ገዚፍ ሰለፍ ምውናን ኣብ ምንዋሕ ዕድመና ተራ ኣለዎ ድዩ?

ሽዱሽተ ዝተፈላለየ ቅርጺ፡ ዓቐንን ዓሌትን ዘለወን ንካሜራ ሕቆአን ሂበን ካብ መዓንተኣን ንታሕቲ ዝተሰኣለኦ፡ ኩለን ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ክዳን'የን ተኸዲደን ዘለዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ገዚፍ ሰለፍ ምውናን ነዊሕ ዕድመ ንኽህልወና ሓጋዚ ምዃኑ ተመራመርቲ ገሊጾም
Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ብመጠኑ ገዚፍ ሰለፍ ዘለዋ እንግሊዛዊት ጎያዪት ታሻ ቶምሰን "ኣነ ሰለፈይ ገዚፍ እንተዘይኸውን ምደለኹ" እያ ትብል።

ኣብ ገለ ሕብረተሰባትን ባህልታትን ቀጢን ኣእጋር ምውናን ንነዊሕ እዋን ከም መለክዒ መልክዕ'ዩ ዝውሰድ።

ታሻ ቶምሰን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ነዚ መለክዒ እዚ እንተዘይ ኣማሊእካ ገለ ነገር ዝጐደለካ ዀይኑ'ዩ ዝስምዓካ" ትብል።

ገዚፍ ሰለፍ ዘለዎም ሰባት'ውን ኣብ ገለ ሕብረተሰባት ክንቀፉ'ዮም ዝስምዑ፡ እቲ ዘሎ ሓቂ ግን ገዚፍ ሰለፍ ምውናን ዕድመኻ ንኽነውሕ ሓጋዚ ምዃኑ'ዩ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዘረጋግጽ።

ብሜታ ኣናሊሲስ ኣብ 25 ሽሕ ሰባት ብዝተገበረ መጽናዕቲ ካብ ማእከላይ መጠን ግዝፊ ሰለፍ ዘለዎ ሰብ፡ እቲ ካልእ ዙርያ ሰለፉ ካብቲ ማእከላይ ብ5 ሴንቲ ሜተር ምስ ዝውስኽ ብቀተልቲ ሕማማት ናይ ምማት ዕድሉ ብ18 ሚእታዊት ከምዝጎድል'ዩ ክረጋገጽ ክኢሉ።

እዚ ሰለፍና ንኸነግዝፍ ዝቕስብ ርኽበት ድዩ?

ታሻ ኢዳ ኣብ መዓንጣኣ ሒዛ ትኽ ኢላ ፍሽኽ እናበለት ናብ ካሜራ ገጻ ትጥምት ኣላ፡ 'Black Girls Do Run UK' ዝብል ብጻዕዳ ዝተጻሓፎ ሰማያዊ ማልያ ገይራ ትረአ

ምንጪ ስእሊ, Delene Adams

መግለጺ ስእሊ, ታሻ ቶምፕሰን ብዓቐን ሰለፋ ዝተፈላለየ ነቀፌታታት እናበጽሓ'ያ ዓብያ

ጥቕሚ ገዚፍ ሰለፍ ምውናን እንታይ'ዩ?

ተመራመርቲ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ 25 ሽሕ ሰባት ምርኩስ ብምግባር፡ ገዚፍ ሰለፍ ምውናን ምስ ምንዋሕ ዕድመ ቀጥታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎ'ዮም ደምዲሞም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ኣብ ምምርማር ዕድመን ጥዕናን ፕሮፌሰር ዝዀነት ክላራ ስቲቭስ "ሓደ ካብቶም ሰለስተ ኣብ ሰለፍ ዝርከቡ ገፋሕቲ ጭዋዳታት ምስ ጥዕናን ምንዋሕ ዕድመን ምትሕሓዝ ከምዘለዎ መርትዖታት ኣሎ" ትብል።

እዚ መትኒ ወይ ጭዋዳ እዚ ከኣ ኣብ ኣካላትና ዘሎ መጠን ሽኰር ንክንቈጻጸር፡ ብሽኮርያ፡ ሕማም ልብን ካልኦት ሕዱራት ሕማማትን ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎናን ንኸጐድል ይሕግዝ'ዩ።

ኣብ 2009 ኣብ 'ብሪቲሽ መዲካል ጆርናል' ዝተሓተመ ምርምራዊ ጽሑፍ፡ ቀጢን ሰለፍ ምውናን ኣብ ክልቲኡ ጾታታት ብሕማም ልቢ ናይ ምጥቃዕ ትኽእሎ ከምዘዛይድ'ዩ ዝሕብር።

