ካብ ኣመሪካ ምስጓግ ዝገጥሞም ኢትዮጵያውያን መፃኢኦም እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብናይ ተማሃራይ ቪዛ ናብ ኣመሪካ ዝተጉዓዘትን ድሒራ ድማ ብ 'ግዝያዊ ኵነታት ሓለዋ' (TPS) ዝጸንሐትን ሩት (ስማ ተቐይሩ'ዩ)፡ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር እዚ ሕጊ ሓለዋ ከብቅዕ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ ስግኣት ከምዘለዋ ትዛረብ።
ሩት፡ ጓል 18 ዓመት ከላ፡ ኣብ ኣመሪካ ናይ መጀመርታ ዲግሪ ክትከታተል ኣብ ዝፈተነትሉ ግዜ፡ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ስለዝነበረ እቲ ኩነታት ዝተሓላለኸ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን እቲ ኤምባሲ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ተዓጽዩ ስለዝነበረ፡ ንሓደ ሰሚስተር ብኢንተርነት [ኦንላይን] ተኸታቲላ፤ ዳግማይ ምስተኸፍተ ድማ፡ ናይ ቪዛ መመልከቲኣ መሊኣ ንኻልኣይ ሰሚስተር ናብ ኣሜሪካ ተጓዒዛ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ እትመሃረሉ ዝነበረት እዋን ተረባሒት 'ግዝያዊ ሓለዋ' (TPS) ኣብ ኣመሪካ ከምዝነበረት ትዛረብ። ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ናይ መጀመርታ ዲግሪኣ ዛዚማ፡ ማስተርስ ዲግሪ ክትቅፅል ትጽዕር ነይራ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣመሪካ ማስተርስ ዲግሪ ምቕጻል ከምቲ ዝሓሰበቶ ቀሊል ኣይነበረን።
ናጻ ናይ መጀመርታ ዲግሪ ከም ዝረኸበት ዝገለጸት ሩት፡ ንማስተርስ ዲግሪኣ'ውን ተመሳሳሊ ዕድል ክትረክብ ትደሊ ነይራ፤ ግና ኣይከኣለትን።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ክልተ መማረፂታት ዝነበራ ትዛረብ፡ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ወይ ድማ ኣብ ኣመሪካ ብምስራሕ ዝቕፅል ምዕራፍ ህይወታ ምድህሳስ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ ድሌት'ኳ እንተነበራ፡ ካብ መሓዙታን ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ሰባትን ዝረኸበቶ ምኽሪ ግን፡ "ናብ ኢትዮጵያ እንተተመሊስኪ፡ ህይወት ከምቲ ትሓስብዮ ቀሊል ኣይክኸውንን'ዩ" ዝብል ነበረ።
እዚ ምኽሪ፡ ናብ ዓዳ ናይ ምምላስ ኣማራፂ ክትገድፎ ከምዝገበራ ትዛረብ።
ብፍላይ ትምህርታ [ካልኣይ ድግሪኣ ከይሓዘት] ናብ ኢትዮጵያ እንተተመሊሳ፡ "ንዓመታት ሰሪሐ ዘዋህለልክዎ ገንዘብ ከባኽን ዝኸድ ዘለኹ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ" ትብል።
ሩት ከም ዝበለቶ፡ እቲ ግዝያዊ ሓለዋ ንምርካ ዝግበር ዝነበረ ከይዲ ቀሊል እዩ ነይሩ።
ንሳ፡ ገበን ከምዘይፈጸመት ወይ ግብረሽበራ ከምዘይፈጸመት ንምርግጋጽ መሰረታዊ ሕቶታት ኢሚግሬሽንን ከምዝተሓተት ገሊፃ፤ ኣብ ውሽጢ ኣስታት 15 መዓልታት ግዝያዊ መንበሪ ፍቓዳ ረኺባ።
'ግዝያዊ ኩነታት ሓለዋ' ማለት ካብ ዝተወሰና ሃገራት ናብ ኣመሪካ ንዝመጹ ስደተኛታት ብሰብኣዊነት ምኽንያት ዝወሃብ ግዝያዊ መፅንሒ- መንበሪ ፍቓድ እዩ።
ተረባሕቲ እዚ መሰል፡ ኣብ ኣመሪካ ብሕጋዊ መንገዲ ክሰርሑን ካብ ምስጓግ ክድሕኑን ይኽእሉ እዮም።
