'ሰባዊ ሃድን'፡ ሩስያዊት ድሮን ንሓደ ሸቃጣይ ኣሕምልቲ እናሃደነቶ ዘርኢ ቪድዮ የዛርብ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሓንቲ ብርሕቀት እትዝወር ድሮን ንሓደ ኣብ ደቡባዊ ዩክረይን ዝርከብ ሰለማዊ ሰብ ክትሃድን ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካፊሉ።
ዘለንስኪ እዚ ተግባር'ዚ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት እተካይዶ ዘላ "ሳፋሪ" (ስፖርታዊ ሃድን) ዝመስል መጥቃዕቲ መርኣያ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ቪድዮ፡ እታ ድሮን ኣብ ሓደ ጐደና ኸርሰን ንሓደ ኣሕምልቲ ዝሸይጥ ሰብ ክትስዕቦ ከላ የርኢ።
እቲ ሰብ ካብታ ኣብ ልዕሊኡ ትዝንቢ ዝነበረት ድሮን ንምህዳም ኣብ ጥቓ ሓንቲ ጻዕዳ መኪና ክጐዪ ከሎ፡ እታ ድሮን ተኸቲላቶ ብምኻድ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊኡ ተኲሳ።
እቲ ዩሪ ዝተባህለ ወዲ 52 ዓመት ሸቃጣይ ኣሕምልቲ፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ብህይወት እኳ እንተ ተረፈ፡ ብሰንኪ ዝወረዶ መቝሰልትን ጸቕጢ-ኣእምሮን ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ይርከብ።
"ሰባዊ ሃድን" ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ብርሕቀት ዝዝወራ ድሮናት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ምውፋር፡ ሩስያ ንነበርቲ ኣብ ግንባር ዝርከባ ከተማታት ንምርባሽን ንምፍርራሕን ትጥቀመሉ ምህላዋ ዩክረይን ትኸስስ።
ዘለንስኪ ኣብ ተለግራም ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ "ዓለም ነዚ ክትርእዮ ኣለዋ። ሩስያ ዓቢዳ ከም ዘላን ወተሃደራት ሩስያ ሰባት ብምቕታልን ምስቓይን ከም ዝሕጐሱ ዘርኢ ኵሉ መርትዖታት ክትዕዘብ ኣለዋ፡" ኢሉ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን እንድሪ ሲቢሃ ብወገኑ፡ እቲ ቪድዮ "ጭካነ ዝመልኦ ናይ ውግእ ገበን" ዘርኢ እዩ ክብል ገሊጹ።
ሲቢሃ ወሲኹ፡ እዚ ዓይነት "ሃድን" ኰነ ተባሂሉ ዝተዳለወ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ ሩስያ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ "እቲ ነዛ ድሮን ዝዝውር ዝነበረ ሰብ፡ ሰለማዊ ሰብ ዒላማ ይገብር ከም ዝነበረ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፡" ኢሉ።
እቲ ዩሪ ዝተባህለ ግዳይ፡ ኣብ ዓራት ሆስፒታል ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንሱ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣሕምልቲ ንምስራዕ ኣብ ዝተዳለውሉ እዋን ድምጺ ድሮን ከም ዝሰምዐ ገሊጹ።
ብዓልቲ ቤቱ ምስ ሃደመት፡ እታ ድሮን ናብኡ ገጻ ዞይራ ክትስዕቦ ከም ዝጀመረት ተዛሪቡ።
ዩሪ፡ ንኦፕረይተር ናይታ ድሮን ቪድዮ ይቐርጽ ከም ዘየሎ ንምርኣይ ኢሉ ገለ ጻዕዳሽጉርቲ ሒዙ የርእዮ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
እታ ድሮን፡ "ኮሚደረ፡ ዱባን ኮኮምበርን ኣውጺአ ከም ዘለኹ ክትርእዮ ትኽእል ነይራ እያ። ካብታ መኪና ክሃድም ከለኹ፡ ትሕቲ እቲ ጽላል ኣትያ ከይተረፈ ትስዕበኒ ነይራ፡" ክብል ዝወረዶ ሽግር ገሊጹ።
ክፍሊ ምርግጋጽ ሓቅታት ቢቢሲ (ቢቢሲ ቨሪፋይ) ነቲ ቪድዮ ኣብ ሰሜናዊ ኸርሰን ኣብ ዝርከብ ሓደ ዕዳጋ ከም ዝተቐርጸ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ ቪድዮ ብመን ከም ዝተቐርጸ ብንጹር እኳ እንተ ዘይተፈልጠ፡ መጀመርታ ብደገፍቲ ዩክረይን ኣብ ዝዝውተር ኢንስታግራም ከም ዝተዘርግሐ ተፈሊጡ ኣሎ።
ከምዚ ዓይነት "ሃድን" ዝመስል መጥቃዕቲ ድሮናት ኣብ ኸርሰን ንነዊሕ እዋን ክካየድ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ 2025 ዝወጽአ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ ሓይልታት ሩስያ ድሮናት ብምጥቃም ኣብቲ ዞባ "ተደጋጋሚ ቅትለትን ጕድኣትን" ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት የውርዱ ኣለዉ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ሰለማውያን ሰባት ክቕተሉ ከለዉ ዘርኢ ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ምዝርጋሕ "ናይ ውግእ ገበን" ምዃኑ ገሊጹ።
ሩስያ ካብ ለካቲት 2022 ጀሚራ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር እኳ እንተ ኣካየደት፡ ንሰለማውያን ሰባት ዒላማ ከም ዘይትገብር ግን ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።
![ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ [የማነይ] ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን ማሳድ ብሎስ [ጸጋማይ]](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/990d/live/06c4c2b0-908e-11f1-a253-e98660850eb3.jpg.webp)














![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



