ኮሎምብያ፡ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ መሬት ብውሑዱ 132 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ከተማ ዝዓነወ ህንጻ፡ ሰባት ዝተደብዩ ሰባት ንምድሓን እናተጓየዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ኮሎምብያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዘጋጠሙ ዝበርትዐ ምንቅጥቃጥ መሬት ብምግጣሙ፡ ብውሑዱ 132 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ኣብታ ሃገር ድማ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ ኣሎ።

ብዝሒ ምዉታት ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ክውስኽ ከም ዝኽእል ዝተሰግአ ኰይኑ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ዝዓነዉ ህንጻታት ተደብዮም ከም ዘለዉ ይእመና።

እቲ 7.4 ሬክተር ዝዓቐኑ ዝወቕዐ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ሰኑይ ንግሆ ሰዓት 07:34 (ብግዜ ግሪንዊች 12:34) ኣብ ክፍለ-ሃገር ቾኮ ከም ዘጋጠመ ናይቲ ሃገር ስነ-መሬታዊ ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ኣብ ውሽጢ 103 ኪሎ-ሜተር ዕምቈት ዝተኸሰተ ኰይኑ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ሰፊሕ ከባቢታት ምዕራብ ኮሎምብያ ተሰሚዑ።

መብዛሕትኡ ሞት ኣብታ ብፍርያት ቡን እትፍለጥ ዞባ እትርከብ ከተማ ፐሬይራ ዝተመዝገበ ኰይኑ፡ ጐረባብቲ ከተማታትን ዞባ ቫለ ዴል ካውካን'ውን ብኸቢድ ተሃስዮም እዮም።

ማእከል እቲ ምንቅጥቃጥ ኣብ ጥቓ ሳን ሆሰ ዴል ፓልማር እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ጐደናታት ካብ ዝበጽሐ ዕንወት ወጻኢ፡ "ብተኣምር" ዝሞተ ወይ ዝቘሰለ ሰብ ከም ዘየሎ ከንቲባ እቲ ከባቢ ሌዎን ፋብዮ ማሪን ሞንካዳ ገሊጹ።

ማሕበር ርእሰ-ከተማታት ኮሎምብያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ ሓደጋ ልዕሊ 480 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ኣፍሊጡ።

ካብ ማእከል እቲ ምንቅጥቃጥ 55 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ፐሬይራ፡ ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ ዕንወት ዝረኣየሉ ከባቢ እያ።

ቢቢሲ ዘረጋገጾም ቪድዮታት ከም ዘርእይዎ፡ ኣብቲ ብዙሕ ሰብ ተኣኪብሉ ዝነበረ ቀንዲ ኣደባባይ እታ ከተማ ብውሑዱ ሓደ ህንጻ ክዓኑ ከሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ሓመድን ዝተሰባበረ ኣእማንን ተበቲኑ ይርአ።

ሰበስልጣን እታ ከተማ ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብ ከባቢ ፐሬይራ ብውሑዱ 40 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ 65 ህንጻታት ድማ ዓንዮም ኣለዉ።

ኣብ 15 ካብቶም ዝዓነዉ ህንጻታት ሰባት ተቐርቂሮም ከም ዘለዉ ይግመት። በዚ ድማ ኣብ ገለ ክፋላት እታ ከተማ ክሳብ ሰሉስ ንግሆ ዝጸንሕ ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ተኣዊጁ ኣሎ።

ኣብታ ካብ ፐሬይራ 160 ኪሎ-ሜተር ንደቡብ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ካሊ ድማ 32 ህንጻታት ዓንዮም።

ኣብታ ከተማ ዝነበረ ብሪጣንያዊ ዳን ካትለር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ከምዚ ዓይነት ተመኵሮ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን፡" ክብል ስንባደኡ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ብለይቲ በቲ ምንቅጥቃጥ ምስ ተበራበርና፡ ብፒጃማና ናብ ግዳም ጐዪና። ኣብቲ ሆቴል ዓቢ ናይ መዋቕር ዕንወት እኳ እንተ ዘየሎ፡ ኣብ መንደቕ ግን ነቓዓትን ዝተቐረፈ ሕብርን ይርአ፡" ኢሉ።