እቲ ሓለዋ ንኢትዮጵያውያን ኣብ 2022 ብምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ዝተዋህቦ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ሓደጋ ከምዘጋጥሞም ብምእማን እዩ።
ኣብ መወዳእታ 2025 ግን ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ምምሕያሽ ምርኣዩ ብምጥቃስ፡ እቲ ሓለዋ ከብቅዕ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።
እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ተመሪሑ፡ ዳኛ ቤት ፍርዲ ግዝኣት ቦስተን ብራያን መርፊ፡ ምቁራጽ እቲ ግዝያዊ ሓለዋ ደው ከብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ነይሩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ግን፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ንሃይቲን ሶርያውያንን ዝተውሃበ ተመሳሳሊ ሓለዋታት ከብቅዕ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ግዝያዊ ሓለዋ ኢትዮጵያውያን ዝምልከት ሕጋዊ ሞገት ቀጺሉ'ሎ።
ግዝያዊ ሓለዋ ከብቅዕ ምውሳን ስዒቡ፡ ኣፍሪቃውያን ብሰንኪ ኣብ ሃገራቶም ዘጋጠመ ቅልውላዋት ካብ ኣመሪካ ከይስጎጉን ክጣበቕ ዝፀንሐ ጉጅለ- 'ኣፍሪቃውያን ኮሚኒቲስ ቱጌዘር' ፡ እቲ መሰል ከብቅዕ ምግባር ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ 5 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ንከቢድ ሓደጋ ከምዘቃልዕ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምክትል ፈጻሚ ዳይረክተር ኣወዳድባን ተሳትፎ ኣባልነትን'ቲ ትካል፡ በርት ባዮ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ጉጅለ ነቲ ግዝያዊ ሓለዋ ንምቁራጽ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ብኽልተ ምኽንያታት ከምዝተቓወሞ ገሊጹ።
ቀዳማይ ምኽንያት፡ እቲ ውሳነ "ዓሌታዊ" ኮይኑ ንጸለምቲ ዒላማ ዝገበረ እዩ ዝብል እዩ።
እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ግዝያዊ ሓለዋ ዝቆጻጸር ሕጊ ኮንግረስ፡ "ኩነታት ኣብተን ሃገርካ ተመርኲስካ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ምስ እትኽእል ጥራይ ኢኻ ግዝያዊ ሓለዋ ተቋርፆ ትኽእል" ከም ዝብል ብምጥቃስ እዩ።
ነዚ ከም መወከሲ ካብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኣመሪካን ዝመጹ ጸብጻባት ጸጥታ ከምዝተጠቕሱ ቤንት ገሊጹ።
ኣብ ሰሜን ካሮላይናን ሚነሶታን ከም ጠበቓ ኢሚግሬሽን ኮይኑ ዝሰርሐ እስራኤል ጎቤና፡ ግዝያዊ ሓለዋ ንበይኑ ኣብ ኣመሪካ ቀዋሚ መንበሪ ንምርካብ ብቑዕ ምኽንያት ከምዘይኮነ ይዛረብ።
"ገለ ኣብ ከምዚ ኩነታት ዘለዉ ሰባት፡ ናይ ስድራቤት፣ ስራሕ፣ ትምህርቲ ወይ ካልእ ናይ ኢሚግሬሽን ጉዳይ ክህልዎም ይኽእል'ዩ" ይብል። ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ክህልዉ ከምዝኽእሉ እውን ይሕብር።
ሩት፡ ዛጊድ ፖለቲካዊ ዑቕባ ክትሓትት ከምዘይፈተነት ትገልጽ፤ ምኽንያታ ድማ እትፈርሖ ምኽንያት ስለዘየለ ምዃኑ ትዛረብ።
"ብውልቀይ መጥቃዕቲ በጺሑኒ ኣይፈልጥን። ምስሊ ሃገረይ ብዛዕባ ዘይተፈጸመኒ ነገራት ምዝራብ ጽቡቕ ኣይመስለንን" ትብል።