ድልዱል ሰለፍ ምውናን ከኣ ኣብ እዋን እርጋን ንኣረጋውያን ኣብ ምንቅስቓሳቶም ካብ ሰብ ከይተጸበዩ ባዕሎም ነብሶም ንክኽእሉ ሓጋዚ'ዩ።

ፕሮፌሰር ክላራ ስቲቭስ "እቶም ኣብ ሰለፍ ዘለዉ ገዘፍቲ ጭዋዳታት ወይ መትንታት፡ ኣብ ዳሕረዋይ ዕድመ ንኣካላዊ ስራሕ ልዕሊ ዓቐን ኣገደስቲ እዮም፡ ምኽንያቱ ካብ መንበር ተንሲእካ ክትዛወር ዘኽእሉኻ ንሶም'ዮም" ትብል።

ብዘይካ'ዚ ድልዱላት ኣእጋር ዝውንን ሰብ፡ ርእሰ ምትእምማኑ ስለዝዓቢ ጥዑይ ኣእምሮ'ዩ ዝህልዎ፡ እዚ ከኣ ምስ ዕድመ ምንዋሕ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ምዃኑ እዞም ተመራመርቲ የረድኡ።

ን300 ማናቱ ደቀንስትዮ ንሓይሊ እግረን ኣመልኪቱ ኣብ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ኣብ መጀመርታ እቲ መጽናዕቲ ካብተን መናቱ እታ ዝልዓለ ሓይሊ እግሪ ዝነበራ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ዝሓሸ ናይ ኣእምሮ ኣቃውማ ሓንጎልን ከም እትውንን ኣረጋጊጹ።

ነቲ ምኽንያት ከረድኡ እንከለዉ ከኣ ንጡፍ ጭዋዳታት ዕድመ እናደፋእና ክንከይድ እንከላ ንሓንጎልናን ዝከላኸልን ከይንኣርግ ዝሕግዝን ከሚካል ከምዘንዝዕ ይሕብሩ።

ነዚ መጽናዕቲ እዚ ዘካየደት ፕሮፌሰር ክላራ ስቲቭስ ብተወሳኺ "ገዚፍ ሰለፍ ምውናን ምስ ገዚፍ ጭዋዳ ምውናን'ዩ ዝተኣሳሰር፣ እዚ ከኣ ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቃስናን ንሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕምናን ኣዝዩ ተሪር ዝዀነ ምትእስሳር'ዩ ዘለዎ" ትብል።

ካልእ ኪንግስ ኮለጅ ለንደን ኣብ ልዕሊ ብዕድመ ዝደፍኡ ብሽክለታ ኣዘውቲሮም ዝጥቀሙ ሰባት ዝገበሮ መጽናዕቲ ከኣ፡ እቲ ንሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ኣብ ገሊኦም ምስ ደቂ ዕስራ ዝመሳሰል ኰይኑ'ዮም ረኺቦምዎ።

ኤሊዛቤት ደቪስ ኣብ ውሽጢ ጂን ኣብ ሓደ ጸሊም ጎማ ሓደ እግራ ሰቂላ ኮፍ ኢላ ኣላ፡ ኣብቲ ጸሊም ዝተኸደነቶ ክሳን ከኣ ብጻዕዳ 'Training for my old lady body.' ዝብል ጽሑፍ ሰፊርዎ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Ella Cuchet

መግለጺ ስእሊ, ኣሰልጣኒት ኣካላዊ ብቕዓት ኤሊዛበት ደቪስ ንሰለፍና ድልዱላትን ተረርትን ንምገባሮም ሕጂ'ውን ግዜ ኣለና ትብል

ብኸመይ'የ ሰለፈይ ከግዝፎ ዝኽእል?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣሰልጣኒት ኣካላዊ ብቕዓት ኤሊዛበት ደቪስ፡ ሰባት ኣብ ክንዲ ንሰለፎን ጥራይ ከግዝፉ ዝፍትኑ፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ንጭዋዳታቶም ከደልድል ዝኽእል ዓይነት ስፖርት ከተኵሩ ከም ዘለዎም'ያ ትሕብር።

እዚ ከኣ ብቐጥታ ጥዕናኦም ንኸውሕሱን ዝነወሐ ዕድመ ንኽነብሩን ከምዝሕግዞም ኤሊዛበት ደቪስ ትሕብር።

እዛ 'Training for Your Old Lady Body' ዝብል መፍሓፍ ዝጸሓፈት ኤሊዛበት ደቪስ "ንነዊሕ ዓመታት ሰለፈይ ገዚፍ፡ ቀጢን ወይ ዝተፈለየ እንተዝኸውን እናበልካ ትሓስብን ትምነን እንተኔርካ፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክንዮ ሓጹር ደርብዮ፣ ሕጂ ሰለፍካ ክገብሮ ኣብ ዝኽእል ነገር ጥራይ ኣተኵር" ብምባል'ያ ትምዕድ።

