ትራምፕ ምስ ሩስያ ዝገበሮ ዘሰንብድ ሓድሽ ስምምዕ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶናልድ ትራምፕ ነዳዲ ሩስያ ናብ ኣመሪካ ንምእታው ዝወሰኖ ሓድሽ ውሳነ፡ ካብቲ ፕረዚደንት ዝተራእየ ዘደንጹ ናይ መርገጺ ምልውዋጥ እዩ።
ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ፡ ትራምፕ ነዳዲን ጋዝን ሩስያ ኣብ ዘእትዋ ሃገራት ሓድሽ ማዕቀባትን ቀረጽን (ታሪፍ) ዝድንግግ ሕጊ ፈሪሙ ነይሩ እዩ። እንተዀነ ሕጂ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ኣማኢት ኣሽሓት ቶን ነዳዲ ናብ ኣመሪካን ዓለምለኻዊ ዕዳጋታትን ንምቕራብ ከም ዝተሰማምዐ ትራምፕ ገሊጹ ኣሎ።
እዚ ስምምዕ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣመሪካውያን መረጽቲ ናብ መረጻ ፍርቂ-እብረ ንምእታው ሰሙናት ጥራይ ተሪፉዎም ኣብ ዘለወሉ ኰይኑ፡ ትራምፕ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ዘኸተሎ ፖለቲካዊ ሳዕቤንን ኣብ ዓለምለኻዊ ዋጋ ጸዓት ዘስዓቦ ጽልዋን ገና እናተቓለሰ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ።
ኣብ ኣመሪካ ዋጋ ነዳዲ ልዕሊ ዓቐን ብምውሳኹ፡ እቲ በቲ ኣብ መዐደሊታት ነዳዲ ዘሎ ልዑል ዋጋን ናብ ሓፈሻዊ ናህሪ ዋጋታት ዘምርሐ ንሓድሕዱ ዝጸላሎ ሳዕቤናቱን ዝተጐድአ ህዝቢ፡ ነቲ ፕረዚደንት ዝነበሮ ተቐባልነት ከንቈልቍል ገይርዎ ኣሎ።
እቲ ኲናት ዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ ዋጋ፡ ብፍላይ ኣብተን ንናይ ሕርሻ ማሽነሪታት ንምንቅስቓስን ፍርያተን ናብ ዕዳጋ ንምምልላስን ብዓቢኡ ኣብ ነዳዲ ዝምርኰሳ ሕርሻውያን ግዝኣታት ኣመሪካ ብኸቢድ ተራእዩ ኣሎ።
ከም ኣዮዋ፡ ካንሳስ፡ ቴክሳስን ኦሃዮን ዝበላ ግዝኣታት፡ ኣብዚ ሪፓብሊካውያን ቍጽጽሮም ኣብ ኮንግረስ ክቕጽሉ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ዝውስን ዝመጽእ መረጻ ፍርቂ ኣብረ፡ ትጽቢት ዘይተገብሮ ፖለቲካዊ መድረኽ ቃልሲ ኰይነን ኣለዋ።
ንኣዋርሕ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ኣብ ሰልፉ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ንምቅላል ዝሕግዙ መገድታት ከናዲ ጸኒሑ እዩ።
ንሱ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኤውሮጳውያን መሓዙቱ ነቲ ዘለዎም ክዙን ትሕዝቶ ነዳዲ ንኽጥቀሙሉ ጸቕጢ ገይሩ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ነዳዲ ዝኽፈል ዝነበረ ፈደራላዊ ግብሪ ንግዜኡ ከም ዝሰጋገር ብምግባር፡ እቲ ንሕርሻዊ ንጥፈታት ጥራይ ዝውዕል ዝነበረ ነዳዲ ኣብ መንጎ ግዝኣታት ንዝንቀሳቐሳ ዓበይቲ መካይን ንኽውዕል ፈቒዱ እዩ።
ንሱ፡ ክሳብ እቲ መረጻ ፍርቂ-እብረ ዝዛዘም ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም መጥቃዕትታት ንኸየሐድስ እውን ቃል ኣትዩ ኣሎ።
እዚ ድማ እቲ እናቐጸለ ዘሎ ግጭት ዘለዎ ፖለቲካዊ ጽልዋ ብግልጺ ዝተኣመነሉ ፍሉይ ስጕምቲ እዩ። እቲ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ፑቲን ስምምዕ ንምግባር ዝወሰኖ ውሳነ ድማ፡ እቲ ዝተሓተን ዝዓበየን ናይ መወዳእታ ፈተነኡ እዩ።
ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢኡ "ትሩዝ ሶሻል" ዝዘርግሖም ጽሑፋት መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ ሓበሬታ ዝሓዙ ኣይኰኑን። ሩስያ ነዚ ነዳዲ እዚ ብኸመይ ናብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ከተቕርቦ ምዃናን፡ ብዘይካ እቲ ኣዝዩ ዘድልያ ዘሎ ናይ ወጻኢ ባጤራ ካልእ እንታይ ክወሃባ ምዃኑን ዘርኢ ዝርዝር ሓበሬታ ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።
እዚ ስምምዕ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንማሽን ኲናት ሩስያ ንምምዋል ይሕግዝ ኣሎ ብዝብል ካብ ኤውሮጳውያን መሻርኽቱን ካብ ፖለቲከኛታት ኣመሪካን ከቢድ ነቐፌታ ይወርዶ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነቲ ስምምዕ ንፑቲን ዝተዋህበ "ገጸ-በረከት" ክብል ብምግላጽ፡ ሩስያ ነዚ ብ"ራዕድን ጥልመትን" ክትመልሶ ምዃና ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ "ሩስያ ፍርያት ነዳዲኣ ንኽትሸይጥ ምፍቃድ፡ ኣብቲ ደው ክብል ዝግባኦ ኲናት ከም ወፍሪ እዩ" ኢሉ።
እዚ ስጒምቲ ትራምፕ ንሪፓብሊካውያን ኣብቲ መረጻ ክሳብ ክንደይ ክሕግዞም ምዃኑ እውን ርግጽ ኣይኰነን። እቲ ካብ ኤውሮጳ ክልቀቕ ተባሂሉ ዝተገብረ ነዳዲ ኣብ ዋጋ ጸዓት ዓቢ ለውጢ ኣየምጽአን፤ እቲ ናይ ሩስያ ነዳዲ እውን ብኸመይ ዝበለ ቅልጣፈ ናብ ዕዳጋ ክኣቱ ከም ዝኽእል ዝተፈልጠ ሓበሬታ የሎን።
ዓቕሚ ምጽራይ ነዳዲ ሩስያ ብሰንኪ ብተደጋጋሚ ብዩክረይን ዝተፈጸመ ደብዳባት ተሃስዩ እዩ። ትራምፕ ድማ ዘለንስኪ ነዞም መጥቃዕትታት ከጕድሉ ክምሕጸን ጸኒሑ እዩ። ኣመሪካ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 3.6 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ትጥቀም።
ስለዚ ሩስያ ነቲ ቃል ዝኣተወቶ 300,000 ቶን ኣብዚ ወርሒ እዚ እንተ ኣረኪባ፡ እዚ ካብቲ ኣመሪካ ኣብ መዓልቲ እትጥቀመሉ ፍርቂ ጥራይ እዩ። ስለዚ ኣመሪካውያን ብኡንብኡ ዝርአ ዓቢ ለውጢ ከስተውዕሉ ኣይክእሉን ይዀኑ።
እቲ መረጻ ፍርቂ-እብረ ክካየድ ካብ ወርሒ ዝውሕድ ግዜ ተሪፍዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብ ብዙሓት ግዝኣታት ቀዳማይ እብረ መስርሕ ምድማጽ መስርሕ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ፖለቲካዊ ውሳነ ድማ ድሮ ተወዲኡ እዩ ክበሃል ይከኣል።
ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ "ንኣመሪካውያን፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ዓበይቲ ሓረስቶትናን ሰብ ጥሪትን መካይንን ዋጋ ነዳዲ ምቕናስ ቀንዲ ቀዳምነተይ እዩ" ኢሉ ኣሎ።
እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ፡ ዋጋ ጸዓት፡ ነዳዲን መዓልታዊ ኣቑሑትን እናወሰኸ ጥራይ እዩ ከይዱ። ትራምፕን ሰበ-ስልጣኑን ግን እቲ ኲናት ቅልጡፍ ፍታሕ ከም ዝረክብን እቲ ቍጠባዊ ጽልዋኡ ከም ዝቃለልን ንህዝቢ ብተደጋጋሚ ቃል ክኣትዉ ጸኒሖም እዮም።
ትራምፕ፡ እዚ ዝገበሮ ሓድሽ ስምምዕ ነቲ ዘለዎ ዲፕሎማስያዊ ጸገማት ንጐድኒ ብምግዳፍ፡ ንኣመሪካውያን መረጽቲ እቲ ኣተስፈወ፣ ግብራዊ ቍጠባዊ ደገፋት ምግባር ካብ ባዶ ቃላት ንላዕሊ ምዃኑ ንምእማን ይሕግዘኒ ይኸውን ብዝብል ተስፋ ጥራይ ተሪፍዎ ኣሎ።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
