ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ዘይሳተፋ ዓበይቲ ሃገራውያን ጋንታታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ዓቢ ትጽቢት ተገይሩሉ ዘሎ ዋንጫ ዓለም 2026 ክጅመር ሒደት መዓልታት ጥራይ እዩ ተሪፍዎ።
ሓያሎ ዓበይቲ ሃገራውያን ጋንታታት ግን ኣብዚ ውድድር ክሳተፋ ዕድል ኣይረኸባን።
ን ኢጣልያ ሓዊሱ፡ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ እውን ኣብዚ ውድድር ኣይክሳተፋን። ብተመሳሳሊ፡ ኣብዚ ውድድር ዘይሳተፋ ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ሒደት ኣይኰናን።
እቲ ንፈለማ ግዜ ሰለስተ ሃገራት ብሓባር ዘአንግድኦ ውድድር ካብ 11 ሰነ ክሳብ 19 ሓምለ 2026 ክካየድ እዩ።
ፈለማ 48 ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ 16 ከተማታት ኣመሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን ጸወታታተን ከካይዳ እየን።
ድሕሪ 103 ጸወታታት ድማ፡ ኣብ ኣመሪካ ኒውጀርሲ ኣብ ዝርከብ ሜትላይፍ ስታድየም ብደሚቕ ናይ ፍጻመ ጸወታ ክዛዘም እዩ።
ንምዃኑ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ዘይሳተፋ ዓበይቲ ሃገራውያን ጋንታታት ኣየኖት እየን?
ኢጣልያ (ደረጃ ፊፋ መበል 12)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
4 ግዜ ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተት ኢጣልያ: ብፍጹም ቅላዕ ብቦዝንያ-ሄርዘጎቪና ተረቲዓ ካብ ውድድር 2026 ወጻኢ ኰይና።
ኢጣልያ ካብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ክትቦክር እዚ ንሳልሳይ ተኸታታሊ ግዜ እዩ።
ዋንጫ ዓለም ካብ ዝተዓወታ ሃገራት ንሰለስተ ተኸታታሊ ግዜ ኣብቲ ውድድር ዘይትሳተፍ እንኮ ሃገር ኰይና ኣላ።
ኣብ ሩስያ ኣብ 2018 ከምኡ'ውን ኣብ 2022 ኣብ ቀጠር ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ኢጣልያ ኣይተሳተፈትን።
ሎምዘበን እውን ብ31 መጋቢት ኣንጻር ቦዝንያን ሄርዘጎቪናን ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ካብ ዋንጫ ዓለም ተገሊፋ ኣላ።
ዴንማርክ (ደረጃ ፊፋ መበል 20)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዴንማርክ ካብተን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ዘይሳተፋ ሃገራት ሓንቲ እያ።
ኣብ መጻረዪ እዚ ውድድር ብፍጹም ቅላዕ ብቸክ ሪፓብሊክ ተሳዒራ ካብቲ ውድድር ተገሊፋ እያ።
ቼክ ሪፓብሊክ ኣብ ዝርዝር ፊፋ ብብዝሒ ተፈተውቲ ተፃወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣብ መበል 43 ደረጃ ትርከብ።
ዴንማርክ፡ ንማንቸስተር ዩናይትድን ናፖሊን ዝጻወት መንእሰይ ራስሙስ ሆጅሉንድ ዝርከብዎም ብቑዓት መንእሰያት ዘፍረየት ሃገር እያ።
እንተዀነ ብውሕዱ ክሳብ 2030 ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣይክትሳተፍን።
ናይጀርያ (ደረጃ ፊፋ መበል 26)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሱፐር ኢግልስ እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ዕዉታት ጋንታታት ሓንቲ ኰይና እያ ጸኒሓ።
ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2026 ግን ብዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ተሳዒራ ካብቲ ውድድር ወጻኢ ኮይና ኣላ።
እታ ብደረጃ ፊፋ መበል 26 ደረጃ ሒዛ ትርከብ ሃገር፡ ንኻልኣይ ግዜ ብተኸታታሊ ኣብዚ ውድድር ኣይክትሳተፍን።
ናይጀርያ ኣብ 2022 ኣብ ቀጠር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ክትሳተፍ ኣይከኣለትን።
ናይጀርያ ከም በዓል ቪክቶር ኦሲምሄን፡ ኣደሞላ ሉክማን፡ ኣሌክስ ኢዎቢ፡ ካልቪን ባሲ፡ ሳሙኤል ቹክዌዘ ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ኣፍርያ እያ።
ፖላንድ (ደረጃ ፊፋ መበል 35)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣጥቃዓይ ፖላንድ ሮበርት ለቫንዶውስኪ ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንምስታፍ እዚ ናይ መወዳእታ ዕድሉ ነይሩ።
እንተኾነ ፖላንድ ካብ ዉድድር ዋንጫ ዓለም 2026 ወፃኢ ኮይና ኣላ።
ሩስያ (ደረጃ ፊፋ መበል 36)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ካብ ዘይሳተፋ ዓበይቲ ሃገራት ሓንቲ እያ።
እታ ሃገር ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምክያዳ ስዒቡ ካብ ኩሉ ውድድራት ፊፋን ኤውሮጳን ተኣጊዳ እያ።
ሩስያ: ነዚ እገዳ ብዝምልከት ናብ ቤት ፍርዲ ስፖርት ይግባይ ኢላ ነይራ፤ እንተዀነ ግን ኣይተዓወተን።
እታ ዋንጫ ዓለም 2018 ዘአንግደት ሃገር፡ እቲ እገዳ መዓስ ከምዝለዓለላ እውን ኣይፍለጥን።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