ብምቕጻል፡ ሰለፍና ይግዘፍ ይንኣስ፡ ብግቡእ እንተ ተሰሪሕሉ ተሪር ወይ ሓያል ክኸውን ከምዝኽእል ከኣ ትምዕድ።

ኣብ ክንዲ ኣብ መጠን ኣብ ሓይሊ ምትኳር ከኣ ብስነፍልጠት'ውን ዝድገፍ ስነሓሳብ'ዩ።

ኣብ 2006 ኣብ 70ታት ዕድመ ዝርከቡ ዓበይቲ ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ዓቐን ሰለፍ ብዘየገድስ ድኹም ጭዋዳታት እግሪ ምህላው ካብቲ ድልዱል እግሪ ዘለዎ ሰብ ቀልጢፍካ ናይ ምማት ዕድልካ ከምዘስፍሖ'ዩ ኣረጋጊጹ።

ኤሊዛበት ደቪስ፡ ድልዱል ሰለፍ ክህልዋካ እንድሕር ደሊኻ እቲ ተጻዋርነት ዝሓትት ከም ክብደት ምልዓል ወይ ምስሳፍ ዝኣመሰሉ ዓይነታት ስፖርት ምዝውታር እቲ ቀንዲ ምዃኑ'ያ ትገልጽ።

ክብደት ምስፍሳፍ'ውን ኣብ ልዕሊ እቲ ገዚፍን ተሪርን ሰለፍ ኣብ ምህናጽ ዘለዎ ኣበርክቶ፡ ኣዕጽምትና ንኽተሩ'ውን ሓጋዚ'ዩ።

ንሰለፍና ከዕብን ከትርርን ዝኽእል ዓይነት ስፖርት ኣብ እንሓስበሉ ኣብ ሰሙን ክልተ ክሳብ ሰለስተ ግዜ ብምሰራሕ ክንጅምሮ ከምዘለና ከኣ ኤሊዛቤት ደቪስ ትምዕድ።

"እዚ ኣዝዩ ወሳኒ'ዩ፣ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ግዜ ኣብ ሰሙን ኢልና ድሕሪ ምጅማርና ነብስና እናደልደለ ምስ ከኣ ምስ ግዜ ካብኡ ንላዕሊ ክንሰርሕ ከምዘለና ባዕሉ ክነግረና ክጅምር'ዩ" ትብል።

ክብደት ምስፍሳፍ ብዙሕ ዘይንፈትዎ ዓይነት ስፖርት ክኸውን ይኽእል'ዩ።

እንተዀነ ንሳ ንዓማዊላ፡ እዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትውዎ ዘይብሎም ግድን ክገብርዎ ዘለዎም ዓይነት ስፖርት ምዃኑ'ያ ትገልጽ "ኣነ ንኣብነት ስነይ ፍሎስ [ብቐጢን ተሪር ገመድ ገይርካ ነቲ ብብራሽ ዘይተርክቦ ቦታታት ምጽራይ] ምግባር ኣይፈቱን'የ፡ እንተዀነ ኣስናነይን ኣፈይን ክጸሪ እንተዀይኑ ግድን ክገብሮ ኣለኒ" ብምባል ከኣ ኣብነት ኣሰንያ ተረድእ።

ኤሊዛበት ደቪድ ብዘይካ እቲ ብስሩዕ ኣብ ጂም ከይድና እንሰርሖ፡ ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እናኣዛነየ ንጭዋዳታትና ዘትርር ዓይነት ምንቅስቓስ'ውን ከነዘውትሮ ከምዘለና'ያ ትገልጽ።

"ሰባት ደቂ ደቀይ ተሸኪመዮም 100 ሜትሮ ተጓዒዘ ኣዝዩ ድማ ቀሊል'ዩ ነይሩ፣ ወይ ከኣ ነቲ ድዅዒ መሊኡ ዝነበረ ክሻ ተሸኪማ ክሳብ መኪናይ ኣብጺሐዮ ከይተሸገርኩ ከኣ ናብ መኪናይ ሰቒለዮ ክብሉ ይሰምዖም'የ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምዝውታር'ውን እናተሓጐስና ጭዋዳታትና ከነትርር ይሕግዘና'ዩ።"

ኣብ ሰለፍና ዝርከብ ስብሒ ዝዀነ ረብሓ ኣለዎ ድዩ?

