንምክልኻል ኰይኑ፡ ብገምጋም ተንተንቲ እቲ ማእከላይ ክፍሊ ናይቲ ትካል 100 ሜትሮ ዝኸውን ትሕቲ መሬት ይርከብ።
እዚ ከኣ ካብቶም ኣመሪካ ዝሓለፈ ዓመት ብናይ "ባንከር በስተር" ቦምባታት ዝደብደበትሎም ንዩክለሳዊ ትካላት ፎርዶን ናታንዝን ዝያዳ ዓሚቝ እዩ።
ናይ ኣመሪካ GBU-57 ዝዓይነቱ ቦምብ፡ 13,000 ኪሎ ግራም ክብደት ዘለዎ ኰይኑ፡ ክሳብ 18 ሜትሮ ዝዕምቈቱ ኮንክሪት ወይ 61 ሜትሮ ዝዕምቈቱ መሬት ሰንጢቑ ናይ ምእታው ዓቕሚ ኣለዎ።
ይዅን'ምበር፡ ሰብ-ሞያ ከም ዝሕብርዎ፡ እምባ ፒካክስ ብምሉእ ንምዕናው ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ፍሎሪዳ ተመራማሪ ኣርማን ማሕሙድያን፡ "ሰርሲሩ ናብ ውሽጢ ዝኣቱ ቦምባታት ተጠቒምካ፡ ንዅሉ እቲ ትሕቲ መሬት ዘሎ ክፍልታት ምዕናው ኣዝዩ ኸቢድ እዩ፡" ይብል።
እንተዀነ፡ ኣመሪካ መእተዊ መተሓላለፊታትን መስመራት መራኸብን ብምዕናው፡ ነቲ ትካል ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክትገብሮ ከም እትኽእል ገሊጹ።

ኣብ ትሕቲ መሬት እንታይ ኣሎ?
ኣብ ውሽጢ እቲ እምባ ብልክዕ እንታይ ንጥፈታት ይካየድ ከም ዘሎ ብግልጺ ኣይፍለጥን።
ዓለምለኻዊ ትካል ጸዓት ኣቶም (IAEA) ክሳብ ሕጂ ናብዚ ቦታ ክበጽሕ ኣይተፈቕደሉን።
ራፋኤል ግሮሲ፡ ዋና ዳይረክተር እቲ ትካል፡ ኢራን ነቶም ኣዝዮም ተሃወስቲ ዝበሃሉ ትካላታ ትሕቲ መሬት ናይ ምኽዋል ዕላማ ከም ዘለዋ ሓቢሩ።
እቲ ትካል ኣብ 2025 ከም ዝገመገሞ፡ ኢራን 440 ኪሎ ግራም ዝኸውን ብ60 ሚእታዊት ዝጸረየ ዩራንየም ከም ዘለዋ ይፍለጥ።
ገለ ወገናት፡ እዚ ዩራንየም ወይ ድማ ካብ መጥቃዕቲ ናታንዝ ዝደሓኑ ማሽናት ናብ እምባ ፒካክስ ተሰጋጊሮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይጥርጥሩ።
ዳቪድ ኣልብራይት፡ መስራቲ ትካል ስነ-ፍልጠትን ኣህጉራዊ ድሕነትን፡ "እቲ ቀንዲ ስግኣት፡ ኢራን ኣብዚ እምባ'ዚ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝኸውን ዩራንየም ከተፍርየሉ እትኽእል ትካል ክትተክል ትኽእል እያ ዝብል እዩ፡" ይብል።
ቴህራን ብወገና፡ ንዩክለሳዊ መደባ ንሰላማዊ ኣገልግሎት ጥራይ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምስራሕ ሸቶ ከም ዘይብላ ትገልጽ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
