ዝኽሪ በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ግዝኣት ኣመሪካ ዓመታዊ ክኽበር ተወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, ZERAY DERES
ኣብ ኣመሪካ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፐንሲልቫንያ ፡ 23 ለካቲት ወይ ድማ 2 መጋቢት (አቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዝኽሪ ብዓል ዓወት ዓድዋ ክኸውን ዝቐረበ እማመ ብኣብዝሓ ድምጺ ኣጽዲቑ።
እቲ HR 441 ዝብል ዝጽዋዕ ውሳነ፡ ንኩናት ዓድዋ ብወግዒ ኣፍልጦ ዝህብ ታሪኻዊ ሰነድ ኮይኑ ኣብ መዝገብ ሓጋጊ ኣካል እታ ግዝኣት ብቐዋምነት ክሰፍር'ዩ።
ብመሰረት እቲ ውሳነ፡ ኣብ ግዝኣት ፐንሲልቫንያ፡ 2 መጋቢት 2026፡ መበል 130 ዓመት ዝኽሪ ኲናት ዓድዋ ኮይኑ ክምዝገብ እዩ።
እቲ ውሳነ ኣባላት ባይቶ ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ዝደገፍዎ ኮይኑ፡ ብዓብላሊ ድምጺ (195 ድጋፍን 6 ተቓውሞን) እዩ ጸዲቑ።
እቲ እማመ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝቐረበ እኳ እንተኾነ፡ ብውሽጣዊ ኣሰራርሓ እቲ ባይቶ ሓሊፋን ዘተታት ተገይሩሉን እዩ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ተወሲኑ።
እቲ እማመ፡ ካብ መንግሜረ ካውንቲ፡ ሰሜን ፊላደልፍያ ዝመጸ ወኪል ሰነተር ቤንጃሚን ሳንቸዝ እዩ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፔንስልቨንያ ኣቕሪብዎ።
ቢቢሲ እቲ ሰነተር ብዛዕባ እቲ እማመ ተወሳኺ መብርሂ ንኽህብ ኢመይል ልኢኹ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ እዚ ጽሑፍ ክሳዕ ዝተዳለወሉ እዋን ግን መልሲ ኣይረኸበን።
ይኹን እምበር፡ ነቲ እማመ ኣብ ዘቕረበሉ መዓልቲ ንባይቶ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ዓድዋ ንኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ዘለዎ ዓቢ ትርጉም ዘዘኻኽር እዩ- ኢሉ።
ሰነተር ቤንጃሚን ሳንቸዝ፡ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ፡ ዓድዋ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለም ልዑል ቦታ ከምዘለዋ ብምጥቃስ፡ "መሪሕነት ንጉሰ ነገስት ኢትዮጵያ ዳግማዊ ምኒሊክን በዓልቲ ቤቱ ጣይቱ ብጡልን፡ ሃገሮም ካብ መግዛእታዊ ወረርቲ ሓራ ኣውጺኡዋ'ዩ" ኢሉ።
እዚ ድማ ንኩሎም ኣብታ ክልል ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያንን ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ኢትዮጵያውያንን ዓቢ ምንጪ ሓበን ምዃኑ እዩ ጠቒሱ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ግዝኣት ፐንሲልቫንያ ብወገኑ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኤውሮጳውያን ሃገራት ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝገዝኡሉን እዋንን እተን ሃገራት ፈጺመን ሓራ ዘይወጹ ኣብ ዝመስሉሉን እዋን፡ ኢትዮጵያ ሓርነታ ብምኽባራ ንዓወት ዓድዋ ንኢዱ።
ኢትዮጵያ ኣብ 19ን 20ን ክፍለ ዘመን መግዛእቲ ዘይተገብረላን ብሓይልታት ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸበትን ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና እውን ይገልጽ።
ስለዝዀነ ድማ ኣብ ግዝኣት ፐንሲልቫንያ፡ 2 መጋቢት "መዓልቲ ዓወት ዓድዋ" ኰይኑ ክእወጅ ውሳኔ ከምዘሕለፈ ኣፍሊጡ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ርክብ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ዝሰርሕ ኮሚቴ ህዝባዊ ጉዳያት ኣመሪካ እውን ነቲ ውሳነ ንኢዱ ኣሎ።
"ቤት ምኽሪ ፐንሲልቫንያ ካብ ዓድዋ ዝተማሃርናዮ ትምህርቲ ሎሚ እውን ኣገዳሲ ምዃኑ ሓያል መልእኽቲ ዘመልክት እዩ። ነዛ ኣብ መላእ ዓለም ንሚልዮናት ዘኹርዕን ዘነቓቕሕን ታሪኻዊት መዓልቲ ነመስግን" ይብል።
እቲ ኮሚቴ ብተወሳኺ ነቲ እማመ ዘቕረበ ቤንጃሚን ሳንቸዝ እውን ኣመስጊኑ።
ኣብ ኮሎራዶ ሪፓብሊካን ኣባል ባይቶ ከተማ ኣውሮራ ዝኾነ ኣምሳሉ ጸጋየ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ HR 441 ብዓቢ ኣብዝሓ ክልቲኡ ውድባት ኣብ ባይቶ ከምዝጸደቐ ገሊጹ።
ኣብታ 13 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ግዝኣት ፔንስልቨንያ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ፊላደልፍያን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት እታ ግዝኣትን ከምዝነብሩ ይፍለጥ።
"ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያውያን ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን" ይብል ኣቶ ኣምሳሉ።
"እቲ ታሪኽ ታሪኽ ኣፍሪቃውያንን ጸለምቲ ኣመሪካውያንን'ውን እዩ"።
ኣብ ፐንሲልቫንያ ዝካየድ ዘሎ ጽምብል መዓልቲ ዓወት ወርቃዊ ዕድል ምዃኑ እውን ይጠቅስ።
ይኹን እምበር እቲ ውሳነ ኣብ ክልል እምበር ብፌደራል ደረጃ ዝኽበር ከምዘይኰነ ወሲኹ ሓቢሩ።
ዓድዋ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ሃጸይ ሚኒሊክን በዓልቲ ቤቱ ንጉስ ጣይቱን፡ መራሒ ኲናት ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋን ካልኦትን፡ ንወረርቲ ጣልያን ስዒራ ልኡላውነታ ዘረጋገጸትሉ ታሪኻዊ ዓወት ብምዃና፡ ምልክት ናጽነትን ጸረ-ባዕዳዊ ቃልሲ ጸለምቲ ህዝብታት ዓለም ኰይና እያ ትርአ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://bbcinsight.pages.dev/_bbc-assets/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