ዝዓነወ ህንጻ፡ ሰባት ድማ ብዝባኖም ይርኣዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ከተማታት ማኒዛለስ፡ ኪብዶ፡ መደሊን ከምኡ'ውን ኣብ መላእ ዞባታት ቾኮን ቫለ ዴል ካውካን ሞት ከም ዝተመዝገበ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ማኒዛለስ ጥራይ ብውሑዱ ክልተ ሰባት ሞይቶም እዮም።

ኣብቲ ሓደጋ ዝነበረት አንጀሊካ ኣቪላ ንቢቢሲ ክትገልጽ ከላ፡ "ኵሉ ሰብ ይጭድር ነይሩ... ካብ ጐረባብቲ ህንጻታት ሓመድ ክወጽእ ከሎን ካብ መንደቕ ሕጡብ ክወድቕ ከሎን ርእየ፡" ኢላ።

ጋዜጠኛን ክኢላ ስነ-ኣየርን ሉዊስ ፈሊፐ ሞሊና ብወገኑ፡ እታ ከተማ ብሰንኪ ቀደማይ ተመኵሮ ምንቅጥቃጥ መሬት "ጽኑዕ ናይ ህንጻ መምርሒታት" ስለ ዘለዋ፡ ህንጻኡ ነቲ ምንቅጥቃጥ ክጻወሮ ከም ዝኸኣለ ገሊጹ።

ይዅን እምበር፡ "ኣብ መደርደሪ ዝነበሩ 450 መጻሕፍተይ ኵሎም ወዲቖም፡ ናይ መስኮት ቬትሮታት ክስበርን ሰባት ክጭድሩን ይስማዕ ነይሩ። ዘሰቅቕ ተመኵሮ እዩ ነይሩ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ምምሕዳር ነፈርቲ እታ ሃገር፡ ኣብ ፐሬይራ፡ ማኒዛለስ፡ ኪብዶ፡ ኣርመንያ፡ ካርታጎን ብዌናቬንቱራን ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ ዕንወት ከም ዝበጽሖም ሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ርእሰ-ከተማ ቦጎታ ድማ ኣእዋምን መብራህቲ ትራፊክን ብሓይሊ ክብንቈሩ ከለዉ፡ ኣብ ገለ ህንጻታት ነቓዓት ተራእዩ ኣሎ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ክሳብ ጐረባብቲ ሃገራት ቬነዝወላ፡ ኢኳዶርን ፓናማን ተሰሚዑ እዩ። እዚ ሓደጋ ዘጋጠመ፡ ኣብ ሰሜን ቬነዝወላ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ልዕሊ 6,300 ሰባት ካብ ዝሞቱ ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን እዩ።

ፕረዚደንት ኮሎምብያ ኣቤላርዶ ደ ላ ኤስፕሪየላ ሃገራዊ ናይ ሓደጋ ኵነታት ኣዊጁ ኣሎ።

እቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ጥራይ ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት፡ ነቲ ሓደጋ ንምምካት ዘኽእል ፍሉይ ስልጣንን ባጀት ናይ ምስላዕ ስልጣንን ክጥቀም እዩ።

ፕረዚደንት ደ ላ ኤስፕሪየላ ካብቶም ዝሞቱ ሰባት ብተወሳኺ ልዕሊ 1,500 ኣባይቲ ከም ዝዓነዉ ኣረጋጊጹ።

ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ደገፉ ይገልጽ ኣሎ። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ ሃገሩ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ትከታተሎ ከም ዘላን ሓገዝ ንምሃብ ድልውቲ ምዃናን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኤል ሳልቫዶር ናይብ ቡከለ እውን ንህዝቢ ኮሎምብያ ኣብ ጐድኑ ከም ዘለዉ መልእኽቲ ብምሕላፍ፡ ንረድኤት ዝኸውን ሰራሕተኛታትን ንብረትን ከም ዘቕርብ ገሊጹ።

ስነ-መሬታዊ መጽናዕቲ ኣመሪካ (USGS) ከም ዝሓበሮ፡ እዚ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዓሚቝ ቦታ ዝተኸሰተ ብምዃኑ፡ ከምቲ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል መሬት ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ሓደገኛ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ህንጻታት ግን ከቢድ ዕንወት ከውርድ ይኽእል እዩ።