ፕሮፌሰር ክላራ ስቲቭስ፡ ኣብ ሰለፍና ዘሎ ስብሒ ምስቲ ኣብ ካልእ ኣካላትና ዝርከብ ስብሒ ብፍላይ ከኣ ምስቲ ኣብ ከብድና ዝኽዘን ስብሒ ብምንጽጻር ተጓዳኢ ከምዘይኰነ ትሕብር።

'ቪሰራል ፋት' ዝብሃል ኣብ ናውቲ ኣካላትና ዝርከብ ስብሒ ብሽኮርያ፡ ብሕማም ልቢ ከምኡ ከኣ 'ሞታቦሊክ ዲስፋንክሽን' [ጸላም ከብድን ዘጥቕዕን ንመንሽሮን ዘቃልዕን] ንኽንቃላዕ ክገብር ይኽእል'ዩ።

ኣብ ትሕቲ መዓንጣና ዝርከብ ስበሒ ግን ንከም 'ፋቲ ኣሲድ' ዝኣመሰሉ ተጓዳእቲ ኣብ ምክልኻል'ውን ግደ ከምዘለዎ'ዮም መጽናዕትታት ዝሕብሩ።

እዚ ማለት ከኣ ካብ መዓንጣና ንታሕቲ ዝርከብ ስብሒ፡ ነቲ ኤልዲኤል ዝብሃል 'ሕማቕ' ኮሎስትሮል ኣብ ምጕዳልን ነቲ ኤችዲኤል ዝብሃል 'ጽቡቕ' ኮሌስትሮል ኣብ ምውሳኽን ከምኡ ከኣ መጠን ኣብ ኣካላትና ዘሎ ሽኮር ኣብ ምጕዳል ዓቢ ግደ ከምዘለዎ'ዩ ዝግለጽ።

ብተወሳኺ እዚ ከምዚ ዓይነት ስብሒ ብፍላይ ኣብ እዋን ሽምግልና ሕማም ምስ ዘጋጥመና፡ ከም ጸዓት ኰይኑ ስለዘገልግል ጥቕሚ ኣለዎ።

እቲ ካልእ ክፋል ሰለፍና፡ ዓጽሚ'ዩ።

እዚ ንሰለፍ ዝሕግዝ ምንቅስቃስ ኣካላት ኣብ እንገብረሉ ንጭዋዳታትና ጥራይ ዘይኰነ ነቲ ኣብ ሰለፍና ዝርከብ ዓጽሚ'ውን ኢና ነትርሮ።

እዚ ከኣ ዕድመ እናደፋእና ኣብ እንኸደሉ ነቲ ንዓጽምና ብምፍኳስ ብቀሊሉ ንመስበርቲ ዘቃልዖ 'ኣስትዮፖሮሲስ' ዝብሃል ሕማም ንከይንጥቃዕ ከምዝከላኸለልና ፕሮፌሰር ክላራ ስቲቭስ ትሕብር።

ሓደ ንየማናይ ሰለፉ ዝሓዘ ብድሕሪቱ ዝተሰኣለ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ክንዲ ብዓቐን ሰለፍና ንሓስብ ክሳብ ክንደይ ተረርቲ'ዮም ጥራይ ከነተኵር ከምዘለና'ዮም ተመራመርቲ ዝምዕዱ

ነቲ ዘለና ሓይሊ ንጸንብሎ

ናብ እንግሊዛዊት ጎያዪት ታሻ ቶምሰን ክንምለስ።

ታሻ ቶምሰን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ መስራቲት 'Black Girls Do Run UK' ዝብል ማሕበር'ያ።

ሰለፋ ኣዝዩ ገዚፍ'ዩ ነይሩ፤ ብቐንዱ ከኣ እቲ ገዚፍ ሰለፋ ክገብሮ ኣብ ዝኽእል ነገራት ኣተኲራ'ያ ክትሰርሕ መሪጻ።

ጓል ምስ ወለደት ከኣ ዝያዳ ንሰለፍ እትገልጸሉ ቃላት እንከይተረፈ'ያ ክትመርጽ ጀሚራ፡ "ኣብ ክንዲ ረጒድ ሰለፍ ወይ ስብሒ ዝበዝሖ ሰልፍ ዝብሎ ሓያል ሰለፍ ክብል ጀሚረ" ትብል።

ታሻ ቶምፕሰን ክሳብ ሕጂ'ያ ማራቶን ትጒዩ፣ ኣብቲ ምሕንባስ፡ ብሽክለታ ምዝዋርን ምጕያይን ሓዋዊሱ ዝካየድ 'ትራይትሎን' ዝብሃል ዓይነት ስፖርት'ውን ትሳተፍ'ያ።

"ኵልና ብዝተፈላለየ ቅርጽን ዓቐንን ኢና ንፍጠር፣ ኣብ ክንዲ እንታይ ይመስል ንብል ከኣ እቲ ዘለና ኣካላት እንታይ ክገብር ይኽእል ብምባል ኣብኡ ከነተኵር ኣለና" ብምባል ማዕዳኣ ትልግስ።