ዲግሪኣ ምስ ረኸበት ናብ ስራሕ ክትሰጋገር ዘኽእላ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክትረክብ ዝቖጽራ ኣካል፡ ንናይ ኢሚግሬሽን ጉዳያ ስፖንሰር ክገብራ ከም ዘለዎ እትዛረብ ሩት፡ እዚ ዕድል ከም ዘይረኸበት ትገልጽ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ግዝያዊ ሓለዋ ኣብ ኣመሪካ ክትጸንሕን ካብ ትምህርታ ወጻኢ ዕድላት ስራሕ ክትርእን እንኮ ኣማራጺኣ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ትዛረብ።
ብሰሉስ 12 ነሓሰ 2018 ዓ.ም [ግ] ግን፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝነበረ ግዝያዊ ናይ ሓለዋ ኩነታት እገዳ ከምዝተላዕለ ምስ ሰምዐት፡ ሩት ስርሓ ክትገድፎ ከምዝወሰነት ገሊጻ።
ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ ፈጺማ ከምዘይትደሊ ትዛረብ፡ እንተኾነ ግን ካብ ምጽባይን ምርኣይን ሓሊፋ ካልእ ኣማራጺ የብላን።
ጠበቓ ኣቶ እስራኤል፡ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ሓለዋ ዝርከቡ ሰባት፡ ካብ ኣመሪካ ንኸይስጎጉ ዑቕባን ካልእ ናይ ኢሚግሬሽን ኣማራጺታትን ክሓቱ ይመክር።
ከምኡ ምግባር ግን ንጻንሒቶም ውሕስነት ከምዘይህቦም ይዛረብ።
ምክትል ፈጻሚ ዳይረክተር ኣወዳድባን ተሳትፎ ኣባልነትን'ቲ ትካል፡ በርት ባዮ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተወልዱ ቆልዑ ዘለዎም ስድራቤታት እውን ካልእ ሳዕቤን ከጋጥሞም ከምዝኽእል ገሊጹ።
ወለዲ ሰነዳት ዘይብሎም ኮይኖም ደቆም ዜጋታት ኣመሪካ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ እዚ ድማ ምፍልላይ ስድራቤት ከስዕብ ይኽእል።
ይኹን እምበር፡ እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ፡ ድሕሪ እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳይ፡ እቲ ሓጋጊ ኣካል ዝኾነ ኮንግረስ ኣመሪካ ክኸውን ምዃኑ ቤንት ገሊጹ።
ዝቕጽል ስጉምቲ እቲ ትካል፡ እቶም ብ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዝፀንሑ ሰባት፡ ቀወምቲ ነበርቲ ክኾኑ ዘኽእሎም ሕጊ ንኽወጽእ ምድፋእ ከምዘድሊ'ውን ገሊጹ።
እንተዀነ እዚ'ውን ቀሊል መስርሕ ከምዘይኮነ ተገሊፁ።
ኣብ ኮንግረስ ነዚ ለውጢ ዝድግፉ ዝተመርጹ ወከልቲ ከምዘለዉን፡ ከምኡ'ውን ኣበርክቶ ስደተኛታት ኣፍልጦ ዝህቡ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።
ቤንት ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ መስርሕ ሃንደበት ከምዘይፍጸም፤ መንግስቲ ትእዛዝ ኣውጺኡ ነዚ ትእዛዝ ናብ ተጠቀምቲ ናይቲ ሓለዋ ከብጽሖ ኣለዎ። ይኹን እምበር ክሳብ ሕዚ ከምዚ ዝበለ ትእዛዝ ይኹን ስጉምቲ ከምዘይተወሰደ ገሊፁ።
ኣብ ኣመሪካ ግዝያዊ ናይ ሓለዋ መሰል ዘለዎም፡ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ሰባት ከምዘለዉ ዘስተብሃለ እቲ ዳይረክተር፤ ንዅሎም ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብሓንሳብ ምስጓግ ኣጸጋሚ ምዃኑን "ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእልን" ተዛሪቡ።












![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



