ኤርትራ፡ መንእሰያት ሓረስቶት ንምሕጋዝ 'ገደናና' ድጅታዊ መተግበሪ የዳልዉ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, UNDP/X
ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ መሃዝቲ መንእሰያት፡ ንሓረስቶት ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታቶም ዘገልግል "ገደናና" ዝተሰምየ ናይ ፈተነ ድጅታዊ ስርዓት ንምዝዛም ኣብ ናይ መወዳእታ ስራሓት ከም ዝርከቡ፡ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እዞም መንእሰያት ነዚ ስራሕ ዘበገስዎ፡ ብፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣቢሉ ብዝካየድ "መንእሰያት ንልምዓት ይራኸቡ" ብዝተሰምየ መደብ ኰይኑ፡ ቀንዲ ራእዮም ድማ፡ "ንሓረስቶት ብቴክኖሎጂ ብምዕጣቕ" ኣብ ሕርሻ ዘለዎም ኣበርክቶ ንምዕባይ እዩ።
ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዘነጸሮ፡ እዚ ጕጅለ ዘማዕበሎ ብልሓታዊ ድጅታዊ መፍትሒ፡ "እዋናዊ፡ ተግባራውን ንኸባቢ ዝምጥንን ናይ ሕርሻ ሓበሬታ፡" ንምቕራብ ዝዓለመ እዩ።
እዚ "ገደናና" ዝተሰምየ ሓድሽ ምህዞ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ባህላዊ ኣሰራርሓ ሕርሻን ዘመናዊ ቴክኖሎጅን ዘሎ ጋግ ብምጽባብ፡ ሓረስቶት ዋላ'ውን "ናይ ኢንተርነትን መራኸቢታትን ጸገም ኣብ ዘለዎም ርሑቓት ከባቢታት" ኰይኖም ቅኑዕን መርትዖ ዘለዎን ውሳነታት ክወስዱ ዘኽእል ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣብ ኤርትራ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብ ናብራኡ ኣብ ዝናብ ብዝምርኰስ ሕርሻ ዝተመስረተ ብምዃኑ፡ እቲ ዓውዲ ብሰንኪ ምዝንባል ዝናብን ለውጢ ኵነታት ኣየርን ቀጻሊ ብድሆታት የጋጥሞ እዩ።
በዚ ምኽንያት፡ ብዛዕባ ኵነታት ኣየር፡ ምክልኻል ሓሳኹን ሕማማት ዘራእትን ከምኡ'ውን እዋናዊ ኣሰራርሓ ሕርሻ ዝምልከት ሓበሬታ ብቕልጡፍ ናብ ገጠራት ምብጻሕ፡ ነቲ ኣብ ሃገር ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ዝካየድ ጻዕርታት ንምድጋፍ ወሳኒ ስጕምቲ ተገይሩ ይርአ።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ጐረባብቲ ሃገራትን፡ ሕርሻ ብተመሳሳሊ ድጅታዊ ቴክኖሎጂ ናይ ምድጋፍ ተመኵሮ እናዓበየ ዝመጽአ ልምዲ እዩ።
ንኣብነት፡ ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኬንያን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ሓረስቶት ስማርትፎን ወይ ናይ ኢንተርነት ርክብ ኣብ ዘይብሉ እዋን`ውን ከይተረፈ፡ ብመንገዲ ተራ ናይ ሞባይል መልእኽቲ ጽሑፍ (SMS)፡ ናይ ድምጺ ኣገልግሎትን ሓጸርቲ ናይ ደወል ምልክታትን ኣቢሎም ብዛዕባ ዕዳጋ፡ ዝናብን ምቍጽጻር ባልዓትን ሓበሬታ ዝረኽብሉ ስርዓታት ንዓመታት ክጥቀሙ ጸኒሖም እዮም።
ስለዚ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ብመንእሰያት ዝተጀመረ "ገደናና" ዝተሰምየ ፈተነ`ውን፡ ምስዚ ኣብቲ ዞባ ዝረአ ዘሎ ናይ ሕርሻ ቴክኖሎጂ ምንቅስቓስ ዝመሳሰል ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ድሩትነት መራኸቢታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣሰራርሓ ክኽተል ከም ዝኽእል ይእመን።
እዚ ብመንእሰያት ዝምራሕ ዘሎ ፈጠራ፡ ምስቲ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ንልምዓታ ክዓናቕፍ ዝጸንሐ ሃጓፍ ሓበሬታ ንምምላእ ምስ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር እትወስዶ ዘላ ዝሰፍሐ ድጂታዊ ስጕምቲ እውን ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ግንቦት 2026 ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ ከም ዝተሓበረ፡ ኤርትራ ንመደባት ልምዓትን ግቡእ ምሕደራን መሰረት ዝዀነ ሃገራዊ ስርዓተ-ዳታን ስታቲስቲክስን ንምጥንኻር "ዓበይትን ቀጻልነት ዘለዎምን ስጕምትታት" ትወስድ ኣላ።
ሃገራዊ ቤትጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኤርትራ (NSO) ድማ ኣብ ትሕቲ "ዳታ ንልምዓት" (D4D) ዝተሰምየ ሓባራዊ መደብ ብምዃን፡ ወሰንቲ ኣካላት ኣብ "እዋናውን እሙንን መረዳእታ" ተመርኵሶም ፖሊሲታት ንምሕንጻጽ ዘኽእሎም "ስትራተጅያዊ ሓገዝ" ክረኽቡ ጻዕርታት ኣካይዱ እዩ።
ኣብዚ ድጂታዊ ስግግር፡ እቲ ድሕሪ 15 ዓመታት ንፈለማ ግዜ ዝተኻየደ 'ራብዓይ ዙር መጽናዕቲ ህዝብን ጥዕናን ኤርትራ' (EPHS)፡ ካብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ወረቐት ኣገባብ ተላቒቑ፡ ብሓገዝ ኮምፒዩተር ዝካየድ ብሕታዊ ቃለ-መጠይቕ (CAPI) ብምጥቃም ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝነበሩ ናይ መጓዓዝያን ቴክኖሎጅን ብድሆታት ሰጊሩ ካብ ኵሉ ኵርናዓት ሃገር ብዓወት ተዛዚሙ እዩ።
እንተዀነ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ድጅታዊ ምህዞታት ብሓቂ ኣብ ባይታ ዘለዉ ሓረስቶት ንኽበጽሕን ሃገራዊ ቍጠባ ንምዕባይ ዘኽእል ውጽኢት ንኸምጽእን፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ግሁዳት ብድሆታት ምስጋር ከም ዘድሊ ይግለጽ።
ኣብ ገጠራት ዝርከብ ሕብረተሰብ ዘለዎ ናይ ስማርትፎናት ውሑድ ዕድል፡ ድሩት ዝርግሐ ኢንተርነትን መራኸቢታትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዘሎ ናይ ኤለክትሪክ ጸዓት ጸገማት፡ ነዚ ፈጠራ ካብ ደረጃ ፈተነ ናብ ሰፊሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምስጋር ዓበይቲ ማሕንቖታት ኰይኖም ክቕጽሉ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ።
ዋላ'ኳ እዞም ብድሆታት ኣብ ባይታ እንተ'ለዉ፡ እዚ ናይዞም መሃዝቲ መንእሰያት ጕዕዞ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሓረስቶትን ዘመናዊ ቴክኖሎጅን ዘሎ ርሕቀት ንምጽባብን ኣብ ከባቢ ዝርኣዩ ጸገማት ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንምፍታሕን ዝተጀመረ ተስፋ ዘለዎ ስጕምቲ ምዃኑ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት የገንዝብ።
















